ፊሊፒንስ፡ ነትጒ ድጉል እሳተጎመራ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ

Published

ኣብ ሃገረ ፊሊፒንስ ዝርከብ እሳተጎመራ፡ ሓዊ (ላቫ) ክተፍእ ብምጅማሩ፡ መርዛም ትኪ ክንዛሕ ምዃኑ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣጠንቂቖም።

ሰኑይ ወጋሕታ፡ ካብቲ ኣብ ታል ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ እሳተጎመራ፡ ትሑት ደረጃ ዘለዎ ላቫ ንደገ ክልሑኽ ጀሚሩ።

እቲ ቦታ፡ ካብ ርእሰከተማ ማኒላ ንደቡብ፡ ኣስታት 70 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ'ዩ።

ኣቐዲሙ ኣብ ዝነተጎሉ እዋን፡ እቶም ኣስታት 8000 ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ክፈናቐሉ ኣገዲዱ ነይሩ።

እሳተጎመራ ታል፡ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ንጡፋት (ብቐጻሊ ዝነትጉ) ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ምዃኑ ይግለጽ።

ሰብመዚ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኣውራጃ ባንታንጋስ ብሰንኪ'ዚ ናይ ሕጂ ነትጒ "ናይ ሓደጋ እዋን" ኣዊጆም ኣለዉ።

ብሰንበት፡ ብነጎዳ ዝተሰነየ ዓንዲ ትኪ ካብቲ ቦታ ንሰማይ ክዓርግ ተራእዩ።

ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ከባቢ ታል ጥራይ 75 ግዜ እሳተጎመራ ከም ዝነቶገን፡ 32 ካብኣቶም ኣብ መበል 2ይ ደረጃ ዝስርዑ ምዃኖም ጸብጻባት ይጠቕሱ።

ኪኢላታት እሳተጎመራ፡ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ካብ ሰለስተ ናብ ኣርባዕተ ክብ ኣቢሎሞ ኣለዉ። እቲ ዝለዓለ መጠንቀቕታ 5 እዩ።

እቲ ኩነታት "እሳተጎመራዊ ሱናሚ" ከስዕብ ከም ዝኽእል'ውን ሰብመዚ'ታ ሃገር ኣጠንቂቖም ኣለዉ።