እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዞባ ማእኸላይ ጎንደር፡ ስድራ ናይቶም ዝተቐተሉ ጓሶት ነፍስወከፎም 100 ሽሕ ብር ክኸፍሉ ተሓቲቶም ነይሮም
ካብ ዞባ ማእከላይ ጎንደር ወረዳ ጠገዴ ተጨውዮም ካብ መንጎ ዝተወሰዱ ሸሞንተ ቖልዑ፡ እቶም ሽዱሽተ ከምዝተቐተሉ ሓላፊ ኮሚዩኒኬሽን ወረዳ ጠገዴ ኣቶ እሽቴ ኣረጋዊ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እቶም ዕድሚኦም ካብ 10 ክሳብ 16 ዝኾኑ ህጻናት፡ ታሕሳስ 10/2012 ኣቆጻጸራ ኢትዮጵያ፡ ማይዳራ ካብ ዝበሃል ሩባ ከባቢ ከብቲ እናሓለዉ እንተለዉ ተጨውዮም ናብ ጎረቤት ወረዳ ዝኾነ ታሕታይ ኣርማጭሆ ከምዝተወሰዱ ኣይተ እሸቴ ይዛረብ።
እቶም ህጻውንቲ ንትሸዓተ መዓልቲታት ኣብ ታሕታይ ኣርማጭሆ ተዓጊቶም ምስ ጸንሑ፡ ታሕታስ 19 ካብቶም ሽመንተ እቶም ሽዱሽተ ብጥይት ተቐቲሎም።
ካብቶም ህጻውንቲ እቲ ሓደ፡ ስድርኡ ንምሕጋዝ ኣብ እንዳስብ ተቖጺሩ ከብቲ ይሕሉ ነይሩ።
ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ ክልተ ቖልዑ፡ እቲ ሓደ ቆሲሉ ሕክምና ዝግበረሎ ዘሎ ኮይኑ እቲ ካልአዋይ ድማ ተንከባሊሉ ናብ ገደል ብምእታዉ ክተርፍ ክኢሉ።
ብዛዕባ እቶም ዝጠፍኡ ቆልዑ ሓበሬታ ዝበጽሖም ኣባላት ጸጥታ ድማ ኣብቲ ከባቢ ክደልዩዎም ቀንዮም።
"እቲ ከባቢ ርሕቕ ዝበለ እዩ፤ ኮከራ ዝበሃል ቀበሌ ቀደሙ 'ውን 'ሰፈር ሸፍታ' እዩ ዝበሃል" ይብል ኣቶ እሸቴ።
ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ህጻውንቲ ከምዝተቐተሉ ካብቲ ዘምለጠ ቆልዓ ክፍለጥ ክኢሉ። እቲ ህጻን ብተደጋጋሚ ከምዝተኮስሉን ከምልጥ ከምዝኸኣሉን ንኣባላት ጸጥታ ተዛሪቡ።
ካብቲ ሃዲሙ ዘምለጠ ህጻን ዝተረኸበ ሓበሬታ ብምጥቃስ፡ እቶም ጨወይቲ ናብ ስድራ እቶም ህጻናት ብምድዋል፡ ኣፈራሪሖም ገንዘብ ክቕበሉ ዓሊሞም ምንባሮም ኣይተ እሸቴ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ነቶም ህጻናት ንምፍታሕ፤ ንሕድሕድ ህጻን 100 ሽሕ ሓቲቶም ከምዝነበሩን፡ ዳሓር ድማ ክሳብ 50 ሽሕ ወሪዶም ከምዝነበሩን፡ ከምዝሰምአ ዝዛረብ ኣይተ እሸቴ፡ ብሓፈሻ እቶም ወለዲ ካብ 500 ሽሕ ክሳብ 700 ሽሕ ክኸፍሉ ከምዝተሓተቱን ይገልጽ።
እቶም ወለዲ ንኣካላት መንግስቲ ካብ ምዝራብ ሓሊፎም፡ ገንዘብ ክኸፍሉ ብዘይ ምኽኣሎም እቶም ህጻናት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ስነ ስርዓት ቀብሪ እቶም ህጻናት፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ጸገዴ ገብርኤል ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ መንነት እቶም ቀተልቲ ብዝምልከት ግን "ናይቲ ወረዳ ወይ እውን ታሕታይ ኣርማጭሆ ሸፋቱ እዮም ዝበሃሉ፤ ክሳብ ሐዚ ዝተፈለጠ ሰብ የለን። ይጻረ እዩ ዘሎ" ክብል ኣይተ እሸቴ ገሊጹ።
ልሙድ እናኾነ ዝመጸ ጭውያ
ኣብ ከባቢታት ምዕራብ ጎንደር፡ ብዛዕባ ዝጭወዩ ሰባት ዜና ምስማዕ ዝተለመደ እዩ ዝመስል። ካብቶም ግዳያት መራሕቲ መካይን ይርከቡዎም።
ናይ ኣይሱዙ ናይ ጽዕነት መኪና መራሒ ዝኾነ ኣሕመድ ይማም፡ ኣብ መስመር መተማ-ሽንፋ-ፎገራ፡ ንሰለስተ ዓመታት ሽቐጣ ሸቐጥን ሰሊጥን የመላልስ ነይሩ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሽዱሽተ ዕጡቓት ኣብ ቀበሌ ሽንፋ መኪንኡ ጠጠው ኣቢሎም፡ ንዕኡ፣ ሓጋዚኡን ክልተ ተሳፈርትን ከምዝዓገቱዎም ይገልጽ።
ንሰለስተ መዓልቲታት ምስቶም ዕጡቓት ከምዝጸንሐ ዝገልጽ ኣሕመድ፡ ኣሞሃ ናብ ዝበሃል ጎቦ ከምዝወሰዱዎምን፡ ካብቲ ከበቢ ናይ ክልተ ሰዓት ርሕቐት መካላኸሊ ሰራዊት ዋላ እንተሃለወ፡ ዝበጸሐሎም ከምዘይነበረን ይዛረብ።
ብድሕሪኡ ናብ ቤተሰቡን ኣዕርኽቱን ከምዝደወለ ዝገልጽ ኣሕመድ፡ ነፍሲ ወከፍ 300 ምኢቲ ሽሕ ክኸፍሉ ከምዝኣዘዝዎምን ድሕሪ ብዙሕ ልመና 120 ሽሕ ከፊሉ ከምዝሰደዱዎን ገሊጹ።
"ምስ ቤተሰባን ክንዘራረብ ኔትወርክ ናብ ዘለዎ ከባቢ ይወስዱና ነይሮም" ዝብል ኣሕመድ፡ ሓዉ ናብቲ ጫካ መጺኡ ነቲ ገንዘብ ከፊሉ ከምዘፍተሖ ይዛረብ።
ካልኦት 250 ሽሕን 400 ሽሕን ከፊሎም ዝወጹ ሰባት 'ውን ከምዝፈልጥ ይዛረብ።
ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝተፈጸመ ቅትለት ንፈለማ ግዘ ምዃኑ ዝገልጽ ኣይተ እሸቴ፡ ዓበይቲ ግን ከንዘብ ኣምጽኡ እናበልካ ምጭዋይ ልሙድ ከምዝኾነ ገሊጹ።
በዚ ገበን ክሳብ 25 ኣመት ዝተፈረዶም ገበነኛታት ከምዘለዉ 'ውን ተዛሪቦም።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቋራ ናብ ጎንደር ኣብ ዝወስድ መገዲ ሽደሽተ ሰባት ከምዝተጨወዩ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብቲ ከባቢ ምምሕዳር መልሲ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ደዊልና፡ "ኣብ ምርመራ ኢና ዘለና" ብዝብል ምኽንያት መረዳእታ ንምሃብ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።