እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራቕ፡ ኣንጸር መንግስቲ ኣብ ዝግበር ዘሎ ተቃውሞ ልዕሊ 40 ሞይቶም
ኣብ ኢራቕ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝግበር ዘሎ ግጭት ዘስዓበ ተቃውሞ ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።
ክልተ ካብዞም ዝሞቱ፡ ብኣካላት ጸጥታ ከተማ ባቕዳድ ብዝተተኮሶም መንብዒ ጋዝ ከምዝተቐተሉ ተሓቢሩ።
ጸብጻባት፡ ካብዞም ዝሞቱ ልዕሊ ፍርቂ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት መንግስትን ምልሻን ጠኒኖም ክኣትዉ ከምዝተቐተሉ እዮም ዝሕበሩ።
ሰልፈኛታት ኣብታ ሃገር ናይ ስራሕ ዕድል ክፍጠር፡ ማዕረ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክትከልን ብልሽውና ደው ክብልን እዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።
በዚ ተላዒሉ ዘሎ ናዕቢ ኣስታት 2000 ሰባት ከም ዝቆሰሉ ኤኤፍፒ ንኣካለት ጸጥታ ኢራቕ ከም ምንጪ ብምጥቃስ ኣቃሊሑ።
ቅድሚ ወርሒ እውን ተመሳሳሊ ሰልፊ ተቓውሞ ተኻይዱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣስታት 150 ሰባት ከምዝተቐተሉ ይጥቀስ።
ኣካላት መንግስቲ እውን ሓይልታት ጸጥታ ዘየድሊ ሓይሊ ከምዝተጠቐሙ ኣሚኖም እዮም።
ትማሊ ዓርቢ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓደል ዓብዱል ማሃዲ መንግስቱ ንኸምዚ ዓይነት ጎንጽታት ከምዘይዕገሶ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ።
እዚ ተቃውሞ ካብ ጥቕምቲ ሓደ ዝጀመረ ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ካብዞም ሰልፈኛታት መንእሰያትን ሰራሕ ዘይረኸቡን እዮም።
ነዞም ሰልፈኛታት ንምብታን ፖሊስ ብረት ክጥቐም ምስ ጀመረ፡ እቲ ተቃውሞታት ናብ ብዙሕ ቦታታት ልሒሙ።
ካብ 1 ክሳብ 6 ጥቅምቲ ጥራይ 149 ሲቪልን 8 ኣባላት ጸጥታ ኢራቕን ከምዝተቐተሉ ብመንግስቲ ዝወጽአ ሓበሬታ የመልክት።