ኣብ ሆላንድ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ትራክተራት ምጭንናቕ ፈጢሩ

ትራክተራት ኣብ ጽርግያ

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ትራክተራት ዝዝውሩ ሓረስቶት ሆላንድ፡ ቆላሕታ ከወሃቦም ንምጥላብ ትራክተራቶም ሒዞም ኣብ ጽርግያታት ምውጽኦም፡ ኣብታ ሃገር እቲ ዝኸፍአ ናይ ትራፊክ ምጭንናቕ ፈጢሩ።

ሓደ ናይ ተሽከርከርቲ ትካል ከም ዝገለጾ፡ ኣብቲ ሰብ ናብ ስራሕ ዝኣትወሉ እዋን፡ ንኣስታት 1,136 ኪሜ ዝቐጸለ ጻዕቂ መካይን ተራእዩ ኢሉ።

እቶም ሓረስቶት፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብነት ናይትሮጅን ንሳቶም ዘመንጨውዎ ምዃኑ ዝጠቅስ ጸብጻብ ቁጠዐኦም ንምግላጽ'ዮም ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ዘለዉ።

እቲ ጸብጻብ፡ ውጽኢታዊ ዘይኮኑ ሕርሻታት እንስሳ ክዕጸዉን፡ ነቲ እናነሃረ ዝኸይድ ዘሎ ብከላ ንምቁጽጻር ድማ፡ ናይ ፍጥነት መጠን ክጎድል ዝጽውዕ'ዩ።

ይኹን እምበር፡ ማሕበረሰብ ሕርሻ'ታ ሃገር፡ ኣቭየሽን ኢንዱስትሪ ናጻ ብምግባር፡ ንሓረስቶት ግዳይ ዝገብር'ዩ ክብሉ የማርሩ።

ወደብቲ ናይቲ ተቓውሞ፡ 15,000 ሓረስቶት ምስ ትራክተራቶም ናብቲ ኣብ ማእከል ከተማ ሄግ ዝተመደበ መራኸቢ ክውሕዙ ከም ዝጽበዩ ተዛሪቦም።

ሰሉስ ንጉሆ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታት ዝመጻ ትራክተራት ንሓጹር ፈንጢሰን ናብ ማእከል ናይቲ ከተማ ክውሕዛ ጀሚረን።

ኣስታት 500 ትራክተራት እቲ ሰልፊ ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሓደ ሰዓት ኣብ መበገሲ ቦትአን ከም ዝበጽሓን፡ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

ሓደ ካብቲ እቶም ሓረስቶት ሒዞሞ ዝነበሩ ጭረሖታት ድማ፡ "ብዘይ ሓረስቶት መግቢ የለን" ዝብል'ዩ።

ከተማኡ ብትራክተር ዘዕለቕለቐት ከንቲባ ሄግ፡ "ዘይውሑስ ኩነታት" ተፈጢሩ'ሎ ክብል ተሰሚዑ።

እቲ ዝኸፍአ ኩነታት ግን፡ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ዝርከቡ ጽርግያታት ብትራክተራት ተዓጽዩ፡ መጓዓዝያ ምድሪ ከም ዝድስክል ምዃኑ'ዩ።

ደቂ እቶም ሓረስቶት ብወገኖም፡ ናይ መጻወቲ ትራክተራት ጌሮም ናብ ኣብያተ ትምህርቶም ክኸዱ ተራእዮም።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሆላንድ፡ ኣብ ግንቦት ኣብ ዝሃቦ ብይን፡ መንግስቲ ዝህቦ ናይ ህንጻን ሕርሻን ፍቓድ፡ ንቅጥዕታት ሕብረት ኣውሮጳ ዝጠሓሰ'ዩ ኢሉ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት፡ ንተፈጥሮ ካብ ከም በዓል ኣሞንያን ኒትሮስ ኦክሳይድ ዝበሉ ብነት ናይትሮጅን ንምክልኻል፡ ሓያሎ ናይ ጽርግያ፡ ኣባይትን፡ ማዕርፎ ነፈርትን ፕሮጀክትታት ደው ከም ዝብሉ ጌሩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን፡ ኣብ ሕርሻን ጽርግያታትን ሆላንድ ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ፡ ሓደ ኣማኻሪ ኮሚቲ ተማሕጺኑ'ዩ።

ሓደ ሊበራላዊ ኣባል ባይቶ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሕርሻ እንስሳ ብፍርቂ ክጎድል ኣለዎ ኢሉ። እዚ ማለት፡ 6 ሚልዮን ሓሰማን 50 ሚልዮን ደርሁን ምዃኑ'ዩ። እዚ መጸዋዕታ'ዚ ድማ ነቶም ሓረስቶት ኣቖጢዕዎም።

መንግስቲ እኹል ስጉምቲ ኣይወሰደን ተባሂሉ ክሕመ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብታ ሃገር እቲ ዝኸፍአ ብከላ ኣብ ከባቢ ከተማ ኣምስተርዳም ምዃኑ ተገሊጹ።

መንግስቲ ሆላንድ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት፡ ነቲ ሓደገኛ ብነት ብ25% ከጉድሎ ወጥን ኣውጺኡ'ሎ።