ምፅብባቕ ጓል ኣሸንዳ

Published

ኣሸንዳ ናይ ቖጽሊ ሽም'ዩ። እቲ ቆጽሊ ኣሸንዳ ወኻርያ፣ ኣሸንዳ ዝብእን ኣሸንዳ ሰብን እናተብሃለ ድማ ይጽዋዕ። አዋልድ ዓመት ተጸብየን፡ ንኽልተ ሰሙን "ጾመ ፍልሰታ ለማርያም" ጾይመን ዘብዕለኣ በዓል፡ ልዕሊ ዝኾነ ክትደምቀለን፡ ሰፊሕ ምድላዉ'የን ዝገብራ።