እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቱርኪ ኣዊጃቶ ዝነበረት ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ኣልዒላ
መንግስቲ ቱርኪ ዕልዋ መንግስቲ ንምክያድ ዝተፈተነ ሽርሒ ምፍሻሉ ስዒቡ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝኣወጆ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ከምዘልዓለ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን።
ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ዝተኣወጀሉ ክልተ ዓመታት፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ተኣሲሮምን ካብ ስርሖም ተባሪሮምን እዮም።
ይኹን እምበር መንግስቲ እታ ሃገር፡ እዚ ኣዋጅ በቢ ሰለስተ ወርሑ ንሸውዓተ ግዜ ድሕሪ ምንውሑ፡ ሎሚ ንከብቅዕ ወሲኑ።
መንግስቲ እዛ ሃጋር ነዚ ወሲኑ ዘሎ፡ ፕረዚደንት ረሲጵ ጠይብ ኤርዶጋን ኣብ ፕረዚደንታዊ መረፃ እታ ሃገር ድሕሪ ምዕዋቶም እዩ።
ኣብ ጎስጓስ ምረፁኒ ብርክት ዝበሉ ተነሓናሕቲ ውድባት፡ ኣብዚ መረፃ እንተድኣ ተዓዊቶም ብቐዳምነት እዚ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ከምዘልዕሉ ክገልፁ ፀኒሖም እዮም።
ብምኽንያት እዚ ፈተነ ዕልዋ መንግስትን አዋጅ ህፁፅ ግዜን፡ ኣብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ዝተዋፈሩ ልዕሊ 107 ሽሕ ቱርካውያን ካብ ስርሖም ተሰጒጎም።
እቲ ኣዋጅ ተግባራዊ ካብ ዝኸውን ድማ፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ከምዝተኣሰሩ መረዳእታ ስታስቲክስ እታ ሃገርን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ይሕብሩ።
መብዛሕትኦም ቅድም ኢሎም ቀንዲ መሻርኽቲ ኤርዶጋን ንዝነበሩ ፈትሁላሕ ጉለን ብምድጋፎም እዮም ተኣሲሮም። ፈትሁላሕ ጉለን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ እዮም ዝነብሩ።
ቱርኪ ንጉለንን ሰዓብቶምን፡ ነቲ ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከምዘተሓባበሩ እያ ትኸስስ፤ ዋላ እኳ ንዝቐረበሎም ክሲ እንተነፀግዎ።
ኣብ 2016 ኣብ ቱርኪ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ፡ ብወተሃደራዊ ነፋሪት ዝተሓገዘ ኮይኑ ልዕሊ 250 ሰባት ግዳያት ሞት ኮይኖምሉ።