ጆ ባይደን፡ ‘ኣመሪካ ኢዳ እንተእትያ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክለዓል እዩ’

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኸፈተቶ ወራር ክልተ ሰሙን መሊእዎ ኣሎ። ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሰርገይ ላቭሮቭን ናይ ዩክረይን መዘናኡ ድሚትሮ ኩሌባን ኣብ ቱርኪ ዘካድዎ ዘተ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ። ጆ ባይደን፡ ‘ኣመሪካ ኣብ ዩክረይን ኢዳ እንተእትያ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክለዓል እዩ’ ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ። እቲ ኲናት ዝምልከት ዝህልዉ ሓደሽቲ ምዕባለታት ኣብዚ ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ቭላድሚር ፑቲን ብገበን ኲናት ክኽሰስ ይኽእል'ዶ?

  2. ጆ ባይደን፡ "ኣመሪካ ኢዳ እንተእትያ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክውላዕ እዩ"

    ጆ ባይደን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣመሪካ ዩክረይን ንምክልኻል ሰራዊት እደንድሕር ኣዋፊራ፡ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክጅመር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    ብዚ ምኽንያት፡ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣመሪካ ወተሃደራታ ናብ ዩክረይን ከምዘይትልእኽ ኣረጊጹ ተዛሪቡ።

    "ግልጺ ክገብሮ ኣለኒ። ሕድሕድ ስድሪ መሬት ኣባል ሃገራት ኔቶ ብዝተሓባበረ ሙሉእ ሓይሊ ክንከላኸል ኢና" ዝብል ግን ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ።

    "እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ዩክረይን ኣቲና ምስ ሩሲያ ኲናት ኣይንገጥምን። ኣብ መንጎ ኔቶን ሩሲያን ዝግበር ቀጥታዊ ተጻብኦ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ከልዕል ይኽእል እዩ" ክብል ኣጠንቂቁ።

    ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወተሃደራዊ ወራር ምስ ከፈተት ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ምምሕዳር ፕረዚድዳንት ባይደን ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ሩሲያን ተረርቲ ዝበሃሉ ማዕቀባት የንብር ኣሎ።

    ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ኣመሪካ ካብ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ትገዝኦ ዝነበረት ነዳዲን ጋዝን እገዳ ዘንበረት ኮይና፡ ትማሊ ዓርቢ ድማ፡ ካብ ሩስያ ዝኣትዉ ኣልኮላዊ መስተታት፣ ናይ ባሕሪ ምግብታትን ኣልማዝን ከልኪላ ኣላ።

    ብተወሳኺ ብብርኪ ውልቀሰባት፡ ምስ መንግስቲ ሩስያ ጥቡቕ ምትእስሳር ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝበሃሉ ብዙሓት ሩስያውያን ሰብ ጸጋ እገዳ ከምእተንብር ይግመት።

  3. ምስጢራዊት ናይ ‘ሕብረት ሶቬት ነበር ድሮን’ ኣብ ክሮኦሽያ ወዲቓ

    ድሮን ዝወደቐትሉ ቦታ፡ ዛግረብ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    መግለጺ ስእሊ, ፍንጭልጫል ናይታ ድሮን፡ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ናይታ ከተማ ኣብ ዘሎ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተረኺቡ

    በታ ዝወደቐት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ዝኾነ ሰብ ዘይምቕታሉ ተኣምር’ዩ ክብል ከንቲባ ርእሰከተማ ዛግረብ ገሊጹ።

    እታ ክንዲ ምልእቲ ነፋሪት እትኸውን ድሮን ትማሊ፡ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ’ያ ኣብታ ከተማ ወዲቓ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ክሮኦሽያ ኣንድረጅ ፕለንኮቪች፡ እታ ድሮን ስራሓት ሩስያ ምዃና’ኳ እንተገለጸ “እንተኾነ ግን ዋንነታ ናይ ሩስያ ድዩ ናይ ዩክረይን ኣይተፈልጠን” ኢሉ።

    ገለ ጸብጻባት ከምዝበልዎ፡ እታ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ብዩክረይን እትውነን፡ ኣብ እዋን ሕብረት ሶቬት ዝነበረት TU-141 ዝዓይነታ ክትከውን ከምእትኽእል ኣሚቶም ኣለዉ።

    ከንቲባ ቶሚስላቭ ቶማሰቪክ ከምዝበሎ፡ ፍንጭልጫል ናይታ ድሮን፡ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ናይታ ከተማ ኣብ ዘሎ ዝተፈላለየ ከባቢታት’ዩ ወዲቑ።

    እታ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ብክሊ ኣየር ሃንጋሪ ሓሊፋ፡ 40 ደቒቕ ተጓዒዛ፡ ናብ ክሊ ኣየር ክሮኦሽያ ከምዝኣተወት ሰብመዚ ገሊጾም።

    ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ዝኾነ ፕረዚደንት ክሮኦሽያ ዞራን ሚላኖቪች፡ ኣብ እዋን ኲናት ከምዚ ዓይነት ፍጻሜታት ከጋጥም ከምዝኽእል ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ክሻቐል ከምዘይብሉ ተማሕጺኑ’ሎ።

    እታ ድሮን ንክሮኦሽያ ዒላማ ዝገበረት ከምዘይኮነት ይግመት።

  4. ልዝብ ሩስያን ዩክረይንን ‘እወታዊ’ ምዕበላታት ኣርእዩ ኣሎ- ፕረዚደንት ፑቲን

    ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ (ጸጋም) ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ሞስኮ፡ 11-03-22

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ መንጎ ወከልቲ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ዝርርባት “እወታዊ” ምዕባለታት ከምዘርኣየ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ተዛሪቡ።

    “ኣብቲ ልዝብ ዝሳተፉ ዘለዉ ወከልትና ከምዝሓበሩኒ፡ ገለ ምንቅስቓስ ተራእዩ’ሎ” ክብል ነቲ ኣብ ሞስኮ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ መሓዝኡ ዝኾነ ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣለክሳንደር ሉካሸንኮ ገሊጹሉ።

    እቲ ዝበሎ ምዕባለታት እንታይ ምዃኑ ግን ብንጹር ኣይገለጸን።

    ዛጊት ኣብ መንጎ ልኡኻት ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዶብ ዩክረይንን ቤላሩስን ሰለስተ ዙርያታት ዘተ ተኻይዱ’ሎ።

    ብሓሙስ’ውን ብደረጃ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣንታልያ፡ ቱርኪ፡ ዝርርብ ተኻይዱ ነይሩ።

    ሚኒስተርጉዳያትወጻኢዩክረይንድሕሪ’ቲኣኼባኣብዝሃቦመብርሂ፡ሩስያዘቕረበቶጠለብዩክረይንኢዳክትህብዘገድድብምዃኑእቲልዝብክዕወትከምዘይክኣለተዛሪቡ ነይሩ።

    እቲዝርርብብወገንሩስያሚኒስተርጉዳያትወጻኢሰርገይላቭሮቭዝመርሖክኸውንእንከሎ፡ብወገንዩክረይንድማመዘናኡዲሚትሮኩለባ’ዩኣካይድዎ።

  5. ሩስያ ኣብ ዩክረይን ከሚካላዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ትህቅን ኣላ - ዋይት ሃውስ

  6. ሩሲያ፡ ንብረት ካብ ሃገር ዝወጽኡ ኩባንያታት ክትወርስ ምውሳና፡ ኣመሪካ ተቓዊማ

    ገለ ካብ ሩስያ ዝወጽኡ ኩባንያታት ዓለም

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ሩሲያ ካብ ሃገር ንዝወጽኡ ኩባንያታት ምዕራባውያን ንብረቶም ክውረስን ክመሓዳርን እዩ ምባላ፡ አመሪካ ተቓዊማ።

    ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምፍጻማ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ብዙሓት ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ትካላት ስረሖም ኣቋሪጾም ካብ ሩስያ ወጺኦም እዮም።

    ነዚ ስዒቡ፡ ፕረዝዳንት ቭላድሚር ፑቲን ትማሊ መንግስቲ ካብ ሩሲያ ለቒቖም ዝወጽኡ ዘለዉ ኩባንያታት ንብረት ክቆጻጸር ከምዝኽእል ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ከምኡ'ውን ነቲ ንብረት ዘመሓድር ዘይሻራዊ ተቖጻጻሪ ኣካል ከምዘጣይስ ገሊጹ።

    እዚ ምባሉ ስዒቡ፡ ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጄን ሳኪ፡ ውሳነ ፕረዝደንት ፑቲን፡ “መን ይሕዘኒ!” በሃላይነት ክትብል ገሊጻቶ።

    • ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ኪቭ ደጊሞም ይተኣኻኸብ ኣለዉ ተባሂሉ

      ምስሊ ሳተላይት

      ምንጪ ስእሊ, Reuters

      ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ዩክረይን፡ ኪቭ፡ ይተኣኻኸብ ኣለዉ ተባሂሉ።

      ሰራዊት ሩስያ ደጊሞም ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ዩክረይን፡ ኪቭ፡ ንዳግማይ መጥቃዕቲ ይተኣኻኸብ ከምዘለዉ ካብ ሳተላይት ዝተረኽቡ ምስሊታት የመልክቱ።

      እዚ ድማ፡ ሰራዊት ሩስያ ንኪቭ ንምሓዝ ካልኣይ ዙር ምድላዋት እናካየደ ምዃኑ ዘርኢ አዩ ተባሂሉ።

      ምስልታት እቶም ሳተላይት፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ዝርከቡ ከተማታት ገለ ቦታት ሒዞም የርእዩ።

      ትማሊ ሓሙስ፡ ሓደ ኣመሪካዊ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ መኮንን፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣስታት 5 ኪሎሜትሮ ናብታ ከተማ ደፊኡ ኣሎ ኢሉ ነይሩ

    • ሰሜን ኮርያ ፈተነ ክፍለ-ዓለማዊ ተወንጫፊ ሚሳይል ከምዘካየደት ኣሜሪካ ገሊጻ

    • ፌስቡክን ኢንስታግራምን ዓመጽ ዘለዓዕሉ ዘረባታት ንግዚኡ ክፈቅዱ እዮም

      ፌስቡክ

      ምንጪ ስእሊ, Getty Images

      ንፌስቡክን ኢንስታግራምን ዘመሓድር ኩባንያ ሜታ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተፈጸመ ወራር ስዒቡ፡ ናዕቢ ዘላዕሉ ዘረባታት ንምኽልካል ዝኽተሎ ሕጊ ንግዚኡ ክኽልስ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

      በዚ መሰረት፡ ንኣብነት 'ሞት ንወራሪት ሩስያ' ኢልካ ምጽሓፍ ፍቑድ ክኸውን እዩ።

      እንተኾነ፡ እቲ ኩባንያ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት ሩስያ መጥቃዕቲ ዘላዕሉ ዘረባታት/ጽሑፋት ግን ከምዘየፍቀድ ኣብሪሁ።

      ሮይተርስ ከምዝበሎ፤ 'ሞት ንፕረዚደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን' ከምኡ'ውን "ሞት ንፕረዚደንት ቤላሩሱ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ" ዝኣመሰሉ ጥቃዓት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ክፍቀድ እዩ።

      እዚ ንወተሃደራት ሩሲያ ዝምልከት ለውጢ ፖሊሲ ሜታ ዝግበረሎም ሃገራት፡ ኣርሜኒያ፣ ኣዘርባጃን፣ ኢስቶኒያ፣ ጆርጂያ፣ ሃንጋሪ፣ ላቲቪያ፣ ሊቱዌኒያ፣ ፖላንድ፣ ሮማኒያ፣ ሩሲያ፣ ስሎቫኪያን ዩክረይን እዮም።

    • ዩክሬናውያን ምሩኻት ኣብ ጎኒ ሩስያ ተሰሊፎም ክዋግኡ ይሕተቱ ኣለዉ

      ሚንስትሪ ምክልኻል ዩክሬን ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ዩክሬናውያን ምሩኻት ኲናት ምስ ሓይልታት ሩስያ ተሰሊፎም ክዋግኡ ይሕተቱ ምህላዎም ኣፍሊጡ።

      ሩስያ ዋላ ነቶም ወተሃደራዊ ተሞክሮ ዘይብሎም ሰባት ትቕበል ምህላዋ እቲ ሚንስትሪ ምክልኻል ኣመልኪቱ።

      ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ካብ ዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

      ወተሃደራት ሩስያ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ብምጥሓስ፡ ንሰላማውያን ሰባት ይዘምቱን ይቐትሉን ከምዘለዉ መግለጺ ሚንስትሪ ምክልኻል ዩክሬን ወሲኹ ሓቢሩ።

      ንሩስያ ዝድግፉ መልእኽታት ኣብተን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሩስያ ዝርከብ ግዝኣታት ይዝርጋሕ ምህላዉን ምስ ነበርቲ እተን ከባብታት ስምምዕ ንምግባር ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎን ድማ ገሊጹ።

      ኬርሶን ኣብ ዝተብሃለት ደቡባዊ ግዝኣት ዩክሬን ከኣ፡ ሓይልታት ሩስያ ነቶም ብግዚያውነት ዝሓዝዎም ቦታታት “ምርግጋእ” ንምፍጣር ብዝብል ፖሊስ ዝመርሖ ስርዓት ምሕደራ ንምፍጣር ይፍትኑ ምህላዎም መግለጺ ሰራዊት ምክልኻል ዩክሬን ኣመልኪቱ’ሎ።

    • ሩስያ ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ሰደድ እትገብሮም ምህርታት ኣጊዳ

    • ሰኔት ኣመሪካ ንዩክረይን ኣስታት 14 ቢልዮን ዶላር ረድኤት ወሲኑ

      ሰኔት ኣመሪካ

      ምንጪ ስእሊ, Getty Images

      ኣባላት ሰኔት ኣመሪካ ነቲ ናብ ዩክረይን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ረድኤት ንምቕራብ ዝተሓሰበ 13.6 ቢልዮን ዶላር ብዝለዓለ ድምጺ ኣጽዲቖም።

      ፕረዚደንት ጆ ባይደን ብፊርምኡ ንኸጽድቖ ድማ ናብ ቤተመንግስቲ ተላኢኹ’ሎ።

      “እዚ ቢልዮናት ንዩክሬናውያን ንህቦም ዘለና ንመግቢ፣ መድሓኒት፣ መጽለልን ነቶም ካብ ዩክሬን ክስደቱ ዝተገደዱ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ስደተኛታትን ብዝብል’ዩ። ብተወሳኺ ድማ ንኸም ጃቭሊንን ስትሪንገርን [ሚሳይላት] ዝበሃሉ ኣጽዋር ንምብጻሕ ይውዕል” ክብል ኣባል ሰልፊ ዴሞክራቲክ ቻክ ሻመር ተዛሪቡ።

    • ቀዳማይ ዝርርብ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሩስያን ዩክረይንን ብዘይፍረ ተወዲኡ

      ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ  ሩስያሰርገይ ላቭሮቭ ዩክሬናዊ መዘናኡ ዲሚትሮ ኩለባ ኣብ ልዝብ

      ምንጪ ስእሊ, Reuters

      መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያሰርገይ ላቭሮቭ ዩክሬናዊ መዘናኡ ዲሚትሮ ኩለባ ኣብ ልዝብ

      ኣብ ቱርኪ ዝተጀመረ ቀዳማይ ዙርያ ዝርርብ ሚኒስተራ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ጉዳይ ምቁራጽ ተጻብኦታት ገስጋስ ከምዘየርኣየ ዩክረይን ገሊጻ።

      እቲ ዝርርብ ብወገን ሩስያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርገይ ላቭሮቭ ዝመርሖ ክኸውን እንከሎ፡ ብወገን ዩክረይን ድማ መዘናኡ ዲሚትሮ ኩለባ’ዩ ዘካይዶ ዘሎ።

      ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ድሕሪ’ቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሩስያ ዘቕረበቶ ጠለብ ዩክረይን ኢዳ ክትህብ ዘገድድ ብምዃኑ እቲ ልዝብ ክዕወት ከምዘይክኣለ ተዛሪቡ።

      ሰርገይ ላቭሮቭ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወተሃደራዊ ስርሒታት ሃገሩ ከምቲ ዝተወጠነሉ ይቕጽል ኣሎ ኢሉ።

      እቲ ዘተ፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣብታ ተኸቢባ ዘላ ከተማ ማርዮፖል ዝርከብ ሆስፒታል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጸሞም’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

      ዩክረይን፡ ነቲ ደብዳብ “ገበን ኲናት” እዩ ክትብል ገሊጻቶ’ላ። ኣብቲ ደብዳብ ሓደ ህጻን ዝርከቦም ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ሓቢሮም።

    • ብሪጣንያ፡ ንወናኒ ክለብ ቸልሲ፡ ሩስያዊ በዓል ጸጋ ኣብራሞቪች ኣጊዳ, ጋንታ ቸልሲ፡ ፍሉይ ፍቓድ ክወሃባ እዩ

      ቸልሲ

      ምንጪ ስእሊ, Reuters

      ብሪጣንያ፡ ኣብ ልዕሊ ወናኒ ክለብ ኵዕሶ እግሪ ቸልሲ፡ ሩስያዊ በዓል ጸጋ ሮማን ኣብራሞቪች እገዳ ከም ዘንበረት ኣፍሊጣ።

      ኣብራሞቪች፡ ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ርእሰ-ማሎም ክድስክል ዝተወሰነ ሩስያውያን ሃብታማት ኰይኑ’ሎ።

      ሰነድ ትረዠሪ ብሪጣንያ ከም ዝገልጾ፡ ኣብራሞቪች፡ በዓል-ጸጋ ‘ደገፊ-ክረምሊን’ ኰይኑ፡ ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ።

      ኣብራሞቪች ግን፡ ነቲ ምስ ፑቲን ኣለዎ ዝበሃል ስጡም ገንዘባዊ ምትእስሳር ነጺግዎ’ሎ።

      ጸሓፊት ክፍሊ ባህሊ ብሪጣንያ፡ ናዲን ዶሪስ፡ ነዚ እገዳ ምርኩስ ገይራ ኣብ ትዊተር ከም ዘነጸረቶ፡ ክለብ ቸልሲ ብዘይ ዝዀነ ከልበትበት ጸወታኣ ክትቅጽል፣ ምዝጕባት ኣባላታን ኣቐዲሞም ቲኬት ገዚኦም ዘለውን [ደገፍቲ] ጸወታታት ክርእዩ ክኽእሉን ምእንቲ፡ እታ ክለብ ፍሉይ ፍቓድ ክወሃባ እዩ፤ ኣብራሞቪች ግን ካብ ኣታዊታት እዛ ጋንታ ዝዀነ ገንዘብ ኣይክረክብን እዩ።

      ናዲን ብተወሳኺ፡ “ብሰንኪ’ዚ ‘ኣገዳሲ እገዳ’ እታ ክለብ ይዅን ውድድራት ፕረሚየር ሊግ እንግሊዝ ከይተኣጓጐል፡ መንግስቲ ዓቲቡ ይሰርሕ ኣሎ፡” ኢላ።

      ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ድሕሪ ምጅማሩ፡ ሮማን ኣብራሞቪች ክለቡ ቸልሲ ን ዕዳጋ ኣውሪድዋ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብመሰረት’ዚ ውሳነ ምድስካል ርእሰ-ማል ግን፡ መስርሕ መሸጣ’ዛ ክለብ ዝከኣል ኣይክኸውንን።

      እዚ ኰይኑ እናሃለወ፡ በርናርድ ኣንትዊ ቦሲያኮ ዝተባህለ ጋናዊ ወናኒ ኩባንያ ዕደና ወርቅን ፖለቲከኛን፡ ብ 3.1 ቢልዮን ዶላር ነዛ ክለብ ንምዕዳግ ኣብ ጨረታ ከም ዝኣተወን፣ ጠበቓታቱ ምስ ወነንቲ ቸልሲ ንምዝዝራብ ድሮ ኣብ ለንደን ከም ዘለውን ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ።

    • ኣብ ኲናት ዩክረይን፡ ንመዓልቲ ክሳብ 2 ሽሕ ዶላር ዝኽፈሎ ወተሃደር ነበር

    • ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሩስያን ዩክረይንን፡ ናብ ቱርኪ ኣትዮም

      ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ

      ምንጪ ስእሊ, Getty Images

      ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሩስያን ዩክረይንን፡ ሰርጌይ ላቭሮቭን ድምትሮ ኩሌባን ንሰለማዊ ዝርርብ ናብ ቱርኪ ኣትዮም።

      ፕሬዝደንት ረሲጵ ታይፕ ኤርዶሃን ኣብ ዝርከበሉ፡ ክልቲኦም ሰብ ስልጣን ኣብ ከተማ ቱርኪ ኣንታላይ፡ ሎማዓንቲ ልዝብ ክጅምሩ ምዃኖም ተገሊጹ።

      እቲ ፕረዚደንት፡ ክልቲኦም ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ዘካይድዎ ዘተ፡ 'ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምግባር በሪ ዝኸፍት ክኸውን እዩ ኢለ ተስፋ ይገብር" ኢሉ።

      ቱርኪ፡ ሽሕ'ኳ ኣባል ሃገር፡ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) እንተኾነት፡ ፕረዚደንት ኤርዶዋን፡ እቲ ኲናት ብዝምልከት ካብ ምዕራባውያን ዝተፈለየ መርገጺ፡ ከሰጉም ይፍትን ከምዘሎ ይዝረብ።

      ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈነወቶ ወተሃደራዊ ወራር፡ ክልተ ሰሙን ክመልኦ ዝተቓረበ ኾይኑ፡ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቤላሩስ ንሰልሳይ ግዜ ተራኺቦም እንተዘተዩ'ኳ፡ ነቲ ኲናት ዛጊድ ፍታሕ ኣይተረኽቦን።

    • ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሰራዊት ሩስያ 'ገበን ኲናት ይፍጽም ኣሎ' ኢልዎ

      ዘለንስኪ

      ምንጪ ስእሊ, handout

      ፕሬዝደንት ዩክረይን፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ከተማ ማሪፖል ንዝርከብ፡ ሆስፒታል ኣዴታትን ህጻውንትን ምስ ኣዕነወ፡ 'እዚ ኲናት ገበን እዩ' ክበል ከሲሱ።

      ኣብቲ ሆስፒታል ብዝበጽሕ መጥቃቲ፡ ብውሕዱ 17 ሰባት ከይተጎድኡ ኣይተርፉን ተባሂሉ።

      "ፈዴሬሽን ሩስያ እንታይ ዓይነት ሃገር እያ፤ ንሆስፒታል ኣዴታት ፈሪሑ ዘዕኑ ሰራዊት" ክብል ኣብ ኪቭ ኮይኑ ተዛሪቡ።

      "ነዚ ተግባር ኩላትና ብሓባር ክንኩንኖ ኣለና። እዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ዩክሬናውያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ምጽናት ዓሌት እዩ" ክብል ድማ ከሲሱ።

      ንደቡባዊት ከተማ ዩከረይን፡ ማሪፖል፡ ከቢቦምዋ ዝርከቡ ሰራዊት ሩስያ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ዝርከብ፡ ሆስፒታል ኣዴታትን ህጻውንትን ብከቢድ ብረት ከምዝዕነዉ ዩክረይን ትማሊ እያ ገሊጻ ነይራ።

      እታ ከተማ፡ ንመዓልታት ተኸቢብ ዘላ ኾይና፡ ነበርቲ ንጥሜትን ጻምእን ተቓሊዖም ከምዘለዉ'ውን ሓደ ወኪል ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ንቢቢሲ ገሊጹ።

      ሩስያ ኣብ ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሲቪላዊ ጥሕተ ቅርጺ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸመት ትገልጽ።

    • መራሕቲ ኣፍሪቃ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ተዘራሪቦም

      ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን

      ምንጪ ስእሊ, Getty Images

      ገለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ምስ መራሒ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወተሃደራዊ ወራር ተካይድ ዘላ ሩስያ፡ ቭላድሚር ፑቲን ተዘራሪቦም።

      ኣብዚ እዋን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕሬዝዳንት ሴኔጋል፡ ማኪ ሳል ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዩክረይን ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦ ዝግበረሉ ኩነታት ኣመልኪቶም ከምዝተዛረቡ ኣፍሊጡ።

      ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ "ፕረዚደንት ፑቲን ስለዘዳመጸንን ንልዝብ ድልውነቱ ስለዘረጋገጸለይን ሕጉስ እየ" ኢሉ።

      ቅድም ኢሉ ድማ፡ ፕረዚደንት ግብጺ፡ ዓብዳል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቶም ከም ዝዘተዩ ሮይተርስ ሓቢሩ።

      ክልቲኦም መራሕቲ፡ ሓበራዊ ትልምታት ኣብ ምስላጥ በርቲዖም ንምስራሕ ከምዝተስማምዑ'ውን ኣል ሲሲ ተዛሪቡ።

      ሩሰያ፡ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘካየደቶ ወራር፡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ማዕቀባት ተነቢርዋ ይርከብ።

      ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓድነታዊ ግዝኣት ዩክረይን ከኽበርን ዓለም ለኸ ሕጊ ክኽበርን ሓቲቱ ነይሩ።

      ቁጠባዊ ማሕበር ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኤኮዋስ ብወገኑ፡ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈጸመቶ ወራር ምኹናኑ ዝዝከር እዩ።

    • ፕረዝዳንት ቱርኪ ኤርዶዋን፡ ንዩክረይንን ሩሲያን ከዛቲ እዩ, ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቤላሩስ ሰለስተ ግዜ ተራኺቦም

      ፕረዝደንት ረሲፕ ታይፕ ኤርዶዋን

      ምንጪ ስእሊ, Getty Images

      ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሩስያን ዩክረይንን ጽባሕ ኣብ ከተማ ቱርኪ ኣንታልያ፡ እንትራኸቡ፡ ፕረዝደንት ረሲጵ ታይፕ ኤርዶዋን ከምዘዛትዮም ተገሊጹ።

      እቲ ፕረዚደንት፡ ክልቲኦም ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ዘካይድዎ ዘተ፡ 'ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምግባር በሪ ዝኸፍት ክኸውን እዩ ኢለ ተስፋ ይገብር" ኢሉ።

      ቱርኪ፡ ሽሕ'ኳ ኣባል ሃገር፡ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) እንተኾነት፡ ፕረዚደንት ኤርዶዋን፡ ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ብዝምልከት ካብ ምዕራባውያን ዝተፈለየ መርገጺ፡ ከሰጉም ይፍትን ከምዘሎ ይዝረብ።

      ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩሲያ፡ ሰርጌይ ላቭሮቭ፡ ምስ ዩክሬናዊ መዘንኡ፡ ዲሚትሮ ኩሌባ፡ ኣብ ቱርኪ ተራኺቦም ክዝትዩ ትጽቢት ይግበር።

      ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈነወቶ ወተሃደራዊ ወራር፡ ክልተ ሰሙን ክመልኦ ዝተቓረበ ኾይኑ፡ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቤላሩስ ንሰልሳይ ግዜ ተራኺቦም እንተዘተዩ'ኳ፡ ነቲ ኲናት ዛጊድ ፍታሕ ኣይተረኽቦን ተባሂሉ።

    • ዩክረይን ስለምንታይ'ያ ነፈርቲ ኣብ ክሊ ኣየራ ከይበራ ትሓትት ዘላ?