እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኔፓል ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ ዕጽዋ ተገላጊላ

እቲ ዕጽዋ፡ ኣብታ ሃገር ክልተ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ምስ ተረኽቡ ኣብ ወርሒ መጋቢት እዩ ተኣዊጁ። ዛጊት ኣብታ ሃገር 17,994 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ ከለው፡ 40 ድማ ሞይቶም እዮም።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ስነስርዓት ቀብሪ ዝተሳተፉ 44 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም

  2. ኣብ ኢትዮጵያ 452 ተወሰኽቲ ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም

    ኣብ ኢትዮጵያ 452 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ከም ዝተለኽፉ ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መዓልታዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።

    እቲ ሓበሬታ ከም ዝበሎ፡ 8 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ። ክሳብ ሎሚ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ 188 በጺሑ’ሎ።

    ንሳቶም ካብቶም መርመራ ዝተገብረሎም 7294 ሰባት ምዃኖም ተፈሊጡ።

    እቶም ዝበዝሑ (301) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተረኽቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ 34 ኣብ ጋምቤላ፡ 32 ኣብ ትግራይ፡ 21 ኣብ ዓፋር፡ 19 ኣብ ኦሮሚያ፡ 12 ድማ ኣብ ክልል ደቡብ ከም ዝተረኽቡ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

    እቲ ሚኒስትሪ ከም ዝሓበሮ፡ 58 ሓውዮም ተፋንዮም ከምዘለዉን፡ ክሳብ ሎሚ 5506 ሓውዮም ኣለዉ።

  3. ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 15 ሚልዮን በጺሑ

    ብዓለም ደረጃ፡ ቁጽሪ ብመርመራ ኮሮናቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት 15 000 424 ከም ዝበጽሐ፡ ነቲ ለበዳ ብቐረባ ዝከታተል ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።

    በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ድማ 617 832 ከምዝበጽሐ እቲ ዩኒቨርሲቲ ገሊጹ። እቲ እዋናዊ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፡ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ዝተራእየለን ሃገራት፡ ኣመሪካ፡ ብራዚል፡ ህንዲ፡ ሩስያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ፔሩን ምዃነን ይጠቅስ።

    ዝለዓለ መጠን ሞት ዝተራእየለን ከኣ፡ ኣመሪካ፡ ብራዚል፡ ብሪጣንያን ሜክሲኮን እየን።

    ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ደግሲ ናይቲ ለበዳ ይርአ ምህላዉ ብከፊል ይኹን ብሃገር ደረጃ ዳግማይ ዕጽዋ ክእወጅ ተጀሚሩ ኣሎ።

  4. ሆስፒታላት ማዳጋስካር፡ ብሕሙማት ኮሮናቫይረስ ‘ኣዕለቕሊቐን’

    ሆስፒታላት ማዳጋስካር ድሕሪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተረኣየ ሓንደበታዊ ምውሳኽ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ፡ ኣዕለቕሊቐን ምህላወን ኣጠንቂቐን።

    ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ነቲ ሕማም ዝፍውስ ባህላዊ መድሃኒት ከም ዘሎን ህዝቢ ነቲ ፈውሲ ክወስድን እዩ ከጎሳጉስ ጸኒሑ።

    ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ 614 ሰባት እቲ ቫይረስ ከም ዝተረኽቦም ክግለጽ ከሎ፡ ብድምር 8,162 ሰባት ተለኺፎም ኣለው፤ 69 ድማ ሞይቶም።

    ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ኮቪድ-ኦርጋኒክስ ዝተብሃለ ባህላዊ ፈውሲ ጠሊበን እየን።

    ውድብ ጥዕና ዓለም ግና፡ እቲ ፈውሲ ኣንጻር ኮቪዲ-19 ውጽኢታዊ ምዃኑ ዘርእይ ጭብጢ ከም ዘየለ እዩ ዝገልጽ።

    ኣብ ርእሰ ከተማ ኣንታናናሪቮ ዝርከቡ ሆስፒታላት፡ ናይ መደቀሲ ዓራት ሕጽረት የጋጥም ከም ዘሎ ኣጠንቂቐን።

    ብሰኑይ ሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ናይ መመርመሪ ንዋት፡ መተንፈሲን ንሰራሕተኛታት ጥዕና ዝኸውን መከላኸሊ ንዋትን ሓገዝ ክገብራ ናብ ትካላት ረድኤት፡ ቅሉዕ ደብዳበ ጽሒፉ።

    ፕረዚደንት ኣንድሪ ራጆኤሊና፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ክሳብ 26 ሓምለ ዝጸንሕ ዕጽዋ ኣብ ማእከላይ ዞባ እታ ሃገር ኣንቢሩ ኣሎ።

  5. ኔፓል ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ ዕጽዋ ተገላጊላ

    ኔፓል ነቲ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ኣዋጅ ዕጽዋ ሎሚ ረቡዕ መከተምታ ገይራትሉ፤ ኣብያተ ትምህርትን ሲነማታትን ግና ተዓጽዮም ክጸንሑ እዮም።

    እቲ ዕጽዋ፡ ኣብታ ሃገር ክልተ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ምስ ተረኽቡ ኣብ ወርሒ መጋቢት እዩ ተኣዊጁ።

    ዛጊት ኣብታ ሃገር 17,994 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ ከለው፡ 40 ድማ ሞይቶም እዮም።

    እቲ ተተግቢሩ ዝጸንሐ ዕጽዋ ብቐንዱ እኳ እንተተላዕለ፡ ዓበይቲ ኣኼባታት ጌና ተኣጊዶም ኣለው።

    ዓለምለኻውን፡ ሃገራውን በረራታት ካብ 17 ነሓሰ ከም ዝጅምር’ውን ተገሊጹ።

    ናብታ ሃገር ዝኣትውን ካብታ ሃገር ዝወጹን ኩሎም ገያሾ ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ ምዃኖም ዝሕብር ወረቐት ከርእዩ ክግደዱ እዮም።

  6. ቤልጅዩም ልዑል ወሰኽ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ

    ቤልጅዩም፡ ኣብ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ልዑል ወሰኽ ከም ዝተርኣየ፡ ሰብ መዚ ጥዕና ኣጠንቂቖም።

    ቤትምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት እታ ሃገር ብዛዕባ ዝቕጽል መድረኽ ምፍኳስ ቀይድታት ኣመልኪቱ ክዘራረብ፡ ንሓሙስ ቆጸራ ሒዙ እዩ ጸኒሑ።

    ወሃቢ ቃል ቦደዊን ካትሪ “እቲ ኩነታት መውጽኢ ዘይብሉ ኣይኮነን፤ ለውጢ ክነምጽእ፡ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክንወስድ'ዩ ዘሎና” ኢሉ።

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መዓልታዊ ከባቢ 184 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ጸብጻባት እታ ሃገር የርእይ።

    እዚ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ክወዳደር ከሎ፡ ብ89% ወሲኹ ኣሎ።

  7. ኣብ ዙርያ ኮሮናቫይረስ ዝተርኣዩ ቀንዲ ምዕባለታት እዚ ዕለት

    • ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 14.7 ሚልዮን በጺሑ። ብመሰረት ጸብጻብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ: ቁጽሪ ምውታት ናብ 610,000 ክብ ኢሉ ኣሎ።
    • ኣሜሪካ እታ ብኮሮናቫይረስ ብዝኸፍአ ዝተጠቕዐት ሃገር ኮይና ትቕጽል ኣላ። ኣብታ ሃገር 3.8 ሚልዮን መልከፍቲ ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ብራዚል፡ ህንድን ሩስያን ብተርታ ይስዕባኣ ኣለዋ።
    • መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ቁጠባ እቲ 27 ሃገራት ዝሓቖፈ ዞባ ንምሕዋይ 750 ቢልዮን ዩሮ ባጀት ሰሊዖም።
    • መብዛሕትኦም ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ኣብ ቅድሚት ተሰሊፎም ዝርከቡ፡ ከባቢ 900,000 ዝኾኑ ብሪጣንያውያን ሰራሕተኛታት ናይ መሃያ ወሰኽ ክግበረሎም እዩ።
    • ኢራን፡ ዛጊት ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝዓበየ ምዃኑ ዝተገለጸ መጠን ሞት 229 ሰባት መዝጊባ።
    • ፕረዚደንት ትራምፕ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማስክ ምግባር ናይ ሓርበኝነት ምልክት እዩ ኢሉ። እቲ ፕረዚደንት ማስክ ምግባር ብጽኑዕ ክቃወም እኳ እንተጸንሐ ኣብ ዝሓለፈ መዓልትታት ዝተፈለየ ርእይቶ ክህብ ይስማዕ ኣሎ።
    • ለብዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ይውስኽ ከም ዘሎ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ። እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ብሃንደበት ምውሳኽ፡ ኣብ ካልእ ክፋል ናይታ ኣህጉር ከጋጥም ዝኽእል ለበዳ መርኣያ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
  8. ካቢነ ብሪጣንያ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብኣካል ተኣኪቡ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ምስ ካቢነኡ ብኣካል ተራኺቡ። ንሱ ኣብቲ ኣኼባ፡ እቲ “ሱር በተኽን ጸጋንን” ኣጀንድኡ፡ ብኮሮናቫይረስ “መስመሩ ከም ዘይስሕት” ተዛሪቡ።

    እቶም ሚኒስተራት ማሕበራዊ ርሕቐት ንምሕላው፡ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ወትሩ ኣኼብኦም ዘካይድሉ ቤተ መንግስቲ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እዮም ተኣኪቦም።

    “ናይ ሓጎጽጎጽ ኣዋርሕ ኣብ ቅድሜና ኣሎ” ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን፡ “ንዝቕጽል ሒደት ኣዋርሕ ነቲ ቫይረስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ቃልስና ክንቅጽል ኢና” ኢሉ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ፡ እቲ ካቢነ፡ ማሕበራዊ ርሕቐት ብዝሓለወ መገዲ ብኣካል ምእካቡ፡ “ኣብነታዊ” እዩ ብምባል ነቲ ካቢነ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።

  9. ክታበት ኮሮናቫይረስ ቅድሚ ሓድሽ ዓመት ድልው ናይ ምግባር ተኽእሎ ትሑት ምዃኑ ተገሊጹ

    ላዕለዋይ በዓል ሞያ ጥዕና ብሪጣንያ፡ ፕሮፌሰር፡ ክሪስ ዊቲይ ንኣባላት ፓርላማ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ብርእይቶይ፡ ቅድሚ በዓል ልደት፡ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝኾነ ክታበት ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣዝዩ ትሑት እዩ” ኢሉ።

    ምክትሉ ፕሮፌሰር ጆናታን ቫን-ታም ግና ተስፋ ከም ዘሎ ይገልጽ።

    እንተኾነ ግና፡ “ምስ ናይ ኢንፍሉወንዛ፡ ክታበት ብሓባር ክወሃብ ዝኽእል እንተኾይኑ ግና” ጌና እኹል ሓበሬታ ከም ዘየለ ተዛሪቡ።

    ብሓንሳብ ዝወሃብ ናይ ኮሮናቫይረስን ኢንፍሉወንዛን ክታበት ንምምዕባል ብዙሕ ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል’ውን ሓቢሩ።

  10. ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ኣሻቒልዎ’ሎ

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ዝያዳ ክዝርጋሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ።

    “ኣብ’ዚ እዋን ኣዝዩ ዘሻቕለኒ ጉዳይ፡ እቲ ለበዳ ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ እናሰፍሐ ምምጽሑ እዩ” ኢሉ ሓላፊ ህጹጽ ጉዳያት ውድብ ጥዕና ዓለም ማይክልራያን።

    ኣብ ኣፍሪቃ ዝያዳ በዚ ለበዳ ካብ ዝተሃሰያ ሃገራት ሓንቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ክትከውን ከላ፡ እዚ መጠን ለበዳ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ከይረኣይ ስግኣት ኣሎ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 370,000 በቲ ቫይረስ ተለኺፎም፡ 5000 ሰባት ድማ ሞይቶም እዮም።

    ራያን ከምዝበሎ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝረኣይ ዘሎ መጠን ለበዳ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ እንታይ ከጋጥም ከምዝኽእል ብኣግኡ ዘርእይ እዩ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ’ቲ ዝሓከፈ ሰሙናት ጥራይ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 30 ምኢታዊት እዩ ወሲኹ። ኣብ ኬንያ ድማ 31 ምኢታዊት፣ ኣብ ማዳጋስካር ከኣ 50 ምኢታዊት፣ ኣብ ዛምቢያ 57 ምኢታዊት፡ ኣብ ናሚብያ ድማ 69 ምኢታዊት ወሲኹ እዩ።

    ኣብ ኣፍሪቃ፡ ዛጊት 15000 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም፡ ኣስተት 725,000 ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም እዮም።

  11. ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኩነታት ኮሮናቫይረስ እንታይ ይመስል?

    ትማሊ ሰኑይ ኢትዮጵያ ዘውጸኣቶ መግለጺ ኩነታት ኮሮናቫይረስ ከምዘርእዮ፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ 24 ሰዓታት፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ምርመራታት ተኻይዱ፡ 304 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሓደሽቲ ሰባት ተረኺቦም እዮም።

    ካብኣቶም መብዛሕተኦም፡ ከም’ቲ ልሙድ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክኸውን ከለዉ፡ 46 ካብ ኦሮሚያ፡ 36 ካብ ትግራይ፡ 26 ካብ ጋምቤላ፣ 17 ካብ ዓፋር፡ 12 ካብ ኣምሓራ፡ 7 ካብ ሶማል፡ 2 ካብ ሃረሪ፡ 1 ድማ ካብ ደቡብ እዮም።

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዛጊድ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተትሓዙ ሰባት ብዝሒ 10,511 በጺሑ’ሎ።

    ካብዚኦም፡ እቶም 5290 ሓውዮም፤ 173 ድማ በቲ ሕማም ሞይቶም እዮም።

    ኣብ’ታ ሃገር፡ ብሓፈሻ 336,322 ምርመራታት ከምዝተኻየደ ይግለጽ።

  12. ምዕባለ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኦክስፈርድ ዩኒቨርሲቲ ክከላኸል ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

    ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝርከብ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ክፍትኖ ዝጸንሐ ክታበት፡ ካልእ ጸገማት ዘይፈጥርን፡ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘበራብርን ኮይኑ ከም ዝተረኽበ ተገሊጹ።

    እቲ ክታበት ኣብ 1077 ሰባት ድሕሪ ምፍታኑ፡ መከላኸሊ ባእታታት (ኣንቲቦዲስ) ከጥርዩ ከምዝኸኣሉን፡ እቶም ‘ቲ-ሰልስ’ (T-cells) ዝፍለጡ ዋህዮታት ንኮሮናቫይረስ ክምክትዎ ከምዝኽእሉን ተረጋጊጹ።

    እዚ ምዕባለ’ዚ፡ ክታበት ንምርካብ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዓቢ ዝላ’ኳ እንተኾነ፡ ኣታኣማንነቱ ንምርግጋጽ ግን ሰፋሕቲ ፈተነታት ክግበረሉ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

    ብሪጣንያ ባዕላ፡ ናይ 100 ሚልዮን ሰባት ክታበት ኣዚዛ’ላ።

    እቲ ChAdOx1 nCoV-19 ዝብል መጸውዒ ተዋሂብዎ ዘሎ ክታበት፡ ብናህሪ ዝጽናዕ ዘሎ ኮይኑ፡ ካብቲ ንኣህባይ ዘጥቅዕ ናይ ጉንፋዕ (common cold) ቫይረስ ዝማዕበለ’ዩ።

    ንባዕሉ ተላባዒ ንኸይከውንን፡ ንኮሮናቫይረስ ዝመሳሰልን ክኸውን ምእንቲ፡ ብዙሕ መስርሕ ዝሓለፈ ምዃኑን ይግለጽ።

    እዚ ማለት፡ እቲ ክታበት ባህሪ ናይ ኮሮናቫይረስ ስለዘለዎ፡ ንኣካላትና ብኸመይ ክከላኸል ከም ዝኽእል የሰልጥኖ።

  13. ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 600 ሽሕ ደርሁ ‘ተወጊደን’

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምርባሕ ደርሁ ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ውልቀሰባት፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ሆቴላት ዝቐርበሎም ዝነበረ ጠለብ ስለ ዝነከየ ጥራሕ፡ ልዕሊ 600 ሽሕ ጫጩት ኣወጊድና ኢሎም።

    ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ደርሆ ጫጩት ብምቕራብ ዝፍለጥ ኢትዮቺክ ዝተባህለ ኩባኒያ ንሮይተርስ ከም ዝበሎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ኣስታት 650 ጫጩት ኣብ ወርሒ ግንቦትን ሰነን ተወጊደን።

    ብደረጃ ሃገር ዝነበረ ጠለብ ጫጩት ስለ ዝነከየ’የን እዘን ደርሁ ዝውገዳ ዘለዋ ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ።

    “ኣብ ክንዲ ነተን ጫጩት ነወግድ፡ እንቋቑሖ ምውጋድ ይሃይሽ ብዝብል፡ ገለ ፍርያት እንቋቑሖ ክውገድ ገይርና ኣለና” ክብል ሓላፊ መጽናዕቲ ዕዳጋ እቲ ኩባኒያ ኣቶ ፍስሃ ተስፉ ተዛሪቡ።

  14. ‘ኮቪድ-19’ን ሳኒታይዘርን ተባሂሎም ዝተሰመዩ መንበሪ ቦታታት

    ኣብ ጥቓ ዓባይ ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነት ኬፕታውን ኣብ ዝተጣየሸ ሓደ ዘይስሩዕ ጥሻ ዝነብሩ ሰባት፡ ነቲ ከባቢኦም ‘ኮቪድ-19’ ዝብል መጸውዒ ሽም ሂቦምዎ።

    እዚ ቦታ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ እቶቶም ዝሰኣኑን ገዛ ክራይ ንምኽፋል ዓቕሚ ዘይብሎምን ሰባት ዝተኣኻኸብሉ’ዩ።

    እዚ ቦታ፡ ካብ ኮቪድ-19፣ ኮቪድ-2 ዝብሉ ጀሚሩ ክሳብ ኮቪድ-19 ዝበጽሕ መጸውዒ ሽም ዝተዋህቦ ግዝያውን ዘይስሩዕን መንበሪ ኣባይቲ ዝሓዘ እዩ።

    መብዛሕትኦም ድማ፡ ካብ ዚንጎ ዝተሰርሑ’ዮም።

    ኣብ ከባቢ እዚ ጥሻ ዝርከብ ካልእ ተመሳሳሊ ቦታ’ውን፡ ‘ሳኒታይዘር’ ዝብል መጸውዒ ተዋሂቡዎ ኣሎ። እዚ ብኽፋል፡ ጽልዋ እቲ ቫይረስ ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት ዝተጎድኡ ሰባት ዝርከብሉ’ዩ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ልዕሊ 3 ሚሊዮን ሰባት ስራሕ ክስእኑ ከለው፡ ኣብታ ሃገር ከቢድ ዝቕባበ ዋጋ ኣጋጢሙ፤ እቲ ስርዓት ጥዕና’ውን ይፍተን ኣሎ።

  15. ኮሮናቫይረስ፡ ‘ብርቂ ዝኾነ ርኽበት’ ዝተበሃለሉ መድሃኒት ኮቪድ-19

    መድሃኒት ኮሮናቫይረስ ንምርካብ ካብ ዝግበሩ ዘለዉ ፈተነታት፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተገበረ ናይ መጀመርታ ኣፈናዊ ፈተነ፡እቲ መድሃኒት ናብ ጽዑቕ ክንክን ክኣትዉ ዝግብኦም ተኣለይቲ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ከጉድል ከምዝኸኣለ ነቲ መድሃኒት ዘማዕብል ዘሎ ትካል ሓቢሩ።

    እዚ ኣብ ሳውዝሃምተን ዝመደብሩ 'ሳይነርጅን' ዝተባሃለ ትካል መፍረ መድሃኒት ዘማዕብሎ ዘሎ መድሃኒት ‘ኢንተርፌሮን ቤታ’ ዝባሃል ዓይነት ፕሮቲን ብምጥቃም እዩ ነቲ መድሃኒት ዘማዕብሎ ዘሎ፡ ‘ኢንተርፌሮን ቤታ’ ኣካላትና ረኽሲ ቫይረስ ምስ ኣጋጠሞ ዝፍጠር ዓይነት ፕሮቲን’ዩ።

    እቲ ፕሮቲን ናብ ሳንቡእ እቶም ተሓከምቲ ኮሮናቫይረስ ብቀጥታ ዝኣቱ ኮይኑ ናይቶም ሕሙማት ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ብምዕባይ እዩ ንኮቪድ-19 ክፍውስ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ።

    እቲ ፈተነ ዝተገበረሉ መድሃኒት፡ ንብዝሒ ናብ ጽኑዕ ምክትታትል ክኣትዉ ትጽቢት ተገይርሎም ዝነበረ ሕሙማት ከጉድሎ እንከሎ ነቶም ሓገዝ መተንፈሲ መሳርሒ (ቬንቲሌተር) ዘድልዮም ዝነበረ ድማ ብ79 ሚእታዊት ኣጉዲልዎም ኣሎ።

  16. ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይጀርያ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ

    ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይጀርያ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፈ ተሓቢሩ።

    እቲ ሚኒስተር፡ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስ እታ ሃገር ኮይኑ’ውን ክሰርሕ ዝጸንሐ’ዩ።

    እቲ ሚኒስተር ጎሮርኡ ሓሚሙ ናብ ሕክምና ምስ ከደ’ዩ መርመራ ኮሮናቫይረስ ምስ ተገበረሉ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፈ ተፈሊጡ።

    ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓመዱ ቡሃሪ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጥዕንኡ ብቅልጡፍ ናብ ንቡር ተመሊሱ ናብ ስርሑ ክመለስ ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ገሊጹ’ሎ።

    እቲ ሚኒሰትር ኣብ ሕክምና ኣብ በይኑ ክፍሊ እዩ ተወሺቡ ዘሎ።

    ኣብ ናይጀርያ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 36 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ሞት ኣስታት 800 ሰባት ድማ ተመዝጊቡ ኣሎ።

  17. ኣብያተ ሲነማ ቻይና ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዳግማይ ይኽፈታ’ለዋ

    ኣብያተ ሲነማ ቻይና፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ድሕሪ ምዕጻወን፡ ዳጋማይ ይኽፈታ ኣለዋ።

    ምምሕዳር ኣብያተ ሲነማ ቻይና፡ እተን ኣብ ‘ዘየሻቕል ኩነታት’ ዘለዋ ሲነማታት ዳግማይ ሰረሐን ክጅምራ’ዩ ኣዊጁ ዘሎ።

    ዝዓበየ ክፋል ቻይና፡ ኣብ ትሑት ሓደጋ መልከፍቲ ወይ ኣብ ዘየሻቀል ኩነታት ከምዘሎ ስለዝተሓበረ ድማ፡ ዝበዝሓ ኣብያተ ሲነማ ናይታ ሃገር፡ ዳግማይ ስራሕ ይጅምራ ኣለዋ።

    ኣብያተ ሲነማ ቻይና፡ ብሰንኪ እቲ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ቻይና ዝተኣወጀ ምሉእ ዕጽዋ፡ ካብቲ ብኸቢድ ዝተሃስየ ጽላታት እታ ሃገር እዩ።

  18. ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሰምበት ዝወጸ መግለጺ ከምዘርእዮ፡ 7334 ምርመራታት ተገይሩ፡ 704 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ተረኺቦም።

    እዚ ድማ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝረኣይ ኣትሒዙ እቲ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ እዩ።

    ካብቶም ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት፡ እቶም 39 ካብ ትግራይ እንትኾኑ፡ መብዛሕትኦም (551) ድማ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዮም።

    ኣብ'ታ ሃገር፡ ዛጊድ ብኮቪድ-19 ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ብዝሒ፡ 10,207 በጺሑ’ሎ።

    ካብዚኦም ድማ፡ እቶም 5,137 ሓውዮም እዮም።

    ኣብ'ቲ ትማሊ ሰምበት ዝወጸ መግለጺ፡ 3 ተወስኽቲ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝሞቱ'ውን ተገሊጹ እዩ።

    በዚ ድማ፡ ዛጊት ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ፡ 170 ኮይኑ’ሎ።

    ኢትዮጵያ፡ ብሓፈሻ 331,266 ምርመራታት ከምዘካየደት ትገልጽ።