እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት 8,803 በጺሖም
ሚኒስትሪ ጥዕናን ትካል ጥዕና ሕብረተሰብን ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽእዎ መዓልታዊ ጸብጻብ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብታ ሃገር 9 ሽሕን 911 መርመራታት ኮሮናቫይረስ ብምክያዱ 328 ሰባት እቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጦም። ኣብ ዙርያ ኮቪድ-19 ዝህልዉ ዓለማዊ፣ ኣህጉራውን ሃገራውን ምዕባለታት ኣብዚ ቀጥታዊ ጸብጻብ ክትከታተሉ ንዕድመኩም።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኤፍቢኣይ፡ ትዊተር ፍሉጣት ሰባት ዘጥቅዑ ሰርሰርቲ ከጻሪ ጀሚሩ
ልዕሊ 600 በረራታት ንኽስረዙ ምኽንያት ዝኾነት ኮሮናቫይረስ ዝተረኸባ ቻይናዊት
ኣብ ቻይና ግዝኣት ዢንጂያንግ ከተማ ኡሩምቂ ሓንቲ ውልቀሰብ ኮሮናቫይረስ ስለዝተረኸባ ልዕሊ 600 በረራታት ተሰሪዞም።
እታ ጓል 24 መንእሰይ ትማሊ ሓሙስ ምልክታት ምስተረኣያ ምርመራ ከምዝተገበረላን እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸባን ተሓቢሩ።
ካልኦት ምስኣ ርክብ ዝነበረን መሓዙታ'ውን ኮቪድ-19 ተረኺብወን ኣሎ። እንተኾነ ምልክታት ከምዘይተረኣየን'ዩ ዝግለጽ።
ካብ ጽባሕ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ቻይና ዝርከቡ ክልተ መንገዲ ኣየር ካብ ከተማ ኡሩምቂ ዝወጽኡን ዝኣትዉን ኩሎም ገጣሾ ካብ ኮሮናቫይረስ ነጻ ምዃኖም ዝሕብር ወረቐት ሕክምና ክሓቱ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣስታት 100 ሽሕ 'ሚንክ' ብምኽንያት ለብዒ ኮሮናቫይረስ ክውገዳ ተወሲኑ
ሰብ መዚ ስፔይን ሚንክ [ምጹጽላይ ዝመስላ እንስሳ] ኣብ ዝራብሓሉ ሕርሻ ኣብ መብዛሕቲኤን ኮሮናቫይረስ ስለ ዝተረኸበ ኣስታት 100,000 ከም ዝውገዳ ኣፍሊጦም።
ኣራጎን ኣብ ዝተባህለት ግዝኣት ዝርከብ ሕርሻ እቲ ለብዒ ከም ዘሎ ክፍለጥ ዝኸኣለ ኣብ ወርሒ ግንቦት በዓልቲ ቤት ሓደ ሓረስታይ ብኮቪድ-19 ምስ ተትሓዘት'ዩ።
ካብቲ ግዜ ንደሓር በዓል ገዝኣን ካልኦት ሽድሽተ ሰራሕተኛታት ሕርሻ እቲ ቫይረስ ከም ዝተረኸቦም ተገሊጹ'ሎ።
ኮሮናቫይረስ ኣብቶም ሓረስቶት ካብ ዝርከብ ጀሚሩ እተን ቆርበተን ንዝተፈላለዩ ረብሓታት ንምውዓል ዓሊሞም ዘርብሕወን 'ሚንክ' ዝበሃላ እንስታት ተፈልየን ክትትል ክግበረለን ጸኒሑ እዩ።
ብ13 ሓምለ ዝተገበረለን ምርመራ ከኣ 87 ሚኢታዊት ካብተን እንስሳት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዛ ተፈሊጡ።
በዚ ምኽንያት ድማ 92,700 ካብተን እንስሳት ክውገዳ ሰብ መዚ ጥዕና ስፔን መምርሒ ሂቦም።
ህንዲ፡ ብኸመይ ቑጽሪ መልከፍቲ ሓደ ሚሊየን በጺሑ?
ሚኒስትሪ ጥዕና ህንዲ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራሕ ልዕሊ 34 ሽሕ ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ብመርመራ ኣረጋጊጸ ኢሉ።
ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ናይ ዝተትሓዙ ሰባት ቁጽሪ ልዕሊ 1 ሚልዮን በጺሑ። ልዕሊ 25 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም።
ህንዲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ ስጉምቲ ዕጽዋ ክትኣቱ ከላ፡ ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 500 ጥራሕ ነይሮም።
ቀስ ብቐስ ብ8 ሰነ ካብቲ ኣዋጅ ዕጽዋ ክትወጽእ ምስጀመረት ግን፡ ቑጽሪ መልከፍቲ ብናህሪ ወሲኹ።
1.3 ቢሊየን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ህንዲ፡ ጽዑቕ ህዝቢ ዝነበርለን ብዙሓት ከተማታት ስለዘለውኣ፡ ማእኸል እዚ ለበዳ ናብ እትኾነሉ ብርኪ ከይትሰጋገር ክስጋእ ጸኒሑ።
እታ ሃገር፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ከም ዝረኸበት ካብ እትገልጽ ንደሓር ኣብ ዘለው ከባቢ 170 መዓልታት ልዕሊ 1 ሚሊየን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሓሚሞም። ካብዚኦም እቶም 636 ሽሕን 602 ሓውዮም።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ፡ ሆስፒታላት ብሕሙማት ብምጭንናቐን ብዙሓት ሰባት ኣገልግሎት ሕክምና ክረኽቡ ከም ዘይኽኣሉ ይግለጽ ነይሩ።
በዚ ምኽንያት፡ ብዝሒ መርመራ ክውስኽ ብምግባር ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ኣብ ምግታእ ትሰርሕ ኣላ።
ካብ 100 ብኮቪድ-19 ዝሓመሙ ሰባት ድማ እቶም 63 ይሓውዩ ኣለው።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ጥዕና ጋና ብኮቪድ-19 ተለኺፎም
ኣስታት 2065 ሰራሕተኛታት ጥዕና ጋና፡ ብኮቪድ-19 ከም ዝተትሓዙ ኣገልግሎት ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።
ዳይሬክተር ጀነራል ፓትሪክ ኩማ-ኣቦጋዬ፡ ሽዱሽተ ካብዞም ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰብ ሞያ ከም ዝሞቱን ካልኦት 1870 ከም ዝሓወዩን ኣፍሊጡ።
ዝተረፉ በቲ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰራሕተኛታት ጥዕና ድማ፡ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ኮይኖም ጥዕናዊ ክትትል ይግበረሎም ኣሎ።
ንከተማ ኣክራ ዝሓውስ ዞባ ግሬተር ኣክራ፡ እቲ ዝለዓለ ቑጽሪ መልከፍቲ እዞም ሰራሕተኛታት ጥዕና ዝተርኣየሉ’ዩ።
ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር፡ ቑጽሪ መልከፍቲ ንምንካይ ሓካይም ዝጥቀሙሎም መካላኸሊ ናውታት ነቕርብ ኣለና ይብሉ።
ኣብ ጋና፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 26 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ክሓሙ ከለው፡ 139 ድማ ሞይቶም።
ኣብታ ሃገር፡ ዝተኻየደ መርመራ ድማ 339 ሽሕን 491 በጺሑ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ለበዳ ኮቪድ-19 ንምቅላስ ሓገዝ ገንዘብ ክተኣኻኸብ ጸዊዑ
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ንሓገዝ ዝውዕል 10.3 ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ክተኣኻኸብ ጸዊዑ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት'ውን፡ ክልተ ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ክእከብ ሓቲቱ ነይሩ'ዩ።
እቲ ዓለማዊ ትካል ከም ዝብሎ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ኣስታት 265 ሚሊዮን ሰባት ክጠምዩ'ዮም።
ብሓገዝ ዝርከብ ገንዘብ ድማ፡ ትሑት እቶት ንዘለወን ከምኡ'ውን ዝፈራረሳ ሃገራት ከም ዝውዕል ሓቢሩ።
እዚ ክንገብር እንተዘይክኢልና ግን፡ ንዓሰርታት ዓመታት ዝመጽአ ዕብየት "ናብ ድሕሪት ክምለስ ይኽእል'ዩ" ብምባል ኣጠንቂቑ።
ሃፋትም ሃገራት ብልክዕ እቲ ቑጠብአን ንምድሓን ዝገብረኦ ዘለዋ ምርብራብ፡ ንድኻታት ሃገራት'ውን ክገብርኦ ይግባእ ብምባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኑ።
እንተዘይኾይኑ ግን፡ ዓለም ከቢድ ቅልውላው ከም ዝገጥማ ብምግላጽ "ሚሊዮናት ንጥምየት ክቃልዑ'ዮም" ክብል ኣጠንቂቑ።
ብራዚል፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ልዕሊ 2 ሚሊዮን በጺሑ
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ብራዚል ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን በጺሖም ኣለዉ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ሓደ ሚሊየን ዝነበረ እዚ ቑጽሪ፡ ኣብዚ እዋን ይውስኽ’ኳ እንተሃለወ፡ ኣብ መልከፍቲ ውሑድ ናይ ምንካይ ተርእዮታት ከም ዘሎ ይግለጽ።
ኣስታት 210 ሚሊዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ብራዚል፡ ኣብ ዓለም ካልአይቲ በዚ ለበዳ ዝተጠቕዐት ሃገር እያ።
ፕሬዝደንት ጀይር ቦልሶናሮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በቲ ቫይረስ ከም ዝተትሓዘ ይፍለጥ።
እቲ ፕሬዝደንት፡ ኮሮናቫይረስ ዘስዕቦ ጥዕናዊ ጸገም ‘ኣብዚ እቶ ዝብሃል ኣይኮነን’ ብምባል፡ ንኣዋርሕ ኣብ ምክልኻል ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንዝውሰዱ ስጉምታት ብምንቃፍ፡ መምርሒታት ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላው ይቃወሞም ነይሩ።
ኣብታ ሃገር፡ ልዕሊ 74 ሽሕ ሰባት በዚ ቫይረስ ክሞቱ ከለው፡ እቲ ትኽክለኛ ቑጽሪ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ኣሜሪካ እቲ ዝለዓለ መዓልታዊ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ
ኣብ ኣሜሪካ ትማሊ ሓሙስ ጥራይ ልዕሊ 74,500 ሓደሽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ተገሊጹ።
እዚ ድማ እቲ ቫይረስ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተርኣየሉ እዋን ጀሚሩ ዝለዓለ ቁጽሪ ኮይኑ'ሎ።
ትማሊ ዝተመዝገበ ሓድሽ መልከፍቲ ንሓፈሻዊ ብዝሒ ኣብ ኣሜሪካ ኮቪድ-19 ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 3 ሚልዮንን 570 ሽሕን ኣብጺሕዎ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ለብዒ እቲ ቫይረስ ኣብ 30 ግዝኣታት እታ ሃገር ከምዝወሰኸ ይግለጽ።
ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ከባቢ 1 ሽሕ ሰባት ብምሟቶም ድማ ዛጊት ንዝተመዝገበ ሞት ልዕሊ 138,000 ኣብጺሕዎ።
ክታበት ኮቪድ-19 ዘማዕብሉ ትካላት ዒላማ ዝገብሩ ሩስያውያን ሰርሰርቲ
ድሓን’ዶ ሓዲርኩም?
ቀጥታዊ ጸብጻብ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ዝፈጥሮ ዘሎ ጸቕጥን ንምክትታል ናብ ቢቢሲ ትግርኛ እንኳዕ ድሓን መጻእኩም።
ኣብዚ ዕለት ካብ ዘለው ምዕባለታት፥
·ኣብ ብራዚል ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ ክልተ ሚሊየን በጺሑ
·መዓልታዊ ኣብ ኣሜሪካ ዝርኣይ ዘሎ መልከፍቲ ሕጂ’ውን ኣዝዩ ልዑል ኮይኑ፡ መዓልታዊ 75 ሽሕ ተወሰኽቲ ሓደሽቲ ሰባት ይተሓዙ ኣለው
·በዚ ምኽንያት ሓደ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣሜሪካ፡ መናእሰይ ከም ባራት ዝበሉ ብዝሒ ሰብ ናብ ዝእከበሎም ቦታታት ካብ ምኻድ ክቑጠቡን ኣብ ገዝኦም ኮፍ ክብሉን ተማሕጺኑ
·ጃፓን ካልእ ማእከል እዚ ካልኣይ ዙር ለብዒ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እትኸውን ዘላ ሃገር እያ
·ግዝኣት ኣውስትራሊያ ዝኾነት ቪክቶሪያ መዓልታዊ ዝውስኽ ሓድሽ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ክተርኢ እንከላ፡ ጎረቤት ኒው ሳውዝ ዌልስ ድማ ብምኽንያት ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ኣብ መርዓ ተልሂት፣ ደርፍን ካልኦት ጸወታታትን ከይህልው ትኽልክል ኣላ።
·ብደረጃ ዓለም 13.8 ሚሊዮን ሰባት ብኮቪድ-19 ክሓሙ እንከለው፡ ሞት 589 ሰባት ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኩሎኹም አኣብ ዘለኹሞ ነብስኹምን ኣብከባቢኹም ዘለውን ካብ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ንምክልኻል፡ ብትካል ጥዕና ዓለምን ሰብመዚ ጥዕና ሃገራትኩምን ዝወሃቡ መምርሒታት ምክልኻል ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ከተተግብሩ ነዘኻኽር።
ሰናይ መዓልቲ!
ኢትዮጵያ ሎሚ 328 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም
ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያን ትካል ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽእዎ መዓልታዊ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት፡ ኣብታ ሃገር 9 ሽሕን 911 መርመራታት ኮሮናቫይረስ ከም ዝተኻየደን ካብዚ 328 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ምልካፎም ከም ዝተረጋገጸ ኣፍሊጦም።
እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኽቦም እቶም 250 ማለት 76% ካብ ኣዲስ ኣበባ ክኾኑ ከለው፡ 27 ሰባት ካብ ጋምቤላ፡ 15 ካብ ኦሮሚያ፡ 13 ካብ ትግራይ፡ 8 ካብ ዓፋር፡ 5 ካብ ድሬዳዋ፡ 5 ካብ ሶማሌ፡ 3 ካብ ሲዳማ 1 ካብ ቤንሻንጉል ከምኡውን 1 ካብ ኣምሓራ እዮም።
ዛጊት ኣብታ ሃገር፡ 309 ሽሕን 639 መርመራታት ኮሮናቫይረስ ተኻይዱ፡ 8 ሽሕን 803 ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣሎ።
ኣቐዲሙ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ማእከላት ሕክምና ክትትል ክግበረሎም ካብ ዝጸነሐ ሰባት 46 ሓውዮም ኣለው። በዚ ድማ ብድምር 4 ሽሕን 814 ሰባት ጥዕንኦም ናብ ንቡር ከም ዝተመለሰ ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ኣስከሬናት ብዝተገበረ መርመራ፡ ኣብ ክልተ ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺቡ።
ፈተነታት ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘተባብዕ ውጽኢት የመዝግቡ
ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምምዕባል ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ተስፋ ዝህብ ምዕባለተታት ይምዝገቦ ኣሎ።
ኣብ ኣሜሪካን፡ ዓባይ ብሪጣንያን ዝተኻየዱ መርመራታት ከም ዝእምትዎ ኣብ ደሓን ኩነታት ኣብ ዝነበሩ ወለንተኛታት ዝተኻየዱ ብርክት ዝበሉ ናይ ክታበት ፈተነታት፡ ጽቡቕ ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ናይ ምምዕባል ግብረ መልሲ ኣርእዮም ኣለው።
ልዕሊ 20 ዓይነት ክታበታት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሰባት ይፍተኑ ኣለው፤ ብዘይካ እዚኣቶም ከባቢ 140 ኣብ መባእታዊ ደረጃ ምዕባለ ከም ዘለው ይግለጽ።
ገለ ተመራመርቲ ግና ነቲ ምርምራት ንምቅልጣፍ፡ እቶም ወለንተኛታት ነቲ ቫይረስ ክቃልዑ ይሓቱ ኣለው።
ሩስያ ንክስታት ብሪጣንያ ‘መሰረት ዘይብሉ’ ክትብል ነጺጋ
ሩስያ ንኮቪድ-19 ዝምልከት ሓበሬታታት ንምስርሳር ፈተነታት ተኻዪዱ ንዝብል ክሲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኢድ ከም ዘይብላ ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ሃገራዊ ማእከል ጸጥታ ሳይበር ዩናይትድ ኪንግደም፡ ሩስያውያን ሰርሰርቲ ነተን ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምምዕባል ዝፍትና ዘለዋ ትካላት ዒላማ ከም ዝገበሩ ገሊጹ ነይሩ።
ብዛዕባ እዚ ክስታት ሕቶ ዝቐረበሉ፡ ወሃቢ ቃል ቤተመንግስቲ ክረምሊን ዲሚትሪ ፐስኮቭ፡ እቲ ክስታት መሰረት የብሉን ክብል ነጺግዎ።
“ናብተን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ መድሃኒት ዘፍርያ ትካላትን ማእከላት ምርምርን መን ስርሰራ ኣካዪዱ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓበሬታ የብልናን” ኢሉ።
ሚስተር ፐስኮቭ ወሲኹ “ሓደ ነገር ግና ክንብል ንኽእል ኢና- ሩስያ ኣብቲ ፈተነታት ኢድ የብላን። ከምዚ ዓይነት ክስታት ኣይንቕበልን ኢና፡ ከምቲ ኣብ ምርጫ 2019 ምትእትታው ነይሩ ዝብል መሰረት ዘይብሉ እዩ” ኢሉ።
ፓኪስታን ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ይጎድል ኣሎ ዶ?
ካብ ፓኪስታን ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት ከም ዘርእይዎ፡ ድሕሪ 28 ግንቦት ንፈለማ እዋን ዝተመዝገበ መጠን ሞት ዝተሓተ ምዃኑ እዩ። ድሕሪ 8 ሰነ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ሆስፒታላት ናይ መተንፈሲ ሓገዛት ካብ ዝግበረሎም ሕሙማት’ውን ዝተሓተ ቁጽሪ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ክሳብ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን፡ ፓኪስታን ሓንቲ ካብተን ብኮሮናቫይረስ ኣዝየን ዝተሓስያ ሃገራት እያ ኮይና ጸኒሓ።
እንተኾነ እቲ ኣብ ፓኪስታን ዘሎ ኩነታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሳምንታት ብቕልጡፍ ዝጎደለ እዩ ዝመስል። እዚ ምናልባት ብምኽንያት ምጉዳል ናይቲ መዓልታዊ ዝግበር መርመራታት ዝሰዓበ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እታ ሃገር ወላ’ኳ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 40 ሽሕ ሰባት ክትምርምር ዓቕሚ እንተለዋ፡ ዛጊት ዝበዝሐ ዝተበጽሐ ቁጽሪ 24 ሽሕ እዩ።
እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ዞባ ፑንጃብ ቁጽሪ መዓልታዊ ዝግበር መርመራታት ካብ መፋርቕ ሰነ ጀሚራ ብ30% ከም ዘጉደለቶ ብ7 ሓምለ ዝወጸ ጸብጻብ ይገልጽ። እዚ ድማ ነቲ መዓልታዊ ዝምዝገብ ቁጽሪ መልከፍቲ ከም ዘጉድሎ ርዱእ እዩ።
ቢቢሲ ኡርዱ ዝገበሮ ክልተ መጽናዕቲ’ውን ኣብቲ ዝወሃብ ጸብጻባት ሓጓፍ ረኺቡ ኣሎ።
እቲ ሓደ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ዘሎ ኣሃዝ መቓብራት ምስ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር ከሎ፡ ኣዝዩ ዝወሰኸ ምዃኑ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ዞባ ፑንጃብ ብዙሓት በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ኣብቲ ወግዓዊ ጸብጻብ ዘይካተቱ ምዃኖም ዝሕብር እዩ።
ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሰነን ሓምለን 2023 ክካየድ ተወሲኑ
ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሰነን ሓምለን 2023 ከምዝካየድ ግዚያዊ ዋና ጸሓፊ ኮንፈደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ዓብደል ባህ ኣፍሊጡ።
እቲ ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ መግለጺ ክህብ ከሎ "ኣበየናይ ወርሒ ከምዝኸውን ከምዘይፈልጥ" ብምግላጽ እቲ ውድድር ናብ 2023 ከምዝተሰጋገረ ሓቢሩ ነይሩ።
ሎሚ ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023 ኣብ ሰነን ሓምለን ክካየድ ትልሚ ሒዝና ኣለና" ኢሉ።
እቲ ውድድር ብምኽንያት ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተሰጋገረ ይዝከር።
ስፔናውያን ብኮሮናቫይረስ ንዝሰኣንዎም ዜጋታቶም ይዝክሩ ኣለዉ
ስፔን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንዝሞትዋ ልዕሊ 28,400 ሰባት ትዝክር ኣላ።
ነቶም ኣብ ምክልኻል እቲ ለበዳ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ይሳተፉ ዘለዉ'ውን ክብሪ እናሃበት ትርከብ።
ኣብቲ ስነስርዓት ዝኽሪ ንጉስ እታ ሃገር ፌሊፔ ዝተረኸበ ኮይኑ፡ ፖለቲከኛታት ስፐይንን ሰብ ሞያ ጥዕናን'ውን ተሳቲፎም።
ርዋንዳ ኣብያተ ክርስቲያን ክኽፈታ ኣፍቂዳ
ርዋንዳ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝሕግዙ ጠንካራ መምርሒታት ብምሃብ ኣብያተ ክርስቲያን ክኽፈታ ኣፍቂዳ።
በዚ መሰረት፡ ስነ ስርዓት ጸሎም ኣብ ዝፍጸመሉ ሰዓት ናብ ቤተክርስቲያን ዝኣትው ሰባት ክምዝግባ፣ ኣብ ሞንግኦም ዝህሉ ኣካላዊ ርሕቀት 1.5 ሜትሮ ክኸውንን ተሳተፍቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ ክገብራን እየን።
ትሕቲ 12 ዓመት ዝኾኑ ቖልዑት ግን ክኣትው ኣይፍቀደሎምን፤ ዝኾነ ዓይነት ምጽዋት ዝምጽውቱ ሰባት ድማ ብዓይነት [ገንዘብ] ከበርክቱ የብሎምን ተባሂሉ።
እታ ሃገር፡ ብ14 መጋቢት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ምስ ረኸበት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ትካላት ትምህርትን ኣብያተ ክርስቲያንን ዓጽያ።
እተን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ክዕጸዋ እየን።
ኣብ ሩዋንዳ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት 1435 ኮይኑ፡ ኣርባዕተ ሰባት ጥራይ እዮም ሞይቶም።
ጓል ማንዴላ ብኮቪድ-19 ተታሒዛ ነይራ
ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ዝሞተት ጓል ኔልሰን ማንዴላ፡ ዚንዲዝ ማንዴላ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተታሕዘት ተገሊጹ።
ዚንዲዝ፡ ብሰኑይ ንጉሆ ኣብ መበል 59 ዓመታት ኣብ ሆስፒታል ጆሃንስበርግ ከም ዝሞተት ይዝከር።
ወዳ ዞንድዋ ማንዴላ ንማዕከን ዜና ኤስኤቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምኽንያት ሞት ዚንዲዝ ኮሮናቫይረስ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ግልጺ ኣይኮነን ብምባል፡ ተወሳኺ ውጽኢት ይጽበዩ ከም ዘለው ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣዲኡ ጽባሕ ዓርቢ ከም ዝፍጸም ገሊጹ።
ኮቪድ-19፡ ፕሬዝደንት ማላዊ ዜጋታቱ ክጾሙን ክጽልዩን ሓቲቱ
ፕሬዝደንት ማላዊ ላዛረስ ቻክዌራ፡ ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኩሎም ዜጋታት ብጾምን ጸሎትን ክሕወሱዎ ጸዊዑ።
እቲ ፕሬዝደንት፡ “ኩሎም ኣመንቲ ዜጋታትን ነበርትን ማላዊ” ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ክጾሙን ክጽልዩን ሓቲቱ።
ሰንበት ድማ፡ ሃገራዊ መዓልቲ ምስጋና ክኸውን ኣዊጁ።
እዚ ጸሎት፡ “እቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ንክሓውዩ፣ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ንምሕካም ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ንዝዋስኡ ዘለው ሰራሕተኛታት ጥዕናን ካልኦት ሰባትን ካብ መልከፍቲ እዚ ሕማም ንምክልኻል” እዩ ክብል ሚኒስትሪ ሓበሬታ ጎስፔል ካዛኮ ተዛሪቡ።
ፕሬዝደንት ማላዊ፡ ን24 ዓመታት ጉባኤ ‘ጋድ ቸርች’ ዝመርሐ ሃይማኖታዊ ሰባኺ እዩ ነይሩ።
ብ2013 ድማ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኮንግረስ ማላዊ ኮይኑ፡ ካብ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታ ወጻእ መራሒ ሃገር ዝኾነ ሰብ እዩ።