እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 139 በጺሑ
ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 7969 ከምዝበጽሐ ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ትማሊ ጥራይ 203 ሓደሽቲ ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም።
ቀጥታዊ ሸፈነ
ኬንያ ኣብ ዝዓበየ ሆስፒታል መወልዳን ኮሮናቫይረስ ተራእዩ
ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ዝዓበየ ሆስፒታል መወልዳን ኬንያ፡ 41 ሰራሕተኛታቱ ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም።
እቲ መልከፍቲ፡ ኣብ 290 ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ፑምዋኒ ኣብ ዝተኻየደ መርመራ፡ ከም ዝተረጋገጸ ኣብቲ ሆስፒታል ዳይሬክተር ጀነራል ጥዕና ዶክተር ፓትሪክ ኣሞጽ ሓቢሩ።
ንሱ ወሲኹ፡ እቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኽቦም ኩላቶም ኣብ ቤቶም ክንክን ይግበረሎም ከም ዘሎን ኣብ ደሓን ኩነታት ምህላዎምን ገሊጹ።
ካልኦት 100 ሰራሕተኛታት ብሕጂ ክምርመሩ ምዃኖም’ውን ኣፍሊጡ።
ሰብ መዚ ጥዕና ዘድልይ ሓገዛት ከም ዝገብሩ ዝሓበረ ዶክተር ኣሞጽ፡ እቲ ሆስፒታል ውሑስ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ካብ መፋርቕ ሚያዝያ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ኬንያ ልዕሊ 10,000 ሰባት ኮቪድ-19 ከም ዝሓመሙ ክረጋገጽ ከሎ፡ 197 ሞይቶም ኣለው።
ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ስርሖም ዝሰኣኑ መምህራን ናብ ካልእ ዓውዲ ስራሕ ይወፍሩ ኣለዉ
ኣብ ዩጋንዳ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሞያዊ ስርሖም ክቕጽሉ ዘይከኣሉ ገለ መምህራን ሳንዱቕ ሬሳን መገዲ ንምስራሕ ዝኸውን እምኒን ኣብ ምድላው ይሰርሑ ኣለዉ።
እቶም መምህራን ኣብ ናይ ውልቀ (ብሕቲ) ኣብያተ ትምህርቲ ዝሰርሑ ምንባሮም ጸብጻብ ደይሊ ሞኒተር የመልክት።
ገለ ካብቶም መምህራን ከኣ ብሞተር ብሽክሌታ ኣብ ዝወሃብ ኣገልግሎት፣ ምድላው መንጸፍ፣ መሸጣ መግብን ፈሓምን ከምኡ ድማ ሰራሕተኝነት ገዛ ከምዝተዋፈሩ ተገሊጹ።
እታ ሃገር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ብዝብል ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚራ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝዓጸወት ይዝከር።
ማሕበር ወነንቲ ውልቀ ኣብያተ ትምህርቲ ዩጋንዳ፡ መንግስቲ ነቶም መምህራን ሓገዝ ክገብር ሓቲቱ'ሎ።
ኬኒያ፡ ኣብ 41 ሰራሕተኛታት ሓደ ዓብዪ ሆስፒታል መዋልዳን ኮቪድ-19 ተረኺቡ
ኣብ ኬኒያ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ዓብዪ ሆስፒታል መዋልዳን፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ዝርከቡዎም፡ 41 ሰራሕተኛታት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም።
ግዚያዊ ጀነራል ዳይሬክተር ጥዕና ሆስፒታል ፑምዋኒ ዶክተር ፓትሪክ ኣሞዝ፡ 290 ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል መርመራ ኮቪድ-19 ምስ ተገበረሎም ዝተረኽበ ውጽኢት ከም ዝኾኑ ገሊጹ።
ኩሎም እቶም ኮሮናቫይረስ ዝተረኽቦም ሰባት ድማ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ሕክምናዊ ክትትል ይግበረሎም ኣሎ ኢሉ።
ተወሳኺ 100 ሰራሕተኛታት ድማ መርመራ ኮቪድ-19 ከም ዝግበረሎም ተዛሪቡ።
ኣብ ኬኒያ፡ ቑጽሪ በዚ ቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ልዕሊ 10 ሽሕ ክበጽሕ እንከሎ፡ 197 ሰባት ድማ ብምኽንኣት እዚ ቫይረስ ሞይቶም።
'ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኮቪድ-19 ናብ ግጉይ ኣንፈት የምርሓ ኣለዋ'- ውድብ ጥዕና ዓለም
ኮሮናቫይረስ፡ ብሪጣኒያ ኣብ ቐጻሊ ለብዒ ‘ኣዝያ’ ክትጥቃዕ ትኽእል’ያ
ተመራመርቲ፡ ኣብ ካልኣይ ዙርያ ለብዒ ኮሮናቫይረስ ሞት 120 ሽሕ ሓደሽቲ ሰባት ከጋጥማ ከም ዝኽእል ገሊጾም።
እዚ ኣብ ዝቕጽል ‘ዊንተር’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወቕቲ [ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ መስከረም] ኣብ ዘሎ ግዜ ኮይኑ፡ ነዚ ክትዳለወሉ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ሆስፒታላት ጥራሕ ካብ 25 ሽሕን 500 ክሳብ 251 ሽሕ ዝጽጋዕ ምስቲ ቫይረስ ዝተሓሓዝ ሞት ከጋጥም ከም ዝኽእል’ዮም ዝገልጹ።
ክሳብ ሕጂ፡ 44 ሽሕን 830 ሰባት ዝሞቱ ኮይኖም፡ “ቅልጡፍ ስጉምቲ እንተተወሲዱ ሓደጋ እዚ ሕማም ምንካይ ከም ዝከኣል” ሓቢሮም።
ኣማኻሪ ተመራመርቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ፓትሪክ ቫላንሲ፡ ኣብቶም ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ዝህሉ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምግማት ስለ ዝኸብድ፡ “ንዝኸፍአ” ነገር ክንዳሎ ይግባእ ኢሉ።
እዚ ቫይረስ፡ ኣብ ናይ ዛሕሊ ወቕቲ ነዊሕ ናይ ምጽናሕ ተኽእሎ ከም ዘለዎን ኣብ ሞንጎ ኣብ ሓደ ገዛ ብሓባር ዝውዕሉ ሰባት ዝመሓላለፈሉ ዕድል’ውን ክህሉ ከም ዝኽእልን፡ ተመራመርቲ ይገልጹ።
800 ተመልከትቲ ትያትር ንኮቪድ-19 ተቓሊዖም
ሰብ መዚ ጥዕና ጃፓን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ልዕሊ 800 ተመልከትቲ ትያትር መርመራ ኮሮናቫይረስክገብሩ ሓቲቶም።
እዞም ሰባት፡ ኣብ ሓደ ምርኢት ትያትር ንምክፋል ካብ ሞንጎ ዝተዓደሙ ኮይኖም፡ ካብዚኦም እቶም ዝተወሰኑ ሰባት ብኮቪድ-19 ከም ዝተትሓዙ ተገሊጹ።
እቲ ትያትር፡ ንሓሙሽተ መዓልታት ክርኣይ ዝጸንሐ’ዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ ትያትር ዝተሳተፉ 16 ተዋሳእቲ፣ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታትን ትሸዓተ ካብ ተመልከትን ድማ ብኮቪድ-19 ተለኺፎም።
በዚ ምኽንያት፡ 800 ተመልከትቲ እቲ ትያትር ዝነበሩ ሰባት ነዚ ቫይረስ ተቓሊዖም ከይኾኑ ተሰጊኡ ኣሎ።
ኣዳለውቲ እቲ ትያትር፡ ኣብቲ እዋን ኣካላዊ ርሕቀት ተሓላእዩ፡ ረስኒ ነፍሲ ወከፍ ዕዱም ተዓቂኑ ክኣትው ከም ዝተገበረን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከም ዝተጠቐሙ ይዛረቡ።
ሰበ ስልጣን ቶኪዮ ግን፡ መምርሒታት ምክልኻል ምትሕልላፍ እዚ ቫይረስ ተግባራዊ ኮይኖም ድዮም ዝብል ከጻርዩ ጀሚሮም።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ናህሪ ዝርግሕኡ እንታይ ይመስል?
ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ምስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ክነጻጸር እንከሎ ዝተሓተተ እዩ'ኳ እንተተባህለ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ደይቡ ኣሎ።
ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት 100 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክሓሙ እንከለው፡ ኣብ ውሽጢ 18 መዓልታት እዚ ቑጽሪ ብዕጽፊ ብምውሳኹ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልታት 400 ሽሕ በጺሑ።
እዚ ለበዳ፡ ኣብ ቑጠባ እቲ ኣህጉር ኣሉታዊ ጸቕጢ ብምስዓቡ፡ ብርክት ዝበላ ሃገገራት ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ወሲደንኦ ዝነበራ ስጉምቲ ዕጽዋ ክፎክስን ክለዓልን ገይረን።
ከም ጸብጻብ ባንኪ ዓለም እንተኾይኑ፡ ብምኽንያት እዚ ለበዳ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመት ቑጠባ ኣፍሪቃ ኣንቆልቊሉ'ዩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ - ኮሮናቫይረስ፡ እቲ ቑጠባ እንትወድቕ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ይውስኽ ኣሎ
መንግስቲ ፈረንሳይ ንሰብሞያ ጥዕና ሃገሩ ታሪኻዊ ወሰኽ መሃያ ክገበር'ዩ
መንግስቲ ፈረንሳይ ንወሰኽ መሃያ ሰብ ሞያ ጥዕና እታ ሃገር ዝኸውን 9 ቢልዮን ዶላር ንምስላዕ ተሰማሚዑ።
ነዚ ክገብር ዝኸኣለ ኣብ ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነጥፉ ሰብ ሞያ ጥዕና ቁጽሮም እናነከየ ብምምጽኡ'ዩ ተባሂሉ።
ሸውዓተ ሰሙን ዝወሰደ ድርድር ክካየድም ምስጸንሐ እዩ ትማሊ ሰኑይ ምስ ማሕበራት ሰራሕተኛታት ስምምዕ ተፈሪሙ።
እቶም ሰብ ሞያ ኣብ ምክልኻል እቲ ለበዳ ብዝገብርዎ ምርብራብ ከም ጅግና'ኳ እንተተቖጸሩ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ክብሪ ግን ተወሳኺ ክፍሊት ክግበረሎምን ንሆስፒታላት ዝግበር ድጎማ ክውስኽን ተቓውሞ ብምልዓል ክሓቱ ጸኒሖም'ዮም።
መንግስቲ ብነብሲወከፍ ሰራሕተኛ ጥዕና ብማእኸላይ ገምጋም 220 ዶላር ወርሓዊ ወሰኽ ንምግባር ኣብ ስምምዕ በጺሑ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ 570 ሚልዮን ዶላር ኣብ መንግስታዊ ትካላት ጥዕና ንዝሰርሑ ዶኳትር ተቐማጢ ገንዘብ ከም ዝኾነሎም ተሓቢሩ።
ምሁራት ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ናብ 'ኲናት ሕድሕድ' ከይተምርሕ ኣጠንቂቖም
ብዙሓት ሃገራት ናብ ግጉይ ኣንፈት የምርሓ ኣለዋ፡ ትካል ጥዕና ዓለም
መንግስታት ዓለም ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ትቡዕ ስጉምቲ እንተዘይወሲዶም፡ እቲ ለበዳ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክምርሕ ከምዝኽእል ትካል ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።
ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ”ብርክት ዝበላ ሃገራት ናብ ግጉይ ኣንፈት እየን ዘምርሓ ዘለዋ” ኢሉ።
ሓደጋ እዚ ቫይረስ ንምንካይ ዝሕግዙ ስጉምታት ኣብ ዘይተተግበረለን ሃገራት፡ ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ክውስኽ ይርኣ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ “እዚ ቫይረስ ቑጽሪ ሓደ ጸረ ህዝቢ ከምዝኾነን፡ ስጉምቲ ብዙሓት መንግስታት ግን ነዚ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን” ኢሉ።
ኣብ ዙርያ እዚ ቫይረስ ካብ መራሕቲ ዝመሓላለፉ መልእኽታት ሓደ ዓይነት ዘይምዃኖም ድማ፡ ካልእ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቑጽጻር ዝግበር ጻዕሪ ተኣማንነት ከም ዘስኣኖ ሓቢሩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ - ውድብ ጥዕና ዓለም ብዙሓት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኮቪድ-19 ናብ ግጉይ ኣንፈት የምርሓ ኣለዋ ኢሉ
ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 7969 በጺሑ
ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 203 ሓደሽቲ ሰባት ብኮቪድ-19 ከምዝተትሓዙን ዛጊድ ኣብታ ሃገር እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም 7969 ከምዝበጽሑን ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኣብ ውሽጢ እቶም ዝሓለፉ 24 ሰዓታት [ካብ ብቕድሚ ትማሊ ክሳብ ትማሊ] ድማ 11 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ሞይቶም ኢሉ።
እዚ ድማ ንብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ 139 ኣብጺሕዎ'ሎ።
ኣብቲ ዝተገለጸ ሰዓታት 56 ሰባት ካብቲ ሕማም ከምዝሓወዩ ዝሓበረ እቲ ሚንስትሪ፡ ዛጊድ ዝሓወዩ ሰባት ቁጽሮም 4612 ከምዝበጽሐ ገሊጹ።
ኮሮናቫይረስ፡ ሕሱም ዘጥቅዐን ሃገራት
ኣብ ዓለም፡ ልዕሊ 13 ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ-19 ተታሒዞም። ብብዝሒ መልከፍቲ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ድማ፥
- ኣሜሪካ፡ 3,363,056
- ብራዚል፡ 1,884,967
- ህንዲ፡ 878,254
- ሩሲያ፡ 732,547
- ፔሩ፡ 330,123
ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ሰብ ዝሞተን ሃገራት ድማ፥
- ኣሜሪካ፡ 125,605
- ብራዚል፡ 72,833
- ዓባይ ብሪጣኒያ፡ 44,915
- ሜክሲኮ፡ 35,491
- ጥልያን፡ 34,967
ከመይ ሓዲርኩም?
እንቋዕ ናብ ቢቢሲ ትግርኛ ብደሓን መጻእኩም። ቀንዲ ምዕባለታት ኮቪድ-19 እዚ ዕለት፥
ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ ሰባት ልዕሊ 13 ሚልዮን በጺሑ። እቲ ሓደ ሚልዮን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ዝተመዝገበ ሓድሽ መልከፍቲ’ዩ።
ብደረጃ ዓለም ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዘጋጥም ዝነበረ ሞት፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዚያ ክንኪ እዃ እንተጸንሐ፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ድማ ወሰኽ የርኢ ኣሎ።
ሆንግ ኮንግ፡ ብምኽንያት እዚ ቫይረስ ሓድሽ መምርሒ ብዛዕባ ኣካላዊ ምፍንታት ከተኣታቱ’ያ።
ተወሳኺ ምዕባለታት ኣብዚ ናይ ቀጥታ ጸብጻብ ከነቕርበልኩም ኢና።
ሰናይ መዓልቲ!