ቁጽሪ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 200,000 ኮይኑ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ናይቶም ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 200,000 ከምዝኾነ ሚንስትሪ ጥዕና 'ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ሚንተር ጥዕና ዛወሊ ኪዜ ከምዝሓበሮ ብፍላይ ኣርባዕተ ኣውራጃታት እታ ሃገር ኣብ ዝለዓለ ዝርገሐ እቲ ለበዳ ይርከባ።
ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር መዓልታዊ ኣሽሓት ሰባት ብኮቪድ-19 ይተሓዙ ከምዘለዉ'ዩ ዝግለጽ።
እታ ሃገር ናብ ዕጽዋ እንተዘይኣትያ ዝሰፍሐ ዝርግሐ ክጽበያ ከምዝኽእል እቲ ሚንተር ጥዕና ኣጠንቂቑ'ሎ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ተምሃሮ ናብ ትምህርቲ ክምለሱ ካብ ምግባራ ብተወሳኺ ካልኦት ገደባት'ውን እናፍኰሰት'ያ።
ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዘማዕበሎ ክታበት ኮቪድ-19 ኣብታ ሃገር ኣብ ሰባት ይፍተን ከምዘሎ ይፍለጥ።