እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓደ ወርሒ ጥራይ ልዕሊ 2000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

ኣብ መላእ ዓለም፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 7 ሚልዮን ሓሊፉ ኣሎ።ካብዚኦም እቶም ክልተ ሚልዮን ኣብ ኣመሪካ እዮም ዝርከቡ። ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር ኣብ ዓለም ኮነ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ምዕባለታት ኣብዚ ብቐጥታ ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣብ ኣፍሪቃ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይሕይል ምህላዉ ትካል ጥዕና ዓለም ገሊጹ

    ኣብ ኣፍሪቃ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብቕልጡፍ እናወሰኸ ይመጽእ ከምዘሎ ትካል ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

    ናይቲ ትካል፡ ናይ ኣፍሪቃ ዳይረክተር ከምዝበለቶ፡ እቲ ለበዳ ካብ ርእሰ ከተማታት ብዝሰገረ ይላበድ ምህላዉን፡ ሕጽረት ምርመራታትን ቀረብን ድማ፡ ነቲ ናይ ምክልኻል ንጥፈታት ከምዝዓንቀፎ ተዛሪባ።

    "ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ቁጽሪ መልከፍቲ፡ ካብቲ ዓለማዊ ቁጽሪ ትሕቲ 3 ምኢታዊት እኳ እንተኾነ፡ እቲ ለበዳ ብቕልጡፍ ይውስኽ ምህላዉ ግን ንጹር እዩ” ኢላ እታ ዳይረክተር።

    መልከፍትታት እናወሰኸ ክኸይድ ምዃኑ’ውን ኣጠንቂቓ ኣላ።

    ኣፍሪቃ፡ ዛጊድ በቲ ለበዳ ኣዐርያ ኣይተሃሰየትን ጸኒሓ።

  2. ኣብ ዓዲግራት ምስ መራሒ መኪና ምትንኻፍ ዝነበሮም 31 ሰባት ተወሺቦም

    ብቕድሚ ትማሊ (ሰሉስ)፡ ሓደ ካብ ጅቡቲ ዝተመለሰ መራሒ መኪና፡ ኣብ ዓዲግራት ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ብምርኻቡ፡ 31 ሰባት ተወሺቦም።

    እዚ ውልቀሰብ፡ ኣብ መቐለ ዝሃቦ ቅምሶ ውጽኢቱ ከይተፈለጠ ናብታ ከተማ ክኸይድ እንከሎ፡ ጸኒሑ እዩ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ተገሊጹ።

    በዚ ምኽንያት፡ ምስኡ ምትንኻፍ ናይ ዝነበሮም ኣሰር 10 ደቂ ኣንስትዮን 21 ደቂ ተባዕትዮን ተፈልዮም ክትትል ክግበረሎም ናብ መወሸቢ ማእከል ኣትዮም ኣለው።

    ካብዚኦም፡ እቶም 10 ናይ ቐረባ ምትንኻፍ ዝነበሮም ኮይኑ፡ ንዝተወሰኑ መዓልታት ጸኒሖም መርመራ ከም ዝገበረሎም ዝገልጽ ምኽትል መተሓባበሪ ጉጅለ ቅልጡፍ ምላሽ [ራፒድ ሪስፖንስ ቲም] ዞባ ምብራቕ ዶክተር ፊሊሞን ዳኘው፡ እቶም ዝተረፉ 21 ድማ ክሳብ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ዘሎ ምልክት ከርእዩ ድዮም ኣየርእዩን ዝብል ንምክትታል ከም ዝኣተው ሓቢሩ።

    ኣብ ትግራይ፡ ክሳብ ሕዚ 92 በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ብምርመራ ዝተረጋገጸ ኾይኑ፡ 8 ድማ ሓውዮም እዮም።

  3. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሓደ ወርሒ ጥራይ ልዕሊ 2000 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ጥራይ 2420 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

    እቲ ለበዳ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ሎሚ ሰለስተ ወርሑ ገይሩ’ሎ።

    ሚኒስትሪ ጥዕና ከምዝበሎ፡ ኣብቶም ናይ መጀመርያ ክልተ ኣዋርሕ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ዝተረጋገጸ ሰባት፡ 250 ጥራይ እዩ ነይሩ።

    ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ግን፡ 10 ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ተገሊጹ።

    ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ድማ፡ 6630 ምርመራታት ተገይሩ፡ 164 ተወሰኽቲ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ተረኺቦም።

    ትማሊ ጥራይ፡ ሓሙሽተ ተወሰኽቲ ሰባት ብሰንኪ እቲ ሕማም ከምዝሞቱ’ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

    በዚ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዛጊት ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ፡ 40 በጺሑ’ሎ።

    ክሳብ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ዝተረጋገጹ ሰባት 2670 ክኸውን ከሎ፡ ኣብ’ዚ እዋን ሓሚሞም ዘለዉ ድማ 2194 ሰባት እዮም።

  4. ልኡል ቤልጅም ሕጊ ዕጽዋ ስፔን ብምጥሓሱ ተቐጺዑ

    ኣብ ስፔን ሕጊ ዕጽዋ ብምጥሓሱ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ልኡል ቤልጂም ጁዋቺም ሕጊ ዕጽዋ እታ ሃገር ብምጥሓሱ 11 ሽሕን 800 ዶላር ክኸፍል ከምዝተበየኖ ተገሊጹ።

    ልዑል ጁዋቺም ካብ ሃገሩ ቤልጂም ናብ ስፔን ምስ ኣተወ ን14 ምዓልታት ክውሽብ ተነጊርዎ ክነሱ ነዚ ከተግብር ስለዘይክኣለ'ዩ ብሕጊ ስጳኛ ተኸሲሱ።

    እቲ ወዲ 28 ዓመት ልኡል ኣብ ስፔን ሓጺር ናይ ስራሕ ተመክሮ ንምቅሳም'ዩ 24 ግንቦት ናብታ ሃገር ኣትዩ።

    እንተኾነ ንዓሰርተ መዓልታት ክውሸብ እኳ ተነጊርዎ እንተነበረ ነቲ ሕጊ ብምጥሓስ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከተማ ኮረዶባ ኣብ ዝነበረ ምትእኽኻብ ተሳቲፉ።

  5. ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብ 16 ሃገራት ተዓጊቶም ዝነበሩ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

    ድሕሪ ምቁራጽ በረራታት ኣብ 16 ሃገራት ተዓጊቶም ዝጸንሑ 259 ኤርትራውያን ብቀዳም ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ሚኒሰተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።

    እቶም 259 ኤርትራውያን ብፍሉይ በረራ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ዝገለጸ እቲ ሚንስተር እቲ ስራሕ ብምውህሃድ ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምስ ኣካላት መንግስትን ኤምባሲታትን ከምዝተኻየደ ኣረዲኡ።

    ኤርትራ፡ ኣብ 21 መጋቢት ናብ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝተታሕዘ ሰብ ምስ ረኸበት'ያ 25 መጋቢት ካብን ናብን እታ ሃገር ዝግበር በረራታት ደው ኣቢላቶ።

  6. ትራምፕ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ጎስጓስ ምርጫ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ጎስጓስ ምርጫ ከምዝጅምር ተዛሪቡ። እቲ ዘካይዶ ጎስጓስ ዝቕጽል ዓርቢ ኣብ ኦክላሆማ ንኽጅምሮ መደብ ሒዙ'ሎ።

    "ጎስጓስና ክንጅምሮ ኢና። እቲ ፈላማይ ድማ ኣብ ኦክላሆማ - ቶልሳ ክኸውን ከምዝኽእል ንኣምን" ክብል ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

    እቶም ጎስጓሳት ሰፋሕቲ ከምዝኾኑ ዝገለጸ ትራምፕ ንኻልኣይ ዙር ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኑ ከምዝምረጽ ተስፋ ይገብር።

    እንተኾነ ኣብ ምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝወሰዶም ስጉምትታትን ኣንጻር ዓሌታውነት ዝካየድ ምንቅስቓስ 'ባላክ ላይቭስ ማተርስ' ን ኣብ ዝህልዎ ተቐባልነት ጽልዋ ዘሕደሩ ይመስሉ።

    ክካየዱ ዝነበሩ ናይ መረጻ ጎስጓሳቱ ብምኽንያት ስግኣታት ኮሮናቫይረስ ብዝተደንገጉ ገደባት ተኣጓጒሎም ጸኒሖም'ዮም።

  7. ምስ ካልኦት ሰባት ዘለና ርሕቐት ትሕቲ 2 ሜትሮ እንተኾይኑ ውሕስና ይህልወና'ዶ?

    ነዚ እቲ ዝቐለለ መልሲ ክኸውን ዝኽእል፡ ምስ ዝኾነ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ብዝያዳ እናተጸጋዕና ብዝኸድና መጠን ተቓላዕነትና እናወሰኸ ይኸይድ ዝብል'ዩ።

    ውድብ ጥዕና ዓለም 1 ሜትሮ ዝኣክል ምስ ሰባት ዘለና ርሕቐት ምሕላው ውሑስ ከምዝኾነ'ዩ ዝሕብር።

    ብዙሓት ሃገራት ዓለም ነዚ ከተግብራ ከለዋ ገለ ሃገራት ግን ነቲ ርሕቐት ዝተፈላለየ ዓቐን የቐምጣሉ።

    • 1 ሜትሮ ርሕቐት ክዕቀብ ዝደንገጋ - ቻይና፣ ዴንማርክ፣ ፈረንሳይ፣ ሆንግኮንግ፣ ሊቱንያ፣ ሲንጋፖር
    • 1.4 ሜትሮ - ደቡብ ኮርያ
    • 1.5 ሜትሮ - ኣውትራልያ፣ ቤልጂየም፣ ጀርመን፣ ግሪክ፣ ጣልያን፣ ኔዘርላንድስ፣ ፖርቹጋል
    • 1.8 ሜትሮ - ኣሜሪካ
    • 2 ሜትሮ - ካናዳ፣ ስፐይን፣ ዓባይ ብሪጣንያ
  8. ቁጽሪ ኣብ ኣሜሪካ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት 2 ሚልዮን ሓሊፉ

    መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዘመልክቶ ኣብ ኣሜሪካ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ኮይኑ’ሎ።

    እዚ ቁጽሪ ከኣ ኣብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ዘስርዓ ኮይኑ፡ ነታ ኣብ ኻልኣይ ደረጃ ዘላ ብራዚል ብሰለስተ ዕጽፊ ትበልጻ።

    ኣብ ብራዚል ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 772,400 በጺሑ'ዩ።

    ኣሜሪካ ኣብ መዓልቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ቅምሶታት ብምውሳድ ምርመራ እተካይድ ብምዃና ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ትስራዕ።

    በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ብብዝሒ ክርከቡ ዝኸኣሉሉ ምኽንያት ድማ ምስ መጠን እተካይዶ ምርመራ ከምዝተሓሓዝ ይግለጽ።

    ኣብታ ሃገር 112 ሽሕን 878 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ስኢኖም።

  9. ኒው ዚላንድ ሓድሽ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ከየመዝገበት 20 መዓልታት መሊእዋ

    ኒው ዚላንድ ዋላ’ውን ዳርጋ ንኹሎም እቶም ኣንቢራቶም ዝነበረት ገደባት እንተልዓለት ዋላ ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ካብ ዘይተመዝግብ 20 መሊእዋ'ሎ።

    ኣብያ ትምህርቲን ናይ ስራሕ ቦታታትን ኣብ ዝኽፈቱሉ ደረጃ ኣብ ዘላ ኒው ዚላንድ፡ መርዓ፣ ቀብርን ህዝባዊ መጓዓዝያን ብዘይ ገደብ ክቕጽሉ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ።

    እታ ናይ መወዳእታ ተሓካሚት ዝነበረት ውልቀሰብ ሓውያ ካብ ሆስፒታል ብምውጽኣ’ውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋላ ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ የብላን።

    ኒው ዚላንድ 1,154 በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኣመዝጊባ ዝነበረት ኮይና፡ 22 ድማ ሞይቶምዋ።