እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኣብ ዓለም ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለከፉ ሰባት 7 ሚልዮን በጺሑ

ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር ኣብ ዓለም ኮነ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ምዕባለታት ኣብዚ ብቐጥታ ክነቕርበልኩም ኢና ተኸታተሉና።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ታንዛንያ 'ካብ ኮሮናቫይረስ ናጻ' ከምዝኾነት ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ኣዊጁ

    ታንዛንያ፡ ሳላ ጸሎት ዜጋታት “ካብ ኮሮናቫይረስ ናጻ” ከምዝኾነት ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ኣዊጁ።

    “ሳላ ኣምላኽ ሕማም ኮሮና ተኣልዩ ኣሎ” ክብል ኣብ ሓደ ኣብ ርእሰከተማ ዶዶማ ዝርከብ ቤተክርስትያን ተዛሪቡ።

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ናይ ኮቪድ-19 ስትራተጂ ስክፍታታት ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ’ዩ።

    ካብ 29 ሚያዝያ ኣትሒዙ፡ መንግስቲ ነቲ ለበዳ ዝምልከት ኣሃዛዊ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ምቑጣቡ ይዝከር።

    እቲ ፕረዚደንት፡ ቅልውላው ኮሮናቫይረስ ዝተጋነነ’ዩ ክብል ብተደጋጋሚ ክዛረብ ጸኒሑ’ዩ።

  2. ሓኻይም ዝንእድዎ ዘለዉ መድሓኒት ኮሮናቫይረስ - ሬምዴቪር

    ሬምዴቪር ጸረ-ቫይረስ ኣብ ዝበሃሉ ዓይነት መድሓኒት ይምደብ። ንሕሙማት ኮሮናቫይረስ ድማ ክሳብ ሕዚ ምርምር ይካየደሎም ካብ ዘለዉ ኣፋውስ ዝሓሸ ተስፋ ከምዝህልዎ ይዝረበሉ።

    ሚንስተር ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ማት ሃንኮክ "ምናልባት ክሳብ ሕዚ ካብ ዝፈትንናዮም እቲ ዝበለጸ ተስፋ ዝሃበ" ክብል ይገልጾ።

    እቲ መድሓኒት ቅድሚ ሕዚ ንሕሙማት ኢቦላ ዝወሃብ ዝነበረ እዩ።

    ኣብዚ እዋን ከኣ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ብእኹል መጠን ንምቕራብ ብዝብል ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ እናሰርሐሉ ይርከብ።

    ሰብሞያ ቁጽጽር መድሓኒት እታ ሃገር ኣብ ዝተወሰኑ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ብዘካየድዎ ፈተነ ፈዋስነቱ ብዝምልከት እኹል መረዳእታ ከምዝተረኸበ ይግለጽ።

    ንግዚኡ ግን እቲ መድሓኒት ብእኹል መጠን ስለዘይርከብ ብጽኑዕ ንዝሓመሙ ጥራይ'ዩ ዝወሃብ ዘሎ።

    ኣሜሪካን ጃፓንን እውን ነቲ መድሓኒት ብብዝሒ ከፍርያ እናሰርሓ እየን። ብዛዕብኡ ዝካየዱ ተወሰኽቲ ምርማራት ግን ቀጺሎም ኣለዉ።

  3. 95 ሚኢታዊት ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣገልግሎት ክምለሳ እየን

    መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ደንጊግዎም ዝጸንሐ ገደባት አዋጅ ዕጽዋ ከፉኩስ ብምጅማሩ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ኣገልግሎት ክምለሳ ምዃነን ተገሊጹ።

    ሚንስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ከምዘፍለጦ 95 ሚኢታዊት ካብ አብያተ ትምህርቲ ንረቛሕታት ውሑስነት (ድሕነት) ጥዕና ስለዘማልኣ ዳግም ክኽፈታ እየን።

    መንግስቲ ነተን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ነጻ ናይ ምግባር ስራሕ ካብ ምስራሑ ብተወሳኺ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምስ ካልኦት መካላኸሊ ናውቲ ክባጻሕ ምግባሩ ይገልጽ።

    ገለ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ሎሚ ሰኑይ ተምሃሮ ናብ ኣብያተ ትምህርቶም እናኸዱ ዘርእዩ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ዘርጊሐን ኣለዋ።

    ምምሕዳር እተን ኣብያተ ትምህርቲ'ውን ተምሃሮ ኣካላዊ ርሕቐት ምዕቃቦምን ኣእዳዎም ምሕጻቦምን ብምርግጋጽ ረስኒ ሰብነቶም እናዓቐና ክኣትዉ እናገበራ እየን።

    ሚንስተር ትምህርቲ ኣንጌ ሞሺግካ፡ ኣብዚ እዋን ኣብተን ንክኸፈታ ድልዋት ዘይኮና ኣብያተ ትምህርቲ ዘድሃበ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢራ።

    ንሳ ከምዝበለቶ ነቶም ረቛሕታት ዘየማልኣ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ኣገልግሎት ክምለሳ ኣይክፍቀደለንን።

    ግን ከኣ ብሰንኪ'ዚ ዋላ ሓደ ተምሃራይ ካብ ትምህርቲ ከምዘይተርፍ ኣፍሊጣ።

  4. ሲንጋፖራውያን ንምንቅስቓሳቶም ዝከታተል መሳርሒ ግብራዊ ከይኸውን ተቓዊሞም

    ሲንጋፖር ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ብዝብል ዕላማ፡ ዜጋታት ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ዝከታተል መሳርሒ ናብ ስራሕ ክተውዕል እናተዳለወት'ያ።

    እንተኾነ ዜጋታት ኣሰር ምንቅስቓስና ዝከታተል መተግበሪ [ 'ኣፕሊኬሽን' ] ኣብ ስራሕክውዕል የብሉን ብዝብል ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ።

    ተቓውሞኦም ድማ ብኢንተርኔት ብዝተኣኻኸብ ፊርማ እናገለጹ እዮም።

    ዜጋታት ብፍቓዶም ነቲ ኣሰር ምንቅስቓሶም ዝከታተል መተግበሪ ንኽጥቀሙ ዝቐረበ ሓሳብ ውጽኢታዊ ብምዘይምዃኑ'ዩ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣባላት ባይቶ 'ኣብ ኣገልግሎት ይውዓል ወይስ ኣይውዓል?' ብዝብል ዝዘተዩሉ።

    ዛጊድ ኣስታት 30 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ከምዘይብሉ ብምቅዋም ብኢንተርኔት ፈሪሞም ኣለዉ።

    "ነጻን ሕጊ ዘኽብሩ ዜጋታትን ከም ምዃንና መጠን ነዚ ውሳነ ተቓዊምናዮ ኣለና። ንምንቅስቓስን ውልቃውነትን ሰባት ዝግድብ ብምዃኑ ኣይንቕበሎን" ኢሉ ነቲ ፊርማ ዘተኣኻኽብ ኣካል።

    ሲንጋፖር ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘለዋ ሃገራት ክትነጻጸር ከላ ብዝለዓለ መጠን በቲ ቫይረስ ተጠቒዓ'ያ።

    ክሳብ ሕዚ ድማ 37 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞም'ዮም።

  5. ግጥማት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ዕዱም ኣብ ዘይብሉ ሜዳ

    ጋንታታት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝጅምር ተቛሪጹ ዝጸንሐ ግጥማት ልምምድ እናካየዳ ይርከባ።

    ተመልከትቲ ኣብ ዘይብሎም ስታድየማት ዝግበሩ ጸዋታታት ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ሓድሽ ልምዲ ክኾኑ እዮም።

    ተጻወትቲ ኣብዚ እዋን ልምምድን ምሕዝነታዊ ግጥማትን እናካየዱ እዮም።

    እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ጥራይ ሜዳ ዝግበር ውድድር ብኣጋ ክለምድዎ ክሕግዞም ከምዝኽእል ይእመን።

    ግጥማት ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ድሕሪ 9 መዓልታት (17 ጁን) ኣብ ዕጸው ሜዳ ክካየዱ ክጅምሩ እዮም።

  6. ኩባ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ 'ተቖጻጺረዮ' ኢላ

    ኩባ ንሸሞንተ ተኸታተልቲ መዓልታት ብሰንኪ ኮሮናቫየረስ ዋላ ሓደ ሞት ኣየመዝገበትን።

    በዚ ምኽንያት ከኣ ነቲ ቫይረስ ክትቆጻጸሮ ከምዝኸኣለት ኣፍሊጣ'ላ።

    እታ ሃገር ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳ ምንቅስቓስ ካብ መጻኢ ሰሙን ጀሚራ ክተፍኩሶ ትጽቢት ይግበር።

    ኣብ ኩባ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተትሓዙ ሰባት ዛጊት 250 ዘይመልኡ ሰባት ክሓውዩ ከለዉ፡ 83 ድማ ሞይቶም።

    ዜጋታት በዚ ዝተረኸበ ውጽኢት ከየስተርሕዉ ዘጠንቀቀ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኣብያተ ተምህርትን ዶባትን ተዓጽዮም ከምዝጸንሑ ገሊጹ።

    ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ'ውን ዘይጅመር ኮይኑ፡ ሰባት ካብ ገዝኦም ኣብ ዝወጽኡሉ እዋን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ ይግደዱ።

  7. ከተማ ኒውዮርክ ኣዋጅ ዕጽዋ ከተላሕልሕ እያ

    ኣብ ኣመሪካ እቲ ለበዳ፡ ናብ ንቡር ኣብ ዝተመለሰሉ ኣብዚ እዋን፡ ኒውዮርክ ሲቲ ማሕበራዊን ቁጠባውን ምንቅስቓሳት ክትፈቅድ ምዃና ኣፍሊጣ።

    ኣብዚ ቀዳማይ ብርኪ ምፍኳስ እቲ ዕጽዋ፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ናብ ስርሖም ክምለሱ ትጽቢት ይግበር።

    ብፍላይ ኣብ ስራሕቲ ህንጸት፣ ፋብሪካታትን ንግድን ዘለዉ ስርሖም ክጅምሩ እዮም ተባሂሉ።

    እንተኾነ፤ ኣብ ስራሕ ክውሰድዎ ዝግባእ ጥንቃቐታት ብዝምልከት ጥቡቕ መምርሒ ወጺእሉ እዩ።

    እታ ከተማ፡ በዚ ለበዳ ኣዝየን ካብ ዝተሃሰያ ግዝኣታት ኣመሪካ ቀዳመይቲ ኾይና፡ ልዕሊ 200 ሽሕ መልከፍቲ መዝጊባ እያ።

    ምስኡ ዝተኣሳሰር ድማ፡ ኣስታት 22 ሽሕ ሰባት ሞይቶም።

    ልዕሊ 880 ሽሕ እውን እቲ ለበዳ ብዘሕደሮ ጽልዎ ሸቕሊ ኣልቦ ኾይኖም እዮም።

    እዚ ከኣ ነታ ከተማ ኣብ መጻኢ ዓመት፡ ልዕሊ 9 ቢልዮን ዶላር ጉድለት በጀት ከምዘሰዕበላ ይንገር።

  8. ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ገደብ ኣልኮላዊ መስተ ምስተልዓለ ገበናት ወሲኾም

    ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ኣብ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ገደብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ያ ኣልዒላቶ።

    ሆስፒታላት ብምኽንያት ሓደጋታት እቲ ቫይረስ ኣብ ዝተጨናነቓሉ እዚ እዋን ድማ ብሰንኪ ገበናት ብዘጋጥሙ ጉድኣታት’ውን ስራሕ ከምዝጸዓቐን ይግለጽ ኣሎ።

    ከተማ ደርባን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝሰርሕ ሓደ ዶክተር ‘ሳንደይ ታይምስ’ ንዝተበሃለት ጋዜጣ ከምዝሓበሮ፡ ኣዝዮም ብዙሓት መውጋእቲ [ብበላሕቲ ነገራት]፣ ጥቕዓታትን ካልኦት ሓደጋታትን ይረኣዩ ኣለዉ።

    “እዚኦም ኩሎም ምስ ምልዓል እገዳ ኣልኮላዊ መስተታት ዝራኸቡ ምዃኖም ከኣ ዘሰንብድ’ዩ” ክብል ነታ ጋዜጣ ተዛሪቡ።

    ቁጽሪ ግዳያት ሓደጋታት መኪና’ውን ከምዝወሰኸ ሆስፒታላት ኣፍሊጠን ኣለዋ።

    ኣብተን ክልተ ፈላሞት ናይ ዕጽዋ ኣዋርሕ ኣልኮላዊ መስተ ክእገድ ብምኽኣሉ፡ 70 ሚኢታዊት ናብ ሆስፒታላት ካብ ዝመጽኡ ግዳያት እቶም ገበናት ነክዩ ምንባሩ ይግለጽ።

  9. ኣብ ፓኪስታን ብኮቪድ19 ዝተለኸፉ ብዝሒ 100 ሽሕ ሓሊፉ

    ፓኪስታን ንኻልኣይ መዓልቲ፡ ልዕሊ 5 ሽሕ መዓልታዊ ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ረኺባ።

    እዚ፡ እቲ ሓፈሻዊ ብዝሒ ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ልዕሊ 100 ሸዕሕ ክኸውን ገይርዎ።

    ሰለስተ ኢድ ናይዚ ጠቕላላ መልከፍቲ ኣብ ክልተ ግዝኣታት እታ ሃገር ከምዝርከብ እዩ ዝዝረብ።

    ከምኡ ድማ፡ ብዝሒ መዓልታዊሞት ወሲኹ ኣሎ።

    ዛጊድ ልዕሊ 2000 ፓኪስታናውያን ህይወቶም ስኢኖም።

    መንግስቲ ፓኪስታን፡ኣንቢርዎ ዝነበረ ኣዋሥ ዓጽዋ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣልዒሉ እዩ።

    እዚ፡ ነቲ ምግዳድ እቲ ምስፍፋሕ ኣስተዋጸኦ ገይሩ ከይኸውን እዩ ዝስጋእ።

  10. ከመይ ሓዲርኩም?

    ቢቢሲ ትግርኛ፤ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተኣሳሰር ኣብ ዓለም ኮነ ኣብ ከባቢኹም ዘሎ ምዕባለታት ኣብዚ ብቐጥታ ከቕርበልኩም እዩ።ሰናይ መዓልቲ ስራሕ ክኾነልኩም ንምነ!