እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብኮሮናቫይረስ ሓደ ተወሳኺ ሞት ኣጋጢሙ

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ብፈውሲ ዓሶ ንምሕካም ዝገብሮ ዝነበረ ፈተነ ጠጠው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ። ብዙሓት ሃገራት’ውን ነቲ ዝግበር ዝነበረ ፈተነ 'ንግዚኡ' ኣወንዚፈነኦ ኣለዋ። ክቡራት ተኸታተልቲ፡ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዝምልከት እዋናዊ ምዕባለታትን፡ ንድሕነትኩም ዝሕግዝ መምርሕን ንኽርትረኽቡ ንቢቢሲ ትግርኛ ተኸታተሉ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ዴንማርክ፡ ፍቑራት ዶብ ሰጊሮም ክራኸቡ ፈቒዳ

    ዴንማርክ ምስ ኮሮናቫይረስ ተኣሳሲሩ፡ ብዝተኣወጀ ኣዋጅ ዕጽዋ ምኽንያት፡ ንኣዋርሕ ክራኸቡ ዘይከኣሉ ፍቑራት ዶብ ሰጊሮም ክራኸቡ ፈቒዳ።

    እዚ ካብ መጻኢ ሰኑይ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ።

    እቶም ዝመጽኡ ኣፍቀርቲ ካብ ዝኾኑ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኖርዲክ ወይ ድማ ካብ ጀርመን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ።

    ኣብ ዴንማርክ ዝርከብ ኣፍቃሪኦም ክሓቱ ዝመጽኡ ኣጋይሽ፡ ሓቃዊነቶም ንምርግጋጽ ኢመይል ኮነ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ከም መረዳእታ ከቕርቡ ክግደዱ እዮም።

    እቲ መመርሒ እናላሕለሐ ከምዝኸይድ ዝተዛረበ ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር፡ ብኽልቲኦም ኣፍቀርቲ ዝተፈረመ ሰነድ ምርኣይ'ውን ከድሊ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

  2. ሩስያ፡ መበል 75 ዓወት ካልኣይ ኲናት ዓለም ደንጉያ ክተኽብሮ እያ

    ሩስያ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝሓፈሰቶ ዓወት መበል 75 ዓመት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምኽንያት ደንጉያ ከምእተኽብሮ ኣፍሊጣ።

    እቲ መዓልቲ ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኤውሮጳ ቅድም ክብል ብድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ እዩ።

    ይኹን'ምበር እቲ መዓልቲ ደንጉያ፡ ብድሙቕ ወተሃደራዊ ምርኢት ንምኽባር ምድላዋት ትገብር ከምዘላ ፕረዚደንት ፑቲን ተዛሪቡ።

    ብዙሕ ግዜ ሩስያ እቲ መዓልቲ ብወተሃደራዊ ሰልፊ፣ ብምርኢት ነባራትወተሃደራት ከምኡ'ውን ዘበናዊ ኣጽዋር ውግእ ዝተሸከሙ መኪናታት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ሞስኮ ዝርከብ ቀይሕ ኣደባባይ እናዘረ ከኽብረኦ እዩ ዝረኣ።

    ኣብ ምብሓት ወርሒ ጉንበት ዝኽበር እዚ በዓል፡ ሎሚ ዘበን ግን ኣብታ ሃገር ህስስ ኢሉ ሓሊፉ።

    እንተኾነ፡ ኣብ ግዝኣት ክሬምሊን ግን ናይ ውግእ ነፈርቲ ክበራ ገይራ ነይራ።

    ሕዚ ግን ፑቲን፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ፡ እኹል ወተሃደራዊ ምድላው ክገብር ኣዚዙ ኣሎ።

    እቲ በዓል፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ከምዝካየድ ድማ ተዛሪቡ።

    ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተሳተፋ ሃገራት፡ ብሓፈሻ 26 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝረገፈን ይግመት።

  3. ሓድሽ ዜና, ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብኮሮናቫይረስ ሓደ ተወሳኺ ሞት ኣጋጢሙ

    ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ 3410 ምርመራታት ኣካይዳ፡ 46 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡ ኣፍሊጣ።

    በዚ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 701 በጺሑ።

    ብተወሳኺ፡ ሓንቲ በቲ ሕማም ተታሒዛ ኣብ ሕክምና ዝጸንሐት ጓል 32 ዓመት፡ ትማሊ ለይቲ ከምዝሞተት ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።

    ኣብታ ሃገር፡ ዛጊድ 6 ሰባት በዚ ሕማም ሞይቶም ኣለዉ።

    ካብቶም፡ በቲ ቫይረስ ምልካፎም ዝተረጋገጸ ሓደሽቲ 46 ሰባት፡ እቶም 45 ኢትዮጵያውያን ኮይኖም፡ እታ ሓንቲ ድማ እስራኤላዊት እያ።

    ካብኣቶም እቶም 3 ካብ ትግራይ ኮይኖም፡ ኩሎም ናብ ወጻኢ ገይሾም ዝነበሩን ንበይኖም ተፈልዮም ዘለዉን እዮም።

    እቶም 15 ድማ ካብ ክልል ኣምሓራ እዮም። እቶም ዝተረፉ ድማ፡ 13 ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ 11 ካብ ክልል ሶማል ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም 4 ድማ ዶብ ሰጊሮም ጽዕነት ዘመላልሱ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን እዮም ይብል መግለጺ ናይቲ ሚኒስትሪ።

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋን በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ሰባት 526 እዮም።

    ካብኦም ሓደ፡ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ዝግበረሉ ዘሎ እዩ።

    ብሓፈሻ ካብቲ ሕማም ዝሓወዩ ሰባት ድማ፡ 167 እዮም።

    ኢትዮጵያ፡ ዛጊድ 87264 ምርመራታት ከምዘካየደት ትገልጽ።

  4. ጀርመን ን 31 ሃገራት መገሻ ክትፈቅድ እያ

    መራሒት ሃገረ ጀርመን ኣንጌላ መርክል፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ጀርመናውያን ናብ ዝኾነት ሃገር ከይገሹ ኣጠንቂቓ ነይራ።

    ሕዚ ድማ ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ፡ ን 31 ሃገራት ናብ ሃገራ ዝግበር መገሻታት ክትፈቅድ ትሸባሸብ ኣላ።

    እቲ ረቡዕ ናብ ካቢነ ክቐርብ እዩ ዝተብሃለ ውጥን፡ ንኩለን 26 ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ብሪጣንያ፡ ከምኡ ድማ ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ዘይኮና ሃገራት ኣይስላንድን ኖርዌይን መገሻታት ዝፈቅድ እዩ።

    እዚ ድማ ኣብ 15 ሰነ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተወጢኑ ዘሎ።

    ጀርመን፡ ምስ መዳውብታ ሃገራት ኦስትርያን ስዊዘርላንድን፡ ኣብቲ መዓልቲ ዶባት ክትከፍት’ውን እያ ወጢና።

    እንተኾነ፡ ነዚ ንምፍጻም፡ ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ሃገራተን ንዘሎ መጠን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ፡ እንተበዝሐ ካብ 100,000 ህዝቢ፡ 50 ጥራይ ክኸውን ክሰማመዓ እያ ትጠልብ።

  5. ካብ ውሸባ ዝሃደሙ መራሕቲ መካይን ተታሒዞም

    ካብ ማእከል ምርምርን ውሸባን ሃዲሞም ዘምለጡ 25 መራሕቲ ዓበይቲ መኻይንን ካልኦትን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሰበስልጣን ኡጋንዳ ገሊጾም።

    እቶም መራሕቲ መካይን ኣብ ዶብ ኬንያን ኡጋንዳን ከምዝተመርመሩን፡ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዝተረኽቡን ተገሊጹ።

    ሸውዓተ ካብቶም ዝተታሕዙ፡ ካብቲ ዶብ ኣስታት 191 ኪሜ ርሒቆም ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ካምፓላ ተረኺቦም።

    እቶም ሰበስልጣን፡ ምስኦም ምትንኻፍ ንዝገበሩ ሳባት ኣብ ምንዳይ ተዋፊሮም ከምዘለዉ’ውን ተገሊጹ።

    ኣብ ኬንያ’ውን፡ ካብ ማእከል መመርመሪ ዝሃደሙ መራሕቲ መካይን ኣብ ከተማ ኪሱሙ ተታሒዞም።

  6. ሩስያ ብኮሮናቫይረስ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብዙሕ ሰብ ሞይትዋ

    ሩስያ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 174 ሰባት ብሕማም ኮሮናቫይረስ ሞይቶምዋ። እዚ ድማ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተመዝገበ ልዑል መጠን ሞት እዩ።

    ሩስያ፡ ዛጊት 3,807 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶምዋ ።

    ሓደሽቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ 8,915 ሰባት ከምዝተረኸቡ’ውን ሰብ መዚ ገሊጾም ኣለዉ።

    ክሳብ እዚ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ዝተርኣየ ሓፈሻዊ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ድማ 362,342 እዩ።

    ከምኡ ድማ፡ ብደረጃ ሃገር 131,129 ሰባት ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም እዮም።

  7. ድሕሪ ምልዓል ዕጽዋ ‘ልዑል መጠን መልከፍቲ’ ከይህሉ ስግኣት ኣሎ

    ሃገራት፡ ንምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣንቢረንኦ ዝጸንሓ ዕጽዋ እንተደኣ ‘ኣብ ዘይ ሰዓቱ’ ኣልዒለንኦ፡ ‘ልዑል መጠን መልከፍቲ’ ክረኣይ ከምዝኽእል ትካል ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

    ኣብቲ ትካል ሓላፊ ህጹጽ ጉዳያት፡ ዶክተር ማይክ ሪያን ብሰኑይ ክዛረብ እንከሎ፡ በቲ ሕማም ኣብ ዝኾነ ሰዓት ልዑል ቁጽሪ መልከፍቲ ከጋጥም ይኽእል እዩ ኢሉ።

    “እቲ ሕማም የንቆልቁል ስለዘሎ ጥራይ ከምኡ ኢሉ ክቕጽል እዩ ኢልና ኣይንወስድን” ከኣ ኢሉ።

    እዚ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ዘሎ፡ ሃገራት ዓለም ንምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣንቢረንኦ ንዝጸንሓ ዕጽዋን እገዳታትን ከላሕለሓ ኣብ ዝጀመራሉ ግዜ እዩ።

    ኣብዚ እዋን፡ ድኳናት ክኽፈቱን ሰባት ክእከቡን ምፍቃድ ዝጀመራ ሃገራት ኣለዋ።

  8. ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ክጥሕሉ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ

    ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስዓቦ ዕጽዋን ምግዳብ ምንቅስቓሳትን፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ግዳይ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቒቑ።

    ዝሓለፈ ዓመት፡ ቁጽሪ መራኽብ ናብ ኤወሮጳ ክኣትዋ ዝፈተና ብዓርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ ነይሩ'እዩ። እተን ንስደተኛታት ካብ ሞት ዘድሕና ዝነበራ መራኽብ'ውን ብዕጽሪ ጎዲለን እየን።

    ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ እተን ናይ መድሕን መራኽብ ፍቃድ ረኺበን ናብ ባሕሪ ክምለሳ የጸግመን ከምዘሎ ተገሊጹ።

    ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ኤውሮጳውያን ሃገራት፡ እቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስሪሒት ንመራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ኣረኪበንኦ እየን።

    ሊብያ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ሓይልታት ካሊፋ ሓፍጣርን መንግስቲ ሊብያን ተፈጢሩ ዘሎ ውግእ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቕልውላው ትርከብ።

    ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት ሙዓመር ቐዛፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ሊብያ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን ዘላ።

    ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ድማ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክትሕቖን ጸኒሓ ኣላ።

  9. ግዳይ ኮሮናቫይረስ ክኸውን ዝኽእል መን እዩ?

    ምሉእ ጥዕና ኣለካ ማለት፡ ካብ ካልኦት ሰባት ብዝሓሸ ብሮናቫይረስ ናይ ዘይምጥቃዕ ዕድል ኣለካ ማለት ኣይኮነን።

    ዕድመ ዝደፍኡ፣ ድኹም ስርዓተ ምክልኻል ዘለዎምን ንድኻም ልቢ ሓዊስካ ካልኦት ሕዱር ሕማም ዘለዎምን ሰባት፡ ዝያዳ በቲ ሕማም ናይ ምጥቃዕ ዕድል ኣለዎም።

    ምልክታት እቲ ቫይረስ ኣብ ገሊኦም ሰባት ዝያዳ ክኸብድን ክሳብ ንሞት ከቃልዖምን ይኽእል። ምልክታት ሕማም ኮሮናቫይረስ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ሕማማት ተመሳሳሊ'ዩ።

    • ኣብነት ጉንፋዕን ሰዓልን
    • ልዑል መጠን ረስኒ

    ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ጥዕናዊ ኩነታቶም ብዘየገድስ፡ ብኮሮናቫይረስ ናይ ምጥቃዕ ዕድሎም ልዑል'ዩ።

    ትሕቲ 70 ዓመት ዝዕድመኦም ከኣ እዞም ዝስዕቡ ጥዕናዊ ጸገማት እንተነይርዎም በቲ ቫይረስ ናይ ምጥቃዕ ዕድሎም ዝለዓለ ይኸውን።

    ግዜ ዝወሰደ ናይ መተንፈሲ ኣካላት ጸገም ማለት፡

    • ልቢ ድኻም
    • ጸገም ኩሊት
    • ጸገም ጣፍያ
    • 'ኒዮሮሎጂካል' ጸገማት

    ዝያዳ ነቲ ሕማም ዝቃልዑ፡ ኩነታት ጥዕነኦም ብዘየገድስ፡ ዕደሚኦም ልዕሊ ሰብዓ ዓመት ዝኾኑን፡ ዕድሚኦም ትሕቲ ሰብዓ ዓመት ኮይኖም ድማ ጸገማት ጥዕና ዘለዎምን እዮም።

  10. ሞዛምቢክ ብኮሮናቫይረስ ፈላማይ ሞት መዝጊባ

    ሞዛምቢክ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዘጋጠመ ፈላማይ ሞት ከምዘጋጠማ ገሊጻ።

    እቲ ግዳይ ድማ፡ ወዲ 13 ዓመት ቆልዓ ኮይኑ፡ ካብ ናፑላ ትበሃል ግዝኣት ናይታ ሃገር እዩ።

    እታ ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ እርከብ ሃገር፡ ዛጊት 209 መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከምዘለዋ ትገልጽ።

  11. ኣውስትራልያ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሰባት ትፍትን ኣላ

    ኣውስትራልያ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ሰባት ዝግበር ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ፡ ሎሚ ኣብ ከተማ ሜልበርን ጀሚራ’ላ።

    እቲ ፈተነ ዝበግረሉ ዘሎ ክታበት፡ 'NVX-CoV2373' ዝበሃል እዩ። ነቲ ክታበት፡ ኖቫቫክስ ዝበሃል ናይ ኣመሪካ ትካል እዩ ኣፍርዩዎ።

    እቲ ፈተነ፡ ኣብ 130 ጥዑያት ዝኾኑ ዓበይቲ ሰባት እዩ ክግበር። ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ መጻኢ ወርሒ ሓምለ ክፍለጥ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

    ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእል ክታበት ንምርካብ፡ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 100 ፈተነተት የካይዱ እዮም ዘለዉ።

    ገሊኦም፡ ኣብ ሰብ ፈተነ ምግባር ጀሚሮም ኣለዉ።

    ኣብ ብሪጣንያ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ እዩ ኣብ ሰባት ዝግበር ፈተነ ክታበት ተጀሚሩ። ውጽኢት ናይዚ ክታበት፡ ድሕሪ ኣዋርሕ ከምዝፍለጥ እዩ ተገሊጹ።

  12. ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣስጊእዋ ኣሎ

    ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዝሒ መዓልታዊ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ብምርመራ ዝተረጋገጸ ሰባት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።

    ኣብታ ሃገር ዛጊድ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተፈልጡ ሰባት፡ 655 በጺሖም ኣለዉ።

    ብሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዝወጽኡ መግለጺታት ከምዘርእይዎ፡ መብዛሕተኦም እቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዮም።

    እዞም ሰባት ድማ፡ ናብ ወጻኢ ገይሾም ዘይነበሩን፡ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተትሓዙ ሰባት ዝነበሮም ምትንኻፍ ዝፍለጥ ብዘይምንባሩን፡ እቲ ሕማም ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ከይተፈለጠ ይላበድ ከይህሉ ስግኣት ፈጢሩ’ሎ።

    ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ‘ልደታ’ ከምኡ ድማ ‘ኣዲስ ከተማ’ ኣብ ዝበሃሉ ክፍለ ከተማታት፡ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ብዙሓት ሰባት ዝተረኸቡሎም ከባብታት እዮም። ኣብ ‘ልደታ’ 104 ሰባት እዮም በቲ ቫይረስ ተታሒዞም።

    እቲ ቫይረስ ብገፊሑ ይላበድ ከይህሉ ዝተሰግአ ሓደ ከባቢ ድማ፡ ምንቅስቓስ ምሉእ ንምሉእ ከምዝተኣገደ ይግለጽ።

    ነበርቲ ናይቲ ከባቢ፡ ካብ ገዝኦም ከይወጹ ተገይሮም፡ ምግቢ ይቐርበሎም ምህላዉ ሓደ ስሙ ክጽራሕ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ናይቲ ክፍለ ከተማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ እዩ።

  13. ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣወጀ ሰዓት እቶ እቶ፡ 21 ሰነ ከብቅዕ እዩ

    ስዑዲ ዓረብ፡ ንምክልኻል ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብደረጃ ሃገር ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ሰዓት እቶ እቶ፡ 21 ሰነ ክተልዕሎ እያ።

    ብፍሉይ ኣብ ቅድስቲ ከተማ መካ ግን፡ ካብ ሰዓት 3 ክሳብ 6 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሰዓት እቶ እቶ ክህሉ እዩ።

    ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝግበር መገሻታት፣ ናብ መስጊድ ምኻድ፣ ናብ ናይ መንግስትን ውልቀን ስራሕ ምኻድ፡ ካብ ግንቦት 31 ጀሚሩ ክፍቀድ እዩ።

  14. ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ብፈውሲ ዓሶ ንምሕካም ዝገብሮ ዝነበረ ፈተነ ጠጠው ኣቢልዎ

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ንሕሙማት ኮቪድ-19 ብፈውሲ ዓሶ-ሃይድሮክሲክሎሮኲን ምሕካም ዝገብሮ ዝነበረ ፈተነ ብሰንኪ ናይ ውሕስነት ከምዝቋረጾ ሓቢሩ።

    ብዙሓት ሃገራት’ውን ንግዚኡ ነቲ ዝግበር ዝነበረ መርመራ ኣወንዚፈን ኣለዋ።

    ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተዘርሐ መጽናዕቲ፡ ሃይድሮክሲክሎሮኲ መጠን ሞት ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ክውስኽ ከም ዝገብር ተገሊጹ ነይሩ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንገዛእ ርእሱ ካብ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል 'ይወስዶ ኣለኹ' ዝበሎ መድሃኒት ዓሶ፡ ነቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ዝያዳ ናብ ሞት ዘቃልዕ ከም ዝኾነ መጽናዕቲ ላንሰት ኣረጋጊጹ ነይሩ።