ብለባዳ ኮሮናቫይረስ ሕሱም ካብ መንጎ ዝተሃሰያ ሃገራት ኣብ ዝኾና፡ ክልት ሃገራት ኤውሮጳን ሓንቲ ግዝኣት ኣመሪካን፡ ቁጽሪ መወትቲ ነክዩ።
ኣብ ጣልያን፣ ስፔን ከምኡ ድማ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ፡ እዚ ሕማም ካብ ዝለዓል ጀሚሩ እቲ ዝበዝሐ ሞት ዝተርአየለን ከባብታት እንትኾና፡ እንተኾነ ኣብ ዝሓለፉ ተኸታተልቲ መዓልታት ብዝሒ መወትቲ እናነከየ ብምጻእ ትሑት ናብ ዝበሃል ብርኪ ከምዝወረደ ተገሊጹ።
ብዚ መሰረት፡ ኣብ ጣልያን ንሓደ ወርሒ መዓልታዊ ዝተመዝገበ ቁጽሪ መሰረት፡ ሎሚ እቲ ዝነኣሰ ቁጽሪ መወትቲ ተረኺቡ።
ብሓፈሽኡ ኣብ ጣልያን ዛጊድ፡ 26 644 ሰባት በቲ ለበዳ ህይወቶም ስኢኖም እዮም።
ብተመሳሳሊ፡ ስፔን ንሓደ ወርሒ ካብ ዝነበረ መዓልታዊ ቁጽሪ መወትቲ፡ ናይ ሎሚ ዝጎደለ ኾይኑ ተመዝጊቡ።
ብምዃኑ ድማ፡ ስፔን ነቲ ቅድሚ ሽደሽተ ሰሙን፡ ዝኣወጀቶ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣላሕሊሓቶ። ዕድሚኦም ትሕቲ 14 ዓመት ዝኾኑ ህጻናት፡ ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ መዓልቲ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ካብ ገዘኦም ወጺኦም ክናፈሱን ክጻወቱን ፈቒዳ ኣላ።
ስፔን፡ ዛጊድ በቲ ለበዳ፡ 23,190 ሰባት ሞይቶምዋ።
አመሓዳሪ ከተማ ኒውዮርክብወገኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ቁጽሪ መወትቲ ፡ እናነከየ ምምጽኡ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ቁጽሪ መወትቲ ትሕቲ 400 ከምዝኾነን እናጎደለ ይመጽእ ከምዘሎን፡ እቲ ኣመሓዳሪ ወሲኹ ሓቢሩ።
እንተኾነ፡ ቁጽሪ መወትቲ እንተነከየ'ኳ፡ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሓደሽቲ ሰባት ስለዘይነከየ እቲ ኣዋጅ ዕጽዋ ኣይክፎክስን ኢሉ።