ኣብ ኤርትራ ሰለስተ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ሓውዮም
ኣብ ኤርትራ፡ ሰለስተ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዝሞ ዝነበሩ ሰባት ሓውዮም ንግዝኦም ከምዝተፋነው ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
እቲ ሚኒስትሪ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ሰለስተ ሰባት ኣብ ሆስፒታል “ዘድልይ ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ቫይረስኮሮና” ምዃኖም ገሊጹ።
ንሳቶም፡ ኣብ ሃገራዊ ላበራቶሪ መርመራ ድሕሪ ምግባሮም'ዮም ካብቲ ሕማም ናጻ ምዃኖም ተረጋጊጹ።
ብ18 ሚያዝያ 2020’ውን፡ ሰለስተ ካልኦት ሓውዮም ንገዝኦም ተፋንዮም ምንባሮም ይዝከር።
በዚ መሰረት ካብቶም ኣብ ኤርትራ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ 39 ሰባት፡ እቶም ሽዱሽተ ሓዊዮም ኣለዉ።