ቆልዑ ዓዲ-እንግሊዝ ንቤት ትምህርቲ ክምለሱ ጀሚሮም
ተምሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ) ንፈለማ እዋን፡ ድሕሪ ምቁራጽ ትምህርቲ ናብ ኣብያተ-ትምህርቲ ክምለሱ ጀሚሮም።
ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ መደብ፡ ጀመርቲ (ሪሰፕሽን)፡ ከምኡ’ውን ናይ 1ይን 6ይን ዓመት ተምሃሮ’ዮም ካብ ሎሚ ሰኑይ ክምለሱ ተወሲኑ ዘሎ።
ይኹን እምበር፡ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝኸፍታሉ ናይ ግዜ ሰሌዳታት ከውጽኣ ስለዘለወን ኣብ ኩሉ ኣብ ሓደ እዋን ኣይኮነን እቲ ናይ ምኽፋት ስጉምቲ ዝውሰድ ዘሎ።
ብዘይካ’ዚ ልዕሊ ፍርቂ ወለዲ ናይቶም ክምለሱ ዝተፈቐደሎም ተምሃሮ፡ ደቆም ናብ ቤት-ትምህርቲ ክሰዱ ድሌት ከም ዘይብሎም ሓደ ዝተኻየደ ዳህሳስ ሓቢሩ።
ኣብያተ-ትምህርቲ ምስቲ ሓድሽ ቅጥዒታት ኮቪድ-19 ዝሳነ ኣካይዳ ንክህልወን ለውጥታት ክገብራ ይግደዳ ኣለዋ። ሓደ ካብቲ በዳሂ ኮይኑ ዘሎ ድማ፡ ብኸመይ ትምሃሮ ኣካላዊ ምፍንታት ክዕቅቡ ይኽእሉ ዝብል’ዩ።
መምሃራነን ንባዕሎም በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ዝተወሸቡ ወይ ድማ ኣባላት ቤተሰቦም ዝሓመምዎም ስለዘለዉ፡ ዋሕዲ ከየጋጥም ስግኣት ኣሎ።