'እንተዘይፍጠር ኢለ ተመንየ…' ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ

'እንተዘይፍጠር ኢለ ተመንየ…' ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ
Published

ኣብ ሱዳን ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ጠንቂ ምብዛሕ ጾታዊ ዓመጽ ኰይኑ’ዩ። ብፍላይ ኣባል ሓይልታት ወሃብ ህጹጽ ደገፍ ኣብ ዝንቀሳቐስሎም ከባቢታት ብዙሓት ደቀንስትዮ ከምዝደፈሩ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰሱ። ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግን “ክብሪ ሰራዊተይ ንምህሳስ ዝተኣለመ እምበር ኣይወዓልኩዎን፡” ኢሉ።