‘ከምዚ ዓይነት መሪር ስቕያት ኣደታት ርእየ ኣፈልጥን’

Published

እዚ ዛንታ እዚ፡ ምስ ሕርሲን ወሊድን ዝተሓሓዝ ዘሰንብድ ተጓንፎታት ዝሓዘ እዩ።

"ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ኣጸጋሚ ከባቢታት ኬድካ፡ ስራሕካ ብግቡእ ክተሳልጥ፡ ዓጊብካ ብሓጐስ ክትምለስ ይከኣል ይኸውን እዩ ዝብል ግምት እዩ ነይሩኒ፡" ትብል ኣና ኬንት።

እዚ ሓሳብ ግን ትምኒት ጥራይ እምበር ሓቅስ ኣይነበረን። ኲናት ኣብ ዝካየደሎም ከባቢታት፡ ዓበይቲ ሓደጋታት ኣብ ዝጋጥመሉ ስፍራን ኣብ መዓስከራትን ዘዋለደት ኣና ኬንት፡ ሂወታ ዝቐየረን ገለኡ’ውን ንሓያሎ ዓመታት ዘሳቐያን ተመኵሮ ኣለዋ።

ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ነርስን መሕረሲትን ዝዀነት ኣና፡ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ሓገዝ እያ። ጽቡቕ ስራሕን ነዊሕ ዝፀንሐ ርክብን ፍቕሪን ነይርዋ። ኣብ ቅድሚኣ ድማ ሓዳርን ቈልዑን ይጽበያ ነበረ። ኮታስ ሓንቲ ጀማሪት ሰራሕተኛ እትብህጐም ነገራት ተማሊኦምላ እያ ስራሕ ጀሚራ።  

ኣና ኣብ 26 ዓመታ ምስ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ክትሰርሕ ጀሚራ።

ኣብዚ እዋን ተዘክሮታታ ዘሕተመት ክትከውን እንከላ፡ ንተመክሮኣ ብዝምልከት፡ 'ኣውትሉክ' ምስ ዝተባህለ ፕሮግራም ራድዮ ቢቢሲ ጻንሒት ገይራ ነይራ።

ብጽኑዕ ዝሓመመት ኣደ

“እቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነበረኒ ስራሕ፡ ጥንሲ ኣዝዩ ሓደገኛ ከም ዝዀነን ኣደታት መዋለዲት/መሕረሲት እንተዘይረኺበን ከኣ ንሞት ክቃልዓ ከም ዝኽእላን ክርዳእ ገይሩኒ እዩ፡" ክትብል ተዕልል።

ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ኣብ 2007 (ኣ.ኣ.) ናብ ደቡብ ሱዳን ክልእካ እንከሎ፡ ኣና ካብ ታሕጓስ ዝተላዕለ ‘ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ሓገዝ’ ዝብል ማልያ ተኸዲና እያ ነፋሪት ዝተሰቕለት።

ብዕንጸይቲ ኣብ እተሰርሐ ስትሬቸር ዝደቀሰት፡ ብጽኑዕ ዝሓመመት ኣደ ኣምጺኦም ኣብ ጥቓኣ ከቐምጥዋ እንከለዉ እቲ ዝስምዓ ዝነበረ ስምዒት ሓጐስ ብኡ ንብኡ ሃፈፈ።

"ከምቲ ናታ ዝበለ ስቓይ ፈፂመ ርእየ ኣይፈልጥን። ዝሰልጠነት መሕረሲት ስለ ዘይረኸበትን እቲ ዕሸላ ኣብ ውሽጣ ስለ ዝሞተን ኣምዑታ ተሰባቢሩ እዩ።"

ኣና ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማም ክትሕክም ዘኽእላ ስልጠና ኣይነበራን። ብዕድል ግን እታ ነፋሪት ምስ ዓለበት እታ ኣደ፡ ብኡ ንብኡ ናብ ህጹጽ ሕክምና ተወሲዳ።

ኣና ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ናብ ትሰርሐሉ ቦታ በጺሓ። እቲ ክሊኒክ ኣብቲ ክንዲ ፍርቂ ትግራይ ዝኣክል ስፍሓት ዘለዎ ከባቢ፡ ዝርከብ እንኮ ትካል ጥዕና እዩ።  

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሕሙማት  

እቲ ክሊኒክ ካብ ጭቃ፡ ዕንጸይቲን ናሕሲን ዝተሰርሐ ኰይኑ ቀትሪ ቀትሪ ክሳብ 50 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝበፅሕ ሙቐት ኣለዎ።

"ማይን መብራህቲን የብልናን። ሳተላይት ተሌፎናትና ቻርጅ ንገብረሉ ሶላር ጥራሕ እዩ ነይሩና።"

ኣብ ሓደ ወርሒ ዝተፈላለየ ሕማም ዘለዎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝዀኑ ሕሙማት ይሕከሙ ነይሮም።

ኣና ግቡእ ስልጠና እንተዘይወሰደት'ውን ኣደታት ተሕርስ ከምኡ’ውን ብሕጽረት መግቢ፡ ብዓሶን ብረኽሲ፡ ከምኡ'ውን ብቦምባ ዝቘሰሉን ብዙሓት ህጻናት ትሕክም ነይራ።

ኣብ ብርቱዕ ነጐዳ ዝተወልደ

ፍሉይ ዝዀነ ብርቱዕ ነጐዳ ኣብ ዝነበረሉ ሓደ መዓልቲ፡ ብርቱዕ ቃንዛ ዝነበራ ሓንቲ ኣደ ብህጹጽ ክትሓርስ ኣምጺኦምዋ።

“ልክዕ ከምቲ ኣብ ገዛ ዝግበር ዓይነት፡ መጠን ሽኮር ደማ ዓቂንና፣ መጠኑ ኣዝዩ ትሑት ነይሩ። ገለ ቐመማት ኣዳሊና ድማ ብኣይቪ ክትወስድ ገይርና፡" ትብል።

እቲ ዘሐጕስ ነገር ግን ዕውት ኰይኑ።

"ሕጻን ሞሰስ ኣብ ብርቱዕ ነጐዳ ተወሊዱ። እዚ ድማ ሂወት ንምድሓን ዝተሓላለኸ መሳርሒ ሕክምና ግድን ከም ዘይኰነ ክርዳእ ገይሩኒ፡" ክትብል ኣና ትዝክር።

ብውልቂ ዘጋጠማ ጸገም ጥዕና

ኣና ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓታት ትሰርሕ ነይራ፣ እዚ ክትጻወሮ ዘፀግም እዩ።   

"ወርሓዊ ጽግያተይ ን18 ኣዋርሕ ኣይመፀን፡ ጸጕረይ ይረግፍ ነይሩ፡ ክብደተይ'ውን ኣንቆልቝሉ።"

ናብ ብሪጣንያ ምስ ተመልሰት ምስ መጻምዳ ክትረዳዳእ እንተፈተነት’ውን ኣይሰመረን፤ ብኡ ድማ ተፈላልዮም።

ሽዑ መሕረሲት ክትከውን ስልጠና ክትወስድ ወሲና።  

ናብ ሀይቲ ከይዳ ካብ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝተረፉ ሰባት ምስ ሓገዘት፡ ኣብ ባንግላድሽ ኩቱፓሎንግ ኣብ ዝተባህለ 30,000 ስደተኛታት ሮሂንግያ ዝነበርዎ መዓስከር ክትሰርሕ ተመዲባ።

ኣብ ማህፀን ዝሞተ ዕሸል ምውላድ

ኣና ኣብቲ ኣብ ባንግላድሽ ዝርከብ መዓስከር ዝተዋህባ ሓላፍነት፡ ምክትታል ጥዕና ደቀንስትዮን ወሊድን ዝምልከት ኰይኑ እዚ ድማ ጭንቀት ኣስዒቡላ እዩ።

ካብ መንጐ እዚኣቶም፡ ሓንቲ ዘይዕዉት ምንጻል ጥንሲ ዘካየደት ኣደ ከተድሕን ብዙሕ እንተጸዓረት'ውን ህይወት 'ታ ኣደ ዝሓለፈሉ ኣጋጣሚ ትዝክር።

ካብቶም ንሓያሎ ዓመታት ዘሳቐይዋ ተጓንፎታት እቲ ሓደ፡ ኣብ ማህፀን እንከሎ ህይወቱ ዝሓለፈ ዕሸል ምውላድ እዩ ነይሩ። ኣብ ማህፀን ሂወቱ ዝሓለፈ ዕሸል ምውላድ (destructive delivery) ማለት ዝተፈላለዩ መጥባሕቲታት ተጠቒምካ መጠን እቲ ዕሸል ክቕንስን ወሊድ ክቐልልን ምግባር እዩ።

"ማያ እትበሃል ኣደ ነይራ። ዕሸላ ኣብ ማህፀና ስለዝሞተ ከምኡ ክንገብር [destructive delivery ክነካይድ] መጠን ርእሲ ናይቲ ዕሸል ክንንኪ ነይሩና።"

"ዝዀነት ትዅን ኣደ ከምኡ ዓይነት ነገር ንኸየጋጥማ እትስፎ፣ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ።

"ብፍላይ ዝሓሸ ትካል ጥዕና ኣብ ዘይብሉ፡ እቲ ዕሸል ኣብ ማህፀን ከሎ ሂወቱ እንተሓሊፉ እዚ ምግባር ኣገዳሲ ይኸውን።"

 ኣስተንትኖ (Meditation)

ኣና እቲ ስራሕ ዘስዓበላ ስምዒታዊ መጕዳእቲ ስለ ዝኸበዳ፡ ናብ ብሪጣንያ ተመሊሳ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ መሕረሲት ኰይና።

ጥዑይ ህጻን ክተዋልድ እንከላ ግን፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ተዘክሮ ናብ ኣእምሮኣ እናመጽአ፡ ጕድኣት ተሰሚዕዋ። ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል'ኳ እንተ ነበረት ነቲ ኣብ ኩቱፓሎንግ ትሰርሖ ዝነበረት ኣብ ማህፀን ሂወቱ ዝሓለፈ ዕሸል ምውላድ ተዘኪርዋ።

"ንዝተወሰነ እዋን እቲ ኣብቲ መዓስከር ዝነበረ ትኪ ጨንዩኒ። ኣብ ደገ እቲ ክፍሊ መወልዳን ዝነበረ በረንዳ ዝናም ክወቕዖ ከሎ ዳርጋ ሰሚዐዮ። ንሓደ ወይ ክልተ ኻልኢት ጥራይ እዩ፡ ኣነ ግና ብሓቂ ፈሪሐ ነይረ፡" ትብል።

ናብ ማእከል ቡድሂስት ከይዳ ፍወሳ ጀሚራ።

"ኣብቲ እዋን እቲ ምስ በጻሕኩ እንደገና ብኸመይ ከም ዝፍወስ ተማሂረ እየ፡" ትብል።

ምስ ሓወየት ንእሽቶ ጸባብ ጃልባ ዓዲጋ ንሓደ ወርሒ ኣብ ባንግላድሽ ዝርከባ መዋልዳን ክተሰልጠን ከይዳ።

ኣብ መዓልቲ መርዓኣ ዘጋጠማ ምኻድ ጥንሲ

ኣና ኣብ ባንግላድሽ፡ ዓሊ ምስ ዝበሃል መምህር ተራኺባ፤ ነዊሕ ከይጸንሐት ከኣ ጠኒሳ። ብታህዋኽ መርዓ እንተገበረት'ውን ኣብ መዓልቲ መርዓኣ ግን ጥንሳ ከይዱ።

ድሕር'ዚ እቶም መጻምዲ ናብ ኖቲንግሃም ተመሊሶም ክነብሩ ምስ ጀመሩ ኣና እንደገና ጠኒሳ።

ንሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ዝተገብረ ስሩዕ ስካን፡ ሓኻይም ኣብቲ ዕሸል ኣዝዩ ሳሕቲ ዘጋጥም ሕበጥ ሓንጐል ረኺቦም።

ኣና እቲ ዕሸል ብህይወት ዝተርፈሉ ዕድል ከም ዘየለ ምስተነገራ፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ብተፈጥሮ ንምውላድ ልቢ ዝሰብር ውሳነ ወሲና። ፋጥማ ዝተባህለት ጓል ድማ ወሊዳ።

"ክሳብ ሎሚ ካብ ዝረኣኽዎም ቈልዑ እታ ኣዝያ ጽብቕቲ እያ ነይራ። ኣብ ኣፍ ልበይ ገይረ ጽቡቕ ሰዓታት ኣሕሊፈ እየ። ከም ዘይትሳቐ ስለ ዝፈለጥኩ ኵሉ ሳዕ የመስግን እየ።"

ሓዘን

ኣና ዝተፈላለየ ዓይነት ውልደትን ዘሕዝን ፍጻመታትን ርእያ'ኳ እንተነበረት፡ ውላዳ ምስ ሞተት ግን ብሓዘን ተዋሕጠት።

ኣናን ዓሊን ብሕሱም ሓዘንን ስንባደን ተዋሒጦም ናብ ባንግላድሽ ተመሊሶም።

ኣብ ሓጺር እዋን ድማ ጠኒሳ። ኣብዚ እዋን ግና ጥዕይቲ ጓል ተገላጊላ ኣይሻ ክትብል ሰይማታ።

ኣይሻ ሓሙሽተ ዓመት መሊኣ። ኣና ምስ ዓሊ ስለዝተፈላለየት ኣብ ብሪጣንያ ጓላ ንበይና እናዕበየት ትርከብ።  

"ኣብ ህይወታ እትገብሮ ምርጫ ብዘየገድስ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ውጥረት ከዕቍባ ኣይክእልን እየ። እንተዀነ ብኸመይ ክትዋጽኦም ከም እትኽእል ከም እንዘራረበሉ ተስፋ እገብር።"

ኣብ መዓልቲ 800 ሞት ኣደታት

ኣና ዘጋጠማ ብድሆ ሕጂ’ውን ከምዘለዎ እዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገልጾ ኣብ ሓደ መዓልቲ 800 ኣደታት ብሰንኪ ምስ ወሊድ ዝተተሓሓዘ ሕማማት ንሞት ይቃልዓ እየን።

ብኸቢድ ኲናትን ብ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ኣብ ዝተጸልዋ ሃገራት፡ ቈልዓ ምውላድ ሓደገኛ እዩ።

ኣብ ሃብታም ሃገራት ካብ 5,400 ኣደታት፡ ሞት ሓንቲ ኣደ ከም ዘጋጥም፣ ኣብ ድኻታት ሃገራት ግን እዚ ቝጽሪ 120 ዕጽፊ እዩ፤ ማለት ካብ 45 ኣደታት ሞት ሓንቲ ኣደ ከም ዘጋጥም መጽናዕቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።