እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ከተካይድ ጀሚራ
ሰዓብቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ምስ ሰበስልጣን ዘሎ ወጥሪ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሎሚ ሰኑይ ናይ ሰለስተ መዓልታት ተቓውሞ ጀሚሮም።
ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ሻሸመኔ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከምዝሞቱን ብዙሓት ካልኦት ቈሲሎም ከምዘለዉን ምስታ ቤተክርስትያን ምትእስሳር ዘለወን ማዕከናት ዜና ይሕብራ።
ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኦሮሚያ’ውን ግጭት ዝተራእየ ኰይኑ ኣብ ገለ ከባቢታት እቲ ክልል ሰዓብታ ብጅምላ ከምዝተኣሰሩ እታ ቤተክርስትያን ኣፍሊጣ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝለዓለ ኣካል ናይታ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ሲኖዶስ፣ ካብ ሎሚ ሰኑይ ንዝጅምር ጾም ነነዌ ምኽንያት ብምግባር ሰዓብቲ ምልክት ተቓውሞ ዝኾነ ጸሊም ክዳን ክኽደኑ ከምዝኣዘዘ ይዝከር።
መንግስቲ ነቶም ኣብቲ ክልል ብዘይ ኣፍልጦ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ዝተሸሙ ጳጳሳት ይሕግዝ ኣሎ ዝብል ክሲ ዘቕርብ እቲ ሲኖዶስ፡ ነዚ ተቓውሞ ከምዝፀውዐ ይፍለጥ።
እቶም ተፈልዮም ዝወጽኡ ኣቦታት ሃይማኖት ብወገኖም ኣብ ክልል ኦሮምያ ‘ኣዝዩ ሰፊሕ’ ደገፍ ከምዘለዎም ገሊጾም።
ቤትጽሕፈት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ ብዛዕባ ክስታት እታ ቤተክርስትያንን ምንቅስቓሳት ተቓውሞን ዝበሎ ነገር የለን።
ስሞም ዘይጠቐሶም ሓይልታት ግን ነታ ሃገር ንምፍራስ ፈቲኖም ከምዘይተዓወቱን ሕጂ ድማ ነቲ ጸገም ንምጕህሃር ይሰርሑ ከምዘለዉን ኣፍሊጡ።
ዛጊት ኣብ ከተማ ደሴ ከምኡ’ውን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተኻይዶም ኣለዎ።
ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ነታ ቤተክርስትያን ዘለዎም ደገፍ ኣብ ምግላፅ ዝርከቡ ኰይኖም ካልኦት ድማ ጸሊም ክዳን ተኸዲኖም ስእልታቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ምጥቃዕ ይርከቡ።
‘መጥቃዕትታት ይፍጸሙ ኣለዉ’
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ብቐዳም 27 ጥሪ 2015 [ግእዝ] ብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቦታት እምነትን ሰዓብቲ እምነትን መጥቃዕቲ ይወርድ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብዝወሰድዎ ስጕምትታት ድማ ኣብ ልዕሊ ኣባላት እታ ቤተ ክርስትያን መጕዳእቲ ህይወትን ኣካላትን ከምዘስዓበ ተገሊጹ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ መራሕቲ እምነትን ምእመናንን ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ስቅያትን ወጊዙ።
ሲኖዶስ ኣብ መግለጺኡ፡ ሕቶ ቤተክርስትያን መልሲ እንተዘይረኺቡ፡ ምእመናን ዝመጽእ ሰሙን ሰንበት 5 ለካቲት 2015 ኣብቲ በዓለ ጥምቀት ወይ መስቀል ዝበዓለሉ ኣደባባይ ወጺኦም ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ጸዊዑ።
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ሃገረ ስብከት ምዕራብ ኣርሲ፡ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ኣብ ዝርከብ ናይቲ ከባቢ ቤተክርስትያን ደብረ ስብሓት ቅዱስ ሚካኤል፡ “ንመንግስቲ ተደጊፎም እዮም” ብዝበሎም ውልቀሰባት ወራር ከምዝተፈተነ የመልክት።
ሽመትን ሳዕቤኑን
ኣብ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዘለዎም ሕቶ ብምቕራብ፡ ጳጳሳት ዝሸሙ መራሕቲ ሃይማኖት ኣቡነ ሳዊሮስ፡ ኣቡነ ዜና ማርቆስን ኣቡነ ኣዎስጣጤዮስን እዮም።
‘ብቋንቋ ኣደ ክንምህር ኣይከኣልናን’፣ ‘እቲ ሲኖዶስ ካብ ሓደ ከባቢ ጥራይ ብዝመጽኡ ሰባት ዝቘመ እዩ’ ዝብሉ ቅርታታት ከም ምኽንያት ናይቲ ስጉምቶም ይጠቕሱ።
እዚ ድማ ብዙሓት ሰዓብቲ እቲ እምነት ካብ ቤተ ክርስቲያን ክርሕቝ ይገብር ከምዘሎ ወሲኾም ገሊጾም።
ነዚ መበገሲ ብምግባር ስርዓት ቤተክርስትያን ዝጠሓሰ እዩ ብዝተበሃለሉ ስጕምቲ፡ 26 ጳጳሳት ብምሻም ዝበዝሑ ናብ ክልል ኦሮምያ ውሱናት ድማ ናብ ከባቢታት ክልል ደቡብ መዲቦምዎም ኣለዉ።
ሓደ ካብቶም ኣቦታት ግን ካብዚ ውሳነ ተነጺሎም ይቕሬታ ብምሕታት ከምዝተመልሱ ይግለጽ።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብዘይ ፍቓደይ ተዋሂቡ ንዝበለቶ ሽመት ጳጳሳት ስዒቡ ብ18 ጥሪ 2015 [ግእዝ] ውሳነ ከምዘሕለፈት ይዝከር።
ብፓትሪያርክ ዝምራሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ድማ፡ ጳጳስነት ዝሃቡን ዝተቐበሉን ኣቦታት ካብ ቤተ ክርስቲያን ተወጊዞም ክውገዱ ወሲኑ።
በዚ መሰረት ንኣባ ሳዊሮስን፡ ኣባ ኣዎስጣጤዎስን ኣባ ዜና ማርቆስን ካብ ዲቝና ጀሚሩ ዘሎ ስልጣነ ክህነቶም ብምልዓል ከውግዝ እንከሎ፡ ነቲ ዘይሕጋዊ ሽመት ዝተቐበሉ 25 መነኮሳት ድማ ካብ ናይ ቤተክርስትያን ሓድነታዊ ጉባኤ ተፈልዮም ክውገዙ ፈሪዱ።
ነዚ ውሳነ ስዒቡ፡ እቶም ኣብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ንዘሎ ቀኖናን ሕግታትን ጥሒሶም ብዝብል ውግዘት ዝበጽሖምን ንኽንጸሉ ዝተፈረዶምን ኣቦታት ነቲ ውሳነ ከምዘይቕበልዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ።