እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባርዕ ጫካ ሎስ ኣንጀለስ፡ ንግዳያት ትሕግዝ ዘላ ትውልደ ኢትዮጵያዊት
ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ተላዒሉ ዘሎ ባርዕ ጫካ፡ ክሳብ ሕጂ ምኽንያት ሞት 24 ሰባት ኰይኑ ኣሎ።
ካብዚ ብዝሰገረ ካልኦት 16 ሰባት ደሃዮም ከም ዘይተረኽበ ሰብ-መዚ ገሊጾም።
ኣብ ሎስ ኣንጀለስ፡ ብምኽንያት እቲ ባርዕ ጫካ ኣስታት 180 ሽሕ ነበርቲ ካብ ቤት ንብረቶም ክለቁ መምርሒ ተዋሂቡዎም'ዩ።
ኣስታት 200 ሽሕ ነበርቲ ድማ ካብቲ ከባቢ ንኽርሕቁ ተዳለዉ ዝብል መጠንቀቕታ በጺሑዎም ኣሎ።
ነባሪት ሎስ ኣንጀለስ ትውልደ ኢትዮጵያዊት ትእግስት በላይ፡ ብሰንኪ እቲ ባርዕ ሓዊ ግዳያት ንዝዀኑ ነበርቲ ሓገዝ ይገብሩ ካብ ዘለዉ ሰባት ሓንቲ እያ።
ብተበግሶኣ፡ ምስ ክልተ ደቃ ብምዃን፡ "ማይ፡ መናጽሂ፡ ዳይፐር ህጻናትን ንእሽቶ ረድኤት መድሃኒትን ሂበ ኣለኹ፡" ትብል።
በዚ መንበሪ ኣባይትን ትካላትን ዘዕኑ ዘሎ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣመና ከም ዘይተሃስየ ትዛረብ።
"እቲ ባርዕ ሓዊ ብብዝሒ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝነብርሉ ኣይኰነን ዘሎ፡" ትብል።
ኣብ ታሪኽ ሎስ ኣንጀለስ ኣዝዩ ዝኸፍአ ዝተባህለ ባርዕ ሓዊ ፖሊሳደስ፡ 5300 መሰረተ-ልምዓታት ኣዕንዩ ኣሎ።
እቲ ኢተን ዝተባህለ ባርዕ ሓዊ ድማ ካብታ ከተማ ውጽእ ኢሎም ዝርከቡ ሓሙሽተ ሽሕ ትሕተ-ቅርጺ ኣዕንዩ።
ኣኩዌዘር ዝተባህለ ትካል ትንበያ፡ ካብቲ ባርዕ ሓዊ ዝስዕብ ፋይናንሳዊ ክሳራታት ካብ 250 ቢልዮን ክሳብ 275 ቢልዮን ዶላር ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።
ትእግስት እትነብረሉ ከባቢ፡ ካብቲ ባርዕ ሓዊ ዝተኸሰተሉ ርሕቕ ዝበለ እዩ።
ናይ ስራሕ ቦታኣ ግን ናብኡ ዝቐረበ ምዃኑ ትጠቅስ።
"እቲ ሓዊ ናብኡ ገጽ የምርሕ ነይሩ፣ ክቈጻጸርዎ ግን ክኢሎም ኣለዉ። እቲ ባርዕ ብልደት [ሓበሻ] ካብ ቤተክርስትያን ኣብ እንምለሰሉ ዝነበርና እዋን እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ ሃብታማት ዝነብርሉ ማሊቡ ስለ ዝጀመረ ናብዚ ክበጽሕ'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረናን፡" ብምባል እቲ ባርዕ ሓዊ ዝጀመረሉ ኵነታት ትዝክር።
ብምኽንያት እዚ ባርዕ ሓዊ፡ ናይ ንግዲ ትካሎም ዝተሃስየ ኢትዮጵያውያን እኳ እንተ`ለዉ፡ ብሰንኩ ዝሞተ ሰብ ከም ዘየሎ ግን ትዛረብ።
"ብሰንኪ እዚ ሓዊ ዝሞተ ሓበሻ ኣይፈልጥን፣ ምናልባት ዝሓመሙ ክህልዉ ይክእሉ'ዮም። ኣብ ልዕሊ ንብረቶም ጕድኣት ዝበጽሖም ሒደት ኢትዮጵያውያን ኣለዉ። ገሊኦም ገዝኦም፡ ገሊኦም ድማ ናይ ንግዲ ትካሎም'ዩ ተሃስዩ"።
ባርዕ ጫካ ሎስ ኣንጅለስ፡ ልዕሊ 137 ሽሕ ሰባት ክመዛበሉ ገይሩ ይርከብ።
ክኢላታት ትንበያ ኵነታት ኣየር ካሊፎርንያ፡ እቶም ኣብ ከባቢ ሎስኣንጀለስ ዘሰክፍ ባርዕ ጫካ ዘስዓቡ ደርማስ ንፋሳት ኣብዚ ሰሙን'ውን ዳግማይ ክለዓሉ ትጽቢት ከምዘሎ የጠንቅቑ ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ሰለስተ ባርዕ ጫካታት ኣብ ምቍጽጻር ገስጋስ የርእዩ ኣለዉ።
ሰበስልጣን፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ብተዛማዲ ሃዲኡ ዝነበረ ኣዕናዊ ደረቕ ንፋሳት 'ሳንታ ኣና'፡ ካብ ሰንበት ምሸት ክሳብ ረቡዕ መሊሱ ክለዓል ምዃኑን፡ ክሳብ 96 ኪ.ሜ ኣብ ሰዓት ዝበጽሕ ፍጥነት ክህልዎ ከም ዝኽእልን ኣጠንቂቖም።
እቲ ንፋስ ቅድሚ ምብራኹ፡ ዝርግሐ ናይቶም ኣብ ተጻረርቲ ጫፋት እታ ከተማ ዝነዱ ዘለዉ ኣዕነውቲ ባርዓት ሓዊ ፓሊሳደስን ኢተንን ደው ኣብ ምባል ገለ ምዕባለታት ተራእዩ ኣሎ።
"ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ ሓዊ፡ ህይወት ሰባት ንምድሓን ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ። ትጽቢት ኣብ ዘይተገብረሉ እዋን ስለ ዝተላዕለ ግን፡ ብዙሓት ሰባት ኣይኰነን ኣቕሓ ኣገደስቲ ሰነዳቶም ሒዞም ክወጽኡ ኣይከኣሉን፡" ትብል ትእግስት።
ወሲኻ፡ "ኣዝዩ ዘሰንብድ ኵነታት'ዩ ዘሎ። ኣብ ብዙሓት ዝተዓዘብኩዎም ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ዋላ ሓደ ዝተረፎም ነገር የሎን፡" ብምባል እቲ ኵነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ ከም ዘሎ ኣብሪሃ።
ኣብ ዙርያ ሎስኣንጀለስ ዝርከባ ሰለስተ ከባቢታት፡ በቲ ባርዕ ሓዊ ዝተሃስያ ኰይነን ትእግስት ምስ ደቃ ብምዃን ንግዳያት ሓገዝ ከም ዝገበረት ትዛረብ።
ክሳብ ሕጂ፡ "ዝተሃሰዩ ኢትዮጵያውያን ኣይረኸብኩን፣ ኣብዚ ንዘለዉ ኣመሪካውያን እየ ዝሕግዝ ዘለኹ።"
ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረብርሃንን ካልኦት ከባቢታትን ሓገዝ ብምሃብ ትፍለጥ።
ሕጂ'ውን፡ ኣብ ከባቢ ወሎ ብጥምየት ንዝተሃስዩ ሰባት ሓገዝ ንምሃብ ሓደ ትካል መስሪታ ኣላ።
"ሰብ ስለ ዝጓየ፡ ሕጽረት መግብን መድሃኒትን የለን። ኣብ ክንድኡ ማይ ልዕሊ ዓቐን ኰይኑ መኽዝን ስለ ዝስኣንኩ መሊሰዮ። ዝያዳ ንህጻናት ዝኸውን መግብን መናጽህን የድሊ ስለ ዝነበረ ግን ንዕኡ ክበጽሕ ገይረ ኣለኹ" ኢላ።
ብዙሕ ሰብ ንኽትሓጋገዝ ከም ዝመጽእ እትጠቅስ ትእግስት፡ "እዝን ኣብ ደብረብርሃን ዘሎ ኵነታትን ብምንጽጻር ስምዒታዊ ክኸውን ገይሩኒ፡" ኢላ።
ኣመሪካ፡ ደቃ ተወሊዶም ዝዓበይሉ ሃገር ስለ ዝዀነ ብዓቕማ ክትሕግዝ ከም ዝተበገሰት ድማ ትዛረብ።
ትውልደ ኢትዮጵያዊት ኣመሪካዊት ትእግስት፡ ቅድም ኢሉ ክኢላ ቅዲ [ፋሽን ዲዛይነር] እያ ነይራ።
ሕጂ ድማ ኣብ ሎስኣንጅለስ ናይ ባዕላ ትካል ንግዲ ተመሓድር።
"ኵሉ ሰብ ጸገም ከጋጥም እንከሎ ክተሓጋገዝ ይግባእ፡" እትብል ትእግስት፡ መብዛሕትኦም በቲ ባርዕ ጫካ ዝተሃስዩ ሰባት ጽቡቕ መነባብሮ ዝነበሮም እኳ እንተዀነ፡ "ኣብ ሓደ መዓልቲ ግን ቤት ኣልቦ ኰይኖም፡" ትብል።
ብዂናት ሓድሕድን ጥምየትን ዝሞቱ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ንምሕጋዝ ድማ ዜጋታት እታ ሃገር [ ኢትዮጵያ] ጻዕሪ ክገብሩ ትላቦ።
ኣብቲ ሰፊሕ ከባቢ ካሊፎርንያ ኣርባዕተ ባርዕ ሓዊ ይነድድ ከም ዘሎ ሰበስልጣን መጥፋእቲ ሓዊ ካሊፎርንያ ገሊጾም።
ፓሊሳደስ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ዝተላዕለ ናይ መጀመርታ ባርዕ ሓዊ ኰይኑ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ግዝኣት እቲ ዝዓበየ ኣዕናዊ ባርዕ ክኸውን ይኽእል።
ልዕሊ 22,660 ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ኣቃጺሉ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ ልዑል ዕዳጋ ዘለዎ ከባቢ ፓሲፊክ ፓሊሳደስ ዝሓወሰ እዩ።
ክሳብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዘሎ ግዜ 11 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ንምቍጽጻሩ ተኻኢሉ ዘሎ።
ኢተን፡ እዚ ንሰሜናዊ ክፋል ሎስ ኣንጀለስ ዝሃሰየ ኣብ ከም በዓል ኣልታዴና ዝኣመሰሉ ከባቢታት ዝነድድ ዘሎ ሓዊ እዩ።
ኣብቲ ከባቢ ካልኣይ ዝዓበየ ባርዕ ኰይኑ፡ ኣስታት 14 ሽሕ ሄክታር መሬት ኣቃጺሉ ይርከብ። 15 ሚእታዊት ናይዚ ባርዕ ከኣ ንምቍጽጻሩ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሃርስት፡ እዚ'ውን ብሰሉስ ዝተላዕለ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ሳን ፈርናንዶ ንሰሜን ቍሩብ ርሒቑ ይቃጸል ኣሎ።
ዝርግሐ እዚ ሓዊ ናብ 799 ሄክታር ዓብዩ'ኳ እንተ ነበረ፡ ክሳብ ሕጂ 76 ሚእታዊት ንምቍጽጻሩ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኬነት፡ እዚ ባርዕ ሓዊ ብሓሙስ ኣብ ዶብ ምምሕዳራት ሎስ ኣንጀለስን ቨንቸራን እዩ ተላዒሉ።
ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 1052 ሄክታር ሸፊኑ ይርከብ። ሰብ-መዚ፡ ገስጋስ'ዚ ሓዊ ደው ከም ዝበለን 80 ሚእታዊት ከም ዝተቘጻጸሩዎን ገሊጾም።
በዚ ዝስዓበ ዕንወት ኣባይቲን ካልኦት መሰረተ-ልምዓታትን ከም ዘየሎ ይገልጹ።
ንኻልኦት ከም ኣርቸር፡ ሳንሰት፡ ሊድያ፡ ውድሊን ኦሊቫስን ዝተባህሉ ባርዓት ድማ ክዓግቱዎም ክኢሎም።