እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሽረ እንዳስላሴ፡ 17 ሰባት ግዳይ ዝገበረ ናይ ኢድ ቦምባ መንቀሊኡ እንታይ'ዩ?
ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት ሓደ ፈረቓን [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ቀበሌ 05 ሓረግ መናፈሻ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ መዘናግዒ ማእከል ናይ ኢድ ቦምባ ተደርብዩ 17 ሰባት ቀሊልን ከቢድን መጉዳእቲ ከምዘጋጠሞም ቢቢሲ ካብ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ እታ ከተማ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ግዳያት እቲ ሓደጋ መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት እቲ መናፈሻ ከምዝኾኑ ዝሓበረ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ሽረ እንዳስላሴ ኣቶ በሪሁ ኣይዳይ፡ ካብኣቶም እቶም ሰለስተ ከቢድ ጉድኣት በጺሕዎም ናብ ሆስፒታል ኣትዮም ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ካብቶም ግዳያት ሓንቲ ሰራሕተኛ ሓረግ መናፈሻ ክትከውን እንከላ ነብሰጾር ከምዝኾነትን ብዝተገበረላ ሕክምና ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዘለ'ውን ምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።
መንቀሊ እቲ ሓደጋ እንታይ'ዩ?
ወናኒ ሓረግ መናፈሻ ኣቶ በራኺ ሓጎስ፡ ኣብቲ ቦታ ንብርክት ዝበለ ዓመታት ከምዝሰርሐ ንቢቢሲ ዝሓበረ ንድሕንነቱ ክንብል ሽሙ ክንጠቕሶ ዘይንኽእል ናይ ቀረባ ቤተሰብን ምስክር ዓይንን፡ "ሓደ መንነቱ ዘይፈለጥናዮ ሰብ ብተደጋጋሚ ናብቲ በዓል ዋና እናደወለ 300 ሽሕ ብር ዘይትህበኒ እንተዄንካ ኣብታ መናፈሻ ቦምባ ደርብየ ህይወትካን ስራሕኻን ኣብ ሓደጋ ከእትዎ'የ" ይብሎ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።
ቅድሚ 3 ሰሙን ብ12 ጥሪ ዕለት 12 ብተመሳሳሊ ናብቲ በዓል ዋና ድሕሪ ተደጋጋሚ ናይ ገንዘብ ሃበኒ ደወል ኣብቲ ዝተጠቐሰ ዕለት፡ ናይ ኢድ ቦምባ ተደርብዩ ከምዝነበረን እንተኾነ ጉድኣት እንተይበጽሐ ናይ ጸጥታ ኣካላት ከምዝኣለይዎን እቲ ናይ ጸጥታ ሓላፊ ተዛሪቡ።
"ብ12 ጥሪ 2017 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ናይ ኢድ ቦምባ ተደርብዩ ተባሂሉ ምስተወደለለይ ባዕለይ ከይደ እየ እታ ናይ ኢድ ቦምባ ዘልዓልክዋ" ዝበለ ኣቶ በሪሁ ኣይዳይ ፖሊስ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብቲ ከባቢ ክትትል ይገብር ከምዝነበረ ሓቢሩ።
ናይ ቀረባ ቤተሰብን ኣብቲ ናይ ትማሊ ዘጋጠመ ሓደጋ'ውን ብኣካል ዝነበረን ምንጭና ብወገኑ "እቲ ሰብ ብደወልን መልእኽቲ ጸሑፍን ምፍርራሕ ምስጀመረ፤ ካብ ሽዑ ጀሚርና ናብ ፖሊስ ኣመልኪትና ኢና" ኢሉ።
ንሱ ኣስዒቡ "ቀንዲ ዕላማ እቲ ሓደጋ ዝፈጸመ ኣካል ዘይረሃጸሉ ገንዘብ ክወስድ ምድላይ'ዩ" ድሕሪ ምባል ዝኾነ ፖለቲካዊ ምትእስሳር ከምዘይብሉ ይገልጽ።
"እቲ ክወሃቦ ዝጽውዖ መጠን ገንዘብ ካብ 200 ሽሕ ክሳዕ 300 ሽሕ ኮይኑ ኣብ ህልም ዝበለ በረኻ ክወሃቦ'ዩ ዝጠልብ። እቲ ሰብ ናብቲ መናፈሻ ኣታውን ወጻእን ከምዝኾነ መዓልታዊ ኮነ ወርሓዊ እቶት ናይቲ መናፈሻ እንከይተረፈ ጠቒሱ'ዩ ዝሓትት ዘሎ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
"እተን ገንዘብ ዘይትህበኒ እንተኾይንካ ኣይ ዓሚል ኣይ ገንዘብ ኣጎላጉል ክትተርፍ ኢኻ" ኢሉ ከምዘፈራርሖ ዝገልጽ ምንጪ ቢቢሲ ፡ እቲ ጉዳይ ፖለቲካዊ መልክዕ ኣትሒዞም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝጽሓፉ ዘለዉ ሓበሬታታት ጌጋ'ዩ ኢሉ።
ሓላፊ ጸጥታ እታ ከተማ ኣቶ በሪሁ ኣይዳይ ብወገኑ መንቀሊ እቲ ሓደጋ "ናይ ገንዘብ ምድላይ ዝወለዶ ተግባር'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ኩነታት ምስተኸሰተ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ቦታ ተላኢኾም ምርመራን ፈተሻን ከምዝገበሩ ተዛሪቡ።
እንተኾነ መንነት ናይቲ ሓደጋ ኣብጺሑ ዝበሃል ዘሎ ወዲ ዘይተፈለጠሉ ምኽንያት ኢትዮ ተሌኮም ክተሓባበር ፍቓደኛ ብዘይ ምዃኑ'ዩ ዝበለ ኣቶ በሪሁ "ቅድሚ እቲ ኵናት ከምዚ ዝበለ ተሌፎን ተጠቒምካ ዝካየድ ናይ ገንዘብ ሃቡና ምፍርራሕ ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ተሓባቢርና ቦታን መንነትን ናይቲ ዘፈራርሕ ኣካል ብቐሊሉ ፈሊጥና ኣብ ቀይዲ ነእትዎም ኔርና" ኢሉ።
በዚ ምኽንያት ምርመራ ናይቲ ሓደጋ ዘብጽሐ ኣካል ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ ጸጥታ ቅድሚ ሕጂ ተመሳሳሊ ገበናት ናብ ቤት ጽሕፈቱ ቀሪቡ እንተነይሩ ሓቲትናዮ ኔርና።
ንሱ "ንኤርትራውያን ሒዞም እዚ ዝኣክል መጠን ገንዘብ እንተዘይኣምጺኡኹም ኣይንሰደኩሙን ኢሎም ዝደራደሩ ገበነኛታት ከምዘለዉ ናባና ሪፖርት ይግበር ነይሩ'ዩ። እንተ ናብ ሰብ ሃፍቲ ደዊልካ ገንዘብ እንተዘይሂብካኒ ናብ ንግዲ ትካልካ ቦንብ ክድርቢ እየ ግን ቦኽሪ እዝናና'ዩ ዝኸውን ዘሎ" ኢሉ።
ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኢንስፔክተር ኣወጠሀኝ መሰለ ድማ፡ በቲ ገበን ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ምርመራ ይገብር ከምዘሎ ንድምጺ ወያነ ሓቢሩ ኣሎ።