እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ: ብዘጋጠመ ምጥሓል ሳብማሪን ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም
በጻሕቲ ሃገር ዝጸዓነት ሳብማሪን (ትሕቲ ባሕሪ እትኣቱ መርከብ) ኣብ ግብጺ ጥቓ ከተማ ሁርጋዳ ኣብ ዝርከብ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምጥሓላ ሽዱሽተ ሩስያውያን ሞይቶም።
እታ ሳብማሪን ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 10፡00 (08፡00 GMT) ድሕሪ ምጥሓላ፡ ካልኦት 39 ሰባት ምድሓን ከም ዝተኽኣለ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
ትሽዓተ ዝቘሰሉ ኰይኖም ካብኣቶም እቶም ኣርባዕተ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኵነታት ከም ዘለዉ ይንገር።
ካብቶም ዝሞቱ እቶም ክልተ ህጻናት ምዃኖም ማዕከን ዜና ሩስያ ታስ ንሓደ ብዓል ስልጣን ሩስያ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።
ጠንቂ ናይቲ ፍጻመ እንታይ ከም ዝዀነ ዛጊት ኣይተፈልጠን። ሰብመዚ ምጽራይ የካይዱ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መርከብ በጻሕቲ ክትጥሕል እዚ ካልኣይ ፍጻመ እዩ። ኣብ ሕዳር ኣብ ጥቓ ማርሳ ኣላም ጃልባ ምስ ተገልበጠት ደሃዮም ዝጠፍኡ 11 ሰባት ሞይቶም ተባሂሎም ይግመት።
እታ ሳብማሪን ንሓያሎ ዓመታት ከም ናይ በጻሕቲ ሳብማሪን ኰይና ክትሰርሕ ምጽንሓ ተፈሊጡ'ሎ።
ነዚ መገሻታት ዘካይድ ትካል፡ መራኽቡ ንተጓዓዝቲ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ሁርጋዳ ዘሎ ዓሚቝ ክፋል ባሕሪ ክርእዩ ጕዕዞታት ከም ዘሳልጣ ሓቢሩ።
ኣመሓዳሪ ቀይሕ ባሕሪ ዓምር ሃናፊ፡ እቶም ኣብታ መርከብ ዝተሳፈሩ 45 ሰባት ካብ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ኖርወይን ሽወደንን ምዃኖም ገሊጹ። ሓሙሽተ ግብጻውያን ኣባላት እታ መርከብ እውን ኣብታ መርከብ ነይሮም።
ሃናፊ፡ እቶም ዝሞቱ ሽዱሽተ ሩስያውያን ምዃኖም ኣነጺሩ።
ክልተ ሰብ ሓዳር ሓካይም ካብቶም ዝሞቱ ክዀኑ ከለዉ፡ ደቆም ድማ ኣብ ሆስፒታል ከም ዝርከባ ሰብመዚ ገሊጾም።
መርመራ ናይቲ ፍጻመ ይቕጽል እኳ እንተ'ሎ፡ ማሕበር ኣካየድቲ መገሻታት ቱሪዝም ሩስያ ግን ኣብ ቴለግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እታ ሳብማሪን ምስ ውሽጣዊ ኣካል ባሕሪ ከም ዝተላተመት ኣመልኪቱ።
ወናኒ እታ ሳብማሪን ዝዀነ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ዑደታቱ ተጓዓዝቲ ክሳብ 25 ሜትሮ ትሕቲ ማይ ክጓዓዙ የፍቅድ።