ባይደን፡ ካብ ዳግመ መረጻ ኣመሪካ ዘንሰሓበሉ ምኽንያት ተዛሪቡ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዲሞክራት ብዛዕባ ዳግም ኣብ መረጻ ኣመሪካ ሕጹይ ኰይኑ ምቕራቡ ዝምልከት ዝለዓል ዝነበረ ወጠጥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰልፊ “ምዝንባል” ንኸይፈጥር ብምስጋእ ካብቲ መረጻ ከም ዘንስሓበ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ 3 ሕዳር 2024 ዝካየድ መረጻ ምብዳህ ወይ ምስዓር ድማ ልዑል ቀዳምነት ዝህቦ ነገር ምዃኑ ተዛሪቡ።

ወዲ 81 ዓመት ባይደን፡ ካብቲ ዳግመ መረጻ ከም ዝሰሓበ ካብ ዝገልጽ ንደሓር ኣብ ዝሃቦ ፈላማይ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ ጥዕናኡ “ከቢድ ጸገም ከም ዘይብሉ” ገሊጹ።

ኣብቲ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ዘካየዶ ፈላማይ ክትዕ ዘርኣዮ ድኹም ብቕዓት ኣብቲ እዋን ተጸሊእዎ ብምንባሩ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብዛዕባ ዕድመኡን ኣእምሮኣዊ ንቕሓቱን ዝለዓል ዝነበረ ስክፍታታት ድማ ሞጒቱ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ምኽትሉ ካማላ ሃሪስ ክትምረጽ ከም ዝጕስጕስ ብምግላጽ፡ “ኣነ ክሕግዞ ዝኽእል ነገር ኣሎ ኢላ ትሓስብ እንተዀይና” ክሕግዝ እየ ኢሉ።

ባይደን ኣብቲ ንሲቢኤስ ኒውስ ዝሃቦ ቃለ መሕትት፡ “ንትራምፕ ናይ ግድን . . . ናይ ግድን ክንስዕሮ ኣለና” ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ሕጹይ ፕረዚደንት ዲሞክራት ኰይኑ ኣብቲ ጐስጓስ መረጻ እንተዝቕጽል ነይሩ ከጋጥም ይኽእል’ዩ ብዛዕባ ዝበሎ ጸገማት ጠቒሱ ኣሎ።

“ኣብ ባይቶን ሰነትን ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ [ኣባላት] ዲሞክራት ኣብቲ መረጻ ክሃስየና’ዩ ኢሎም ሓሲቦም። ኣብቲ ውድድር እንተጸኒሐ ድማ፡ እቲ ዛዕባ ንሱ’ዩ ክኸውን ዝብል ኣተሓሳሲቡኒ፤ ኣብ ቃለ መጠይቕ፡ ናንሲ ፔሎሲ ከምዚ ኢላ . . . ኵስቶ ከምዚ’ዩ ኢሉ . ። . እናበልካ ትሓተኒ ምሃለኻ” ኢሉ።

ድሕሪ’ቲ ባይደን ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብ27 ሰነ 2024 ዘካየዶ ፈላማይ መድረኽ ክትዕ ዘርኣዮ ብቕዓት፡ ኣፈኛ ባይቶ ነበር ናንሲ ፔሎሲ፡ ጆ ባይደን ካብቲ ዳግመ መረጻ ንምእላይ ዝግበር ዝነበረ ጸቕጢ ዝመርሐት ብሰፊሑ ይግለጽ - እዚ ንሳ’ውን ዘይነጸገቶ ክሲ’ዩ።

ኣብቲ ብሰንበት ዝተፈነወ ቃለ መሕትት፡ ባይደን ብዙሕ ግዜ ጌጋታት ይዛረብ’ኳ እንተነበረ፡ ብሓፈሻ ግን ካብቲ ብቐጥታ ብተሌቪዥን ዝቐርብ ዝነበረ ክትዕ ዝያዳ ዝሓሸ ይመስል ነይሩ።

ኣብ እዋን እቲ ክትዕ ዘመዝገቦ ድዅም ኣፈጻጽማ፡ ተጸሊኡዎ ብምንባሩ ከም ዝዀነ ክገልጽ እንከሎ፡ ቅድሚኡ እውን ናይ ጕዕዞ ድኻምን ዕረፍቲ ምስኣንን ከም ምኽንያት ጠቒሱ ነይሩ።

ንሱ ካብቲ ዳግመ መረጻ ከንሳሕብ ጸቕጢ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ክኣ፡ ብ21 ሓምለ ካብቲ ውድድር ከም ዝወጽእ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምኽትሉ ካማላ ሃሪስ ሕጽይቲ ፕረዚደንት ዲሞክራት ኰይና ኣብቲ መረጻ ክትወዳደር ምድላዋት ትገብር ኣላ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ 2020 ንዋይት ሃውስ ክወዳደር እንከሎ ንቐጻሊ ወለዶ ድልድል ክኸውን ከም ዝሓሰበ ገሊጹ።

“መጀመርታ ግዜ ክወዳደር እንከለኹ፡ ንነብሰይ ከም ናይ መሰጋገሪ ፕረዚደንት እየ ዝሓስባ ነይረ። ዕድመይ ክንደይ ምዃኑ'ውን ክዛረብ ኣይክእልን እየ፤ ካብ ኣፈይ ከውጽኦ ይኸብደኒ'ዩ”።

ባይደን ናብቲ ኣንጻር ትራምፕ ክወዳደር ዝወሰነሉ ህሞት ዘልዓለ ኰይኑ -ብ2017 ኣብ ሻርሎትስቪል ቨርጂንያ ዝተኻየደ ምትእኽኻብ ሕሉፍ የማናውያን ደለይቲ ፍትሒ ናብ ዓመጽ ተቐይሩ ዝነበረ፡ ትራምፕ ንዓሌታውያንን ሕሉፍ የማናውያንን ኣተባቢዑ ክብል ከሲሱ።

“ወትሩ ‘ኩ ክሉክስ ክላን’ ኣብ ዝሳተፍሉ እዋን መንነቶም ንኸይፍለጥ ይሓብኡ ነይሮም። ኣብ እዋን ፕረዚደንትነቱ ግን፡ መሓዛ ከም ዘለዎም ፈሊጦም፤ ጕልባቦም ቀሊዖም ወጺኦም”።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ጸገማት ከጋጥሙ ከም ዝኽእሉ ስክፍታታት ከም ዘለዎ ብምሕባር፡ ካማላ ሃሪስ ንትራምፕ እንተስዒራቶ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ክህሉ’ዩ ዝብል “ርእሰ ምትእምማን የብለይን” ኢሉ።

ኣስዒቡ ድማ ትራምፕ ኣብቲ ምርጫ እንተተሳዒሩ ዓመጽ ከይፍጠር ስክፍታ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

“እቲ ዝብሎ ናይ ልቡ’ዩ። [ትራምፕ] ሓቀኛ ስግኣት ሓደጋ ድሕነት ኣመሪካ’ዩ” ክብል ነቒፉ።

ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብቲ መረጻ እንተተሳዒሩ “ኣብታ ሃገር ደም ምፍሳስ” ክህሉ’ዩ ምባሉ ይዝከር።

ይዅን’ምበር ጕጅለ ጐስጓስ ትራምፕ፡ እቲ ዝሃቦ ርእይቶ ካብ ዓውዲ ወጻእ ከም ዝተወስደ ብምግላጽ ንቍጠባን ኢንዱስትሪ መካይንን ኣመልኪቱ ዝሃቦ’ዩ ክብል ብተደጋጋሚ ተኸላኺሉ።

ብተመሳሳሊ፡ ትራምፕ ዋላ’ውን መርትዖ እንተዘይኣቕረበ ኣብቲ ብ2020 ዝተኻየደ መረጻ ምትላል ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ ሕጂ’ውን “ናይ ምትላል” ፈተነታት ከም ዝህሉ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ኣመሪካ ናዕቢ ብምፍጻሞም ዝተፈርዱ ሰባት ድማ ንገሊኦም ወይ ንዅሎም ምሕረት ክገብረሎም ከም ዝዀነ ድማ ተመጻቢዑ።