እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰለስተ ሰባት ዝቐተለ ውልቀሰብ፡ ‘ዓሌታዊ ሓተታታት ጽሒፉ ነይሩ’
ኣብ ፍሎሪዳ ብዓሌታዊ ጽልኢ ተለዓዒሉ ሰለስተ ሰባት ዝቐተለ ውልቀሰብ፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ሰባት ዝነበሮ ጽልኢ ጽሒፉ ነይሩ ክብል ፖሊስ ኣፍሊጡ።
እቲ ርያን ክሪስቶፈር ፓልምተር ዝተባህለ ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ጃክሶንቪል ኣብ መኪና ኰፍ ኢላ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ 11 ግዜ ጥይት ድሕሪ ምትኳስ: ናብ ሓደ ድኳን ኣትዩ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክልተ ሰባት ተኲሱ።
ድሕሪኡ፡ እቲ ሽጉጥ ናብ ርእሱ ከም ዘቕንዖ ፖሊስ ሓቢሩ።
ከንቲባ ዶና ዲጋን እቲ መጥቃዕቲ ብዓሌታዊ ጽልኢ ዝተበገሰ “ጽልኢ ዝመልኦ ገበን’ዩ” ኢላ።
ፖሊስ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ውልቀሰብ ቅድሚ ሕጂ ዝዀነ ዓይነት ገበን ፈጺሙ ከም ዘይፈልጥን ምስ ስድርኡ ኣብ ዞባ ክለይ ይነብር ምንባሩን ገሊጹ።
ፓልሜተር፡ ንስድርኡ፣ ንሚዲያን ሓይልታት ጸጥታ ፌደራልን ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዘለዎ ጽልኢ ዘንጸባርቑ ብርክት ዝበሉ ሓተታታት ኣፋልዩ ምንባሩ’ውን ኣመልኪቱ።
እዚኦም፡ ኣዝዮም ዘሰክፉ ስነ ሓሳባት ጽልኢ እቲ ተዃሲ ብዝርዝር ዝገልጹ’ዮም።
እዚ መጥቃዕቲ ብዓሌታውነት ተለዓዒሉን ጸለምቲ ሰባት ይጸልእ ነይሩን” ዝበለ ፖሊስ “እቲ ጽሑፋት ብግልጺ መዘክር ጽሉል ሰብኣይ” ዝነበረ’ዩ ኢሉ።
ፖሊሲ ወሲኹ “እንታይ ይገብር ከም ዝነበረ ይፈልጥ’ዩ፤ ሚኢቲ ሚኢታዊት ጥዑይ’ዩ። እንታይ ይገብር ከም ዝነበረ ይፈልጥ’ዩ፤ ሓደ ሰብ ንኻልእ ንምጉዳእ ክንድ’ዚ ዝኣክል ርሕቐት ዝኸይድ ምዃኑ ክኣ ኣዝዩ የሕዝን” ብምባል ገሊጹ።
እቲ ውልቀሰብ ኣብ 2017፡ ብመሰረት ሓደ ሰብ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ሓገዝ ንክረክብ ክእሰር ብዘፍቅድ ‘ባከር ኣክት’ ን72 ሰዓታት ተኣሲሩ ምንባሩ ሓበሬታ ፖሊስ ይጠቅስ።
እቲ ሽጕጥ ድማ፡ ብሕጋዊ መገዲ ዓዲጕዎ ዝጸንሐ እዩ።
እቲ ጸገም ክኣ ኣብ ዕዳጋ ሽጕጥ ምህላው ዘይኰነ እቲ ውልቀሰብ “ሕማቕ ሰብ” ስለ ዝዀነ ጥራይ ዝፈጸሞ’ዩ ክብል ፖሊስ የረድእ።
ፖሊስ ኣብ ዘቕረቦ ቅዳሕ ምስሊ ናይ ድሕነት ካሜራ (ሲሲቲቪ) ካብቲ ድኳን ገለ ሰባት ብዘይ ዝዀነ ጸገም ኣውጺኡ ክሰዶም የርኢ።
“ስለ ምንታይ? ኣይፈልጥን። ገሊኦም ጽዓዱ’ዮም ነይሮም፤ ግን ድማ ጸዓዱ ዘይኰኑ መጻምዲ ነይሮም’ዮም”።
ቤት ጽሕፈት ፍትሒ፡ እዚ መጥቃዕቲ ገበን ጽልኢ ድዩ ብዓሌታውነት ዝተለዓዓለ ጐነጻዊ ሕሉፍነት የጻሪ ምህላው ተገሊጹ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቓ ታሪኻዊ ዩኒቨርሲቲ ጸለምቲ ኤድዋርድስ ዋተርስ ዝተፈጸመ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣቐዲሙ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ምኻዱን ኣካላት ጸጥታ መንነቱ ከርኢ ምስ ሓተቱዎ ተመሊሱ ከም ዝኸደን ይግለጽ።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከምዝተዓፅወ ተፈሊጡ።
ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ቅድሚ ምውጽኡ ማስክን መከላኸሊ ጥይትን ገይሩ ምንባሩ ፖሊስ ኣመልኪቱ።