እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንኣፍሪቃውያን ምስ ኣህባይ ዘነጻጸረ ኣምባሳደር ኤውሮጳ ናብ ሃገሩ ክምለስ ይግደድ'ሎ
ንኣፍሪቃውያን ምስ ኣህባይ ዘነጻጸረ ኣምባሳደር ሮማንያ ኣብ ኬንያ ናብ ሃገሩ ክምለስ እዩ።
ሮማንያ፡ ኣምባሳደር ድራጎስ ቲጋው ናብ ሃገሩ ክምለስ ጸዊዑ ወግዓዊ ይቕሬታ ሓቲታ።
እቲ ኣምባሳደር፡ ንኣፍሪቃውያን ምስ ኣህባይ ዘነጻጸረ ብ18 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ህንጻ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዘስመዖ መደረ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ፡ ኣምባሳደር ትጋው ብመስኮት ኣህባይ ምስ ረኣየ፤ "ወከልቲ ጋንታ ኣፍሪቃ ክጽንበሩና ግዲ እዮም" ክብል ኣላጊጹ።
ካማው ማቻርያ ዝተበሃለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ መደረ እቲ ኣምባሳደር ኣቃሊዑ።
ማካርያ ኣብ ትዊተር ኣካውንቱ ንዘረባ እቲ ኣምባሳደር 'ፍንፉን' ክብል ድሕሪ ምግላጹ፡ ንኣካይዳ እቲ ኣምባሳደር ንምሽፋን ዝተገብረ ፈተነ ወቒሱ።
እቲ ኣምባሳደር ብውልቂ ይቕሬታ ከምዝሓተተ እኳ እንተገለጸ፡ ካብ ትማሊ ዓርቢ ጀሚሮም ግን ዲፕሎማሰኛታት ኣፍሪቃ ወግዓዊ ይቕሬታ ክግበር ከምዝሓተቱ፡ ጋዜጣ ኬንያ ስታንዳርድ ሓቢራ።
ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ሮማንያ በቲ ጉዳይ ይቕሬታ ሓቲታ ነቲ ኣምባሳደር ናብ ቡካረስት ጸዊዓ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሮማንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝምልከት ጸብጻብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝበጽሖን፡ ነቲ ኣምባሳደር ናብ ዓዱ ንምምላስ ጻዕርታት ከምዝጀመረን ገሊጹ።
“እዚ ኩነታት እዚ የጣዕሰና፤ ንኹሎም እቶም ዝሓዘኑ ይቕሬታ ንሓትት" ይብል እቲ መግለጺ።
"ዓሌታዊ ኣተሓሳስባን ርእይቶታትን ፈጺሙ ቅቡል ኣይኰነን" ዝበለ እቲ መግለፂ፡ መደረ ኣምባሳደር ሮማንያ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ከይጎድእ ተስፋ ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ዋላ’ኳ ሮማንያ ዝበዝሕ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኣ ምስ ኣፍሪቃ ብሕብረት ኤውሮጳ ኣቢላ ተሳልጥ እንተዀነት፡ ምስ ግብጺን ምስ ካልኦትን ሃገራት ኣፍሪቃ ክልተኣዊ ንግዳዊ ስምምዓት ኣለዋ።
ናይሮቢ፡ ብዛዕባ’ቲ ናብ ሃገሩ ክምለስ ዝተኣዘዘ ኣምባሳደር ሮማንያ ክሳብ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃበትን።
ማዕከናት ዜና ሮማንያ ግና ነቲ ኣምባሳደር ብትሪ ነቒፈንኦ።
ሮማንያ ብሰንኪ ኣምባሳደራታ ክትዋረድ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ከምዘይኰነ መራኸቢ ብዙሃን ይገልጻ።
ብተወሳኺ ኣብ 2014 ኣምባሳደር ሮማንያ ኣብ ኣርመንያ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዘነኣእስ መደረ ድሕሪ ምዝራቡ፡ እታ ሃገር ይቕሬታ ክትሓትት ከምዝተገደደት ኣዘኻኺሮም።