ኣብ መደቀሲ ክፍሉ ምስ መንካዕ ዝተረኸበ ካናዳዊ ህጻን ሞይቱ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ካናዳ ግዝኣት ኦንታርዮ ዝርከብ ህጻን ኣብ መደቀሲ ክፍሉ ብመንካዕ ተለኺፉ ከምዝሞተ ሰብመዚ ጥዕና ካናዳ ገሊጾም።

እቲ ሞት ብዶክተር ማልኮም ሎክ ዕላዊ ዝተገበረ ኮይኑ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ቦርድ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ህጻን ኣብ ሰሜን ሳድበሪ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ነቲ ቫይረስ ከምዝተቓልዐ ገሊጹ።

"ኣብ መደቀሲ ክፍሎም ምስ መንካዕ’ዮም ተሲኦም" ዝበለ ዶክተር ሎክ፡ እቶም ወለዲ ናይ ዝተነኸሰ ምልክት ከምዘይረኸቡን፡ ብሰንኪ እዚ ድማ ነቲ ህጻን ከምዘይኣኽተብዎ ገሊጹ።

ድሕሪ 1967 ኣብ ኦንታርዮ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተረኸበ ናይ መጀመርታ መልከፍቲ ደቂ ሰብ እዩ።

እቲ ዕድሚኡ ብሰበስልጣን ዘይተጠቐሰ ህጻን፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ናብ ሆስፒታል'ኳ ክበጽሕ እንተኸኣለ ብህይወት ክተርፍ ኣይከኣለን።

እቲ ሕማም ሳሕቲ ዝረአ ግን ከኣ ቀታሊ ሕማም ኮይኑ፡ ካብ ዝተለኽፈ እንስሳ ኣብነት ከም መንካዕ፡ ተኹላ፡ ወኻርያ ወይ ‘ራኮን’ [ድሙ ዝመስል እንስሳ] ብመንገዲ ምራቕ ናብ ደቂ ሰባት ክላባዕ ይኽእል።

እዚ ኣብ ሓንጎልን ዓንዲ ሕቖን ከቢድ ጉድኣት ከስዕብ ዝኽእል ሕማም፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ምልክታት ምስተራእየ ሞት ከምዘስዕብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

ዶክተር ሎክ፡ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኦንታርዮ፡ ተላባዕነት እቲ ቫይረስ ካብ ትሕቲ 10 ምኢታዊት ናብ 16 ምኢታዊት ከምዝወሰኸ ገሊጹ።

“ዝኾነ ብመንካዕ ዝተለኸፈ ሰብ ሕክምናዊ ክንክን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ” ዝበለ ዶ/ር ሎክ፡ ዋላ’ውን ምልክት ምንካስ ሽዑ ንሸዑ እንተዘይተራእየ፡ ሕክምናን ክታበትን ብቕልጡፍ ከምዘድሊ ጠቒሱ።

ብመሰረት ጸብጻብ ክፍሊ ጥዕና መንግስቲ ካናዳ፡ ኣብታ ሃገር ሳሕቲ'ዩ ኣብ ደቂ ሰባት መልከፍቲ ራቢስ ዝርአ።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተርኣየሉ 1924 ኣትሒዙ፡ ኣብ 6 ግዝኣታት እታ ሃገር 28 መልከፍቲ ራቢስ ተራእዮም።

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዓመት ትሕቲ 10 ሰባት ብራቢስ ከም ዝሞቱ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ይሕብር።

ኣብ ኣሜሪካ ካብ 2009 ክሳብ 2018፡ 25 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡን ካብዚኦም እቶም 7 ካብታ ሃገር ወጻኢ ከምዝተለኽፉን እቲ ማእከል ሓቢሩ።