እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዩክረይን፡ ብመጥቃዕቲ ሚሳይል ሩስያ ወተሃደራት ዝርከብዎም 51 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጻ
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬናዊት ከተማ ፖልታቫ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሚሳይል ወተሃደራት ዩክረይን ዝርከብዎም ብውሕዱ 51 ሰባት ከምዝተቐተሉን 271 ሰባት ከምዝተሃረሙን ዩክረይን ገሊጻ።
በቲ መጥቃዕቲ ሚሳይል ህንጻ መሰልጠኒ ማእከል ውትህድርናን ሆስፒታልን ከምዝዓነዉ’ውን ተሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩክረይን፡ እቲ ሚሳይል ቅድሚ ምዕላቡ ዋላ’ኳ ደወል መጠንቀቕታ እንተተዋሃበ ሰባት ናብ መዕቈቢ ክኣትዉ ግዜ ከምዘይነበሮም ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ነቲ ብሩስያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ሓተላ ሩስያ” ኢሉ ብምጥቃስ፡ ሩስያ ናይቲ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዋጋ ክትከፍለሉ ምዃና ፈኪሩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ሃገሩ ነብሳ ክትከላኸለሉ እትኽእል ተወሳኺ ጸረ-ነፈርትን ሚሳይልን ክወሃባ ንፈተውቲ ሃገራት ብምምሕጻን እቲ ኣብ ኢዳ ዘሎ ነዊሕ ዝውንጨፍ ሚሳይላት ክትጥቀመሉ ክፍቀደላ’ውን ሓቲቱ።
ሩስያ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ልዕሊ ከተማ ፓልታቭ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይል ክሳብ ሕጂ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።
ኣብ ጥቃ እቲ ሚሳይል ዝዓለበሉ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ፍኒስታራት መንበሪ ኣባይቶም ከምዝተሰባበረ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ወዲ 26 ዓመት ምይክይታ ፔትሮቭ ኣብቲ ወተሃደራዊ መራኸቢታት ንኽምሃር ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብቲ መሰልጠኒ ማእከል ከምዝተጸንበረ’ዩ ዝሕብር።
ንሱ፡ እቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት ትሽዓት ንግሆ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ እቲ ካልኣይ ሚሳይል ድሕሪ ሰለስተ ካልኢት ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ከምዝዓለበ ሓቢሩ።
ምይክይታ ፔትሮቭ “ናብ ደገ ብጉያ ወጺአ፡ እቲ ካበቢ ብትክን ደሮናን ተዓብሊኹ ነይሩ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብ ደገ ተኣኪቦም ሽጋራ ዘትክኹ ዝነበሩ ተቐቲሎም፡ እቲ ከባቢ ብደም’ዩ ጨቅዩ፣ ሬሳ ፈቐድኡ’ዩ ነይሩ” ኢሉ።
ጓል 30 ዓመት ጃና ኩሊሾቫ ዋላ’ኳ ነቲ ደወል ናይ ተሓብኡ እንተሰምዓቶ ናብቲ ክትዕቍበሉ ትኽእል ቦታ ክትበጽሕ ግን ግዜ ከምዘይነበረ’ያ ትገልጽ።
በዓል ቤታ ወተሃደር ኰይኑ ኣብ ግንባር ኣንጻር ወራር ሩስያ ይዋጋእ ከምዘሎ ብምግላጽ “በቲ መጥቃዕቲ ሓያለ ወተሃደራት ተቐቲሎም’ዮም በቲ ፍርስራስ ዝተደበዩ’ውን ኣለዉ፤ ኣንስቲ እዞም ዝተቐተሉ ኣብ ኣፍደገ ገዛአን ኰይነን’የን ክመጽኡወን ዝጽባያ ዘለዋ” ብምባል እቲ መጥቃዕቲ ስድራቤታት ዘዕነወ ከምዝዀነ ትገልጽ።
ኣባል ባይቶ ዩክረይን ኦለክሲ ጎንቻረንኮ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት፡ ኣብ መንጐ እቲ ደወል መጠንቀቕታን እቲ ሚሳይል ዝዓለበሉን ናይ ክልተ ደቂቕ ፍልልይ ከምዝነበሮ’ዩ ዝገልጽ።
“ሕስብ ኣብሎ ኣብ ሻዱሻይ ደርቢ ኴንካ እቲ ደወል ሰሚዕካዮ ኣብ ውሽጢ ክልተ ደቒቕ ናብቲ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ዝተሃደመ ቦታ ክትበጽሕ ዝከኣል ኣይኰነን” ይብል።
ሓይሊ ምድሪ ዩክረይን በቲ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዝተቐተሉ ወተሃደራት ከምዘለዉ ብቴለግራም ብምግላጽ፡ ነቲ ሓደጋ ንምውጋድ ክንድቲ ዝድለ ተሰሪሑ ድዩ ብምጽራይ ይምርመር ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ፖለታቫ ፍሊፕ ፕሮኒን ነቲ ብሩስያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሚሳይል “ኣደናጋርን ኣቃጫጭን መጥቃዕቲ ሩስያ” ኢሉ ብምግላጽ 15 ሰባት ኣብ ውሽጢ ፍርስራስ ምውጻእ ስኢኖም ከምዘለዉ ገሊጹ።
በቲ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዓሰርተ ነዋሕቲ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝዓነዉ ብምግላጽ ሰራሕተኛታት ኣጥፋእቲ ሓዊን ወሃብቲ ቀዳማይ ረድኤትን ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ግቡኦም ይሰርሑ ከምዘዉ ሓቢሩ።
በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ዩክረይን ኦሌና ዘለንስኪ ኣብ ኤክስ [ትዊተር ነበር] ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ ነቲ መጥቃዕቲ ትራጀዲ ኢላ ብምግላጽ “ሩስያ ካባና እቲ ኣዝዩ ክቡር ነገር’ያ ትወስድ ዘላ” ብምባል ዝተሰማዓ ሓዘን ገሊጻ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብወገኑ ነቲ ሩስያ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ብምዅናን “እቲ ናይ ፑቲን መጥቃዕቲ ንድሌት ህዝቢ ንምስባር ዘለዎ ሃቐነ’ዩ ዘርኢ”ኢሉ።
ባይደን ብምስዓብ “ኣመሪካ ጸረ ነፈርትን ሚሳይል ብምዕጣቕ ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ዩክረይን ደው ምባል ክትቅጽሎ’ያ” ኢሉ።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጀርመን ኣናለና ባርቦክን ብወገና ፑቲን ደረት ዘይብሉ ጭካነ ዘለዎ መራሒ’ዩ ብምባል ገሊጻቶ።