እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝግበር ልዝብ ናብ መስርሕ ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ ክምለስ ሰብመዚ ወሲኖም
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝግበር ልዝብ ብመንገዲ ኣውሓስቲ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክካየድ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።
ካቢነ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ትማሊ ኣብ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ እቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ከብቅዕ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ዘይምፍጻሙ ዓቢ ብድሆ ምዃኑ ከምዝገምገመ ኣፍሊጡ።
"ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝተማልአ መንገዲ ንምትግባር ካብኡ ዘድሊ ኩሉ ንምግባር ድሉውነቱ ዘረጋገፀ እቲ ካቢኔ ከይዲ ኣፈፃፅምኡ ብዝርዝር ንምርኣይን ቀፀልቲ መፍትሕታት ንምፃርን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክጓተት ዝፀንሐ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ቀልጢፉ ስርሑ ክጅምር ይግባእ"።
"ሕቶታት ህዝቢ ትግራይ ብዝተማልአ መንገዲ ንምምላስ ከይዲ እቲ ልዝብ ካብ ክልተኣዊ መስርሕ ወፂኡ ናብ መስርሕ ፓነል ሕብረት ኣፍሪካ ንክኣቱ ወሲኑ" ክብል ቢሮ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ሓቢሩ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሓለፍቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ዝተፈጸሙ ዕማማትን ኩነታት ትግበራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ፌደራል ከምዝገምገሙ ይዝከር።
ጉዳይ ናይቲ ብሃገር ደረጃ ዘይሕጋዊ ተባሂሉ ካብ መዝገብ ኮሚሽን መረጻ ኢትዮጵያ ዝወጸ ህወሓት'ውን ኣብቲ ርክብ ተላዒሉ ነይሩ።
እዚ ናይ ሎሚ መግለጺ፡ ኣብ ዙርያ ስምምዕ ፕሪቶርያ ይኹን ካልኦት ኣገደስቲ ጉዳያት ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምስሕሓብ ከምዘሎ ዘመልክት'ዩ። መራሕቲ ትግራይ ኣብቲ ክልል ተኸሲቱ ዘሎ ጥምየትን ደርቅን ህጹጽ መፍትሒ ዘይምርካቦም'ውን ክነቕፉ ጸኒሖም'ዮም።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ፌደራላዊ መግስቲ ኣብ ምርድዳእ ቅድሚ ምብጽሖም፡ ሰብመዚ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ኩነታት ኣቃሊሎም ምርኣዮም ንመራሕቲ ትግራይ ባህ ኣየበሎምን።
ኣብቲ ደማዊ ኲናት ብሓይሊ ዝተወስዱ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ዝርከቡ ገለ ኣሰሓሓብቲ ቦታታት ክሳብ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ምህላዎም ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዓቢ ጸቕጢ ክፈጥረሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ብፍላይ እቶም ካብቶም ዛጊት ናብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘይተመልሱ ቦታታት ዝተፈናቐሉ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ሰባት ናብ መረበቶም ክምለሱ ከቕርብዎ ዝጸንሑ ጠለባት ንሰብመዚ ትግራይ ከቢድ ብድሆ ኮይኑ ኣሎ።
"ውሑስን ዘላቕን ሰላም ዝረጋገፅ ሕገመንግስታዊ ወሰናት ትግራይ ከይተሸራረፉ ሙሉእ ብሙሉእ እንተኽበሩን እንትሕለዉን" ምዃኑ እቲ ካቢነ ኣስሚሩሉ።
"ኣብ መሬት ትግራይ ዘለዉ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ መሊኦም እንትወፅኡ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ተመሊሶም ስሩዕ ህይወት ምምራሕ እንትኽእሉን፤ ብሓፈሻ ስምምዕ ፕሪቶሪያ መሊኡ እንትትግበር" ብምባል ኣውሓስቲ እቲ ስምምዕ ተራኦም ክጻወቱ ተማሕጺኑ።
ሰብመዚ ኤርትራ፡ ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ኣብ ጎኒ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣንጻር ሓይሊታት ትግራይ ዝተሰለፈ ሰራዊቶም ካብቲ ክልል ጠቕሊሎም ከምዝወጹ'ዮም ዝገልጹ። ካቢነ ክልል ትግራይ'ውን፡ ወተሃራት ኤርትራ ኣበየኖት ከባቢታት ከምዘለዉ ብንጹር ኣይጠቐሰን።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ውድብ ህወሓት ዝቕልሶ ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ንዝቐርብ "ወፍሪ ጠቐነ" ኮኒኑ'ሎ።
"ድሕሪ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትና ዝግበር ወፍሪ ጠቐነ ስቕ ኢሉ ከምዘይርኢ እውን ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ" ኣጠንቂቑ'ሎ። እቲ ወፍሪ እንታይ ምዃኑን ካበይ ከምዝምንጩን ብንጹር ኣይጠቐሰን።
እንተኾነ ግን፡ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ተሓለቕቲ ውልቀሰባትን ኣብ ልዕሊ ህወሓት ይኹን እቲ ንሱ ዝመርሖ ዕጡቕ ሓይሊ ናይቲ ክልል ንህዝቢ ኣድሒኑ ሰላም ከረጋግጽ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት እቲ ክልል ከውሕስ ኣይክኣለን ብምባል ክነቕፍዎ ምጽንሖም ይግለጽ።