እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቱርኪ-ሶርያ፡ ሓራስ ኣደን ዕሸል ውላዳን ብህይወት ተረኺቦም
ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ተደብያ ዝጸንሐት ሓራስ ኣደን ዕሸል ውላዳን ኣብ መበል ሓምሻይ መዓልቲ ብህይወት ተረኺቦም።
እቲ ካብ ዝውለድ 10 መዓልታት ጥራይ ዝገበረ 'ያጊዝ' ዝተስምየ ናጽላ ኣብ ደቡባዊ ኣውራጃ ሓታይ፡ ድሕሪ 90 ሰዓታት'ዩ በቲ ፍርስራስ ተደብዩ ጸኒሑ።
ሎሚ ወጋሕታ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ሓደጋታት ካብቲ ፍርስራስ ከውጽእዎ እንከለዉ ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ተስፋ ዝህብ ተወሳኺ "ተኣምር" ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ።
በቲ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ብሰኑይ ዘጋጠመ 7.8 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ኣብ ትሕቲ ዝዓነዉ ህንጻታት ዝተደብዩ ሰባት ብህይት ንምርካብ ዝግበር ጻዕርታት ይቕጽል'ኳ እንተሎ፡ ግዜ ብዝተመጠጠ መጠን ግን ተስፋታት ይምህምን ኣሎ።
ዛጊት ኣብ ክልቲአን ሃገራት ቁጽሪ በቲ ምንቅጥቃጥ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 23,000 በጺሑ'ሎ። ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ኣብ ቱርኪ ዝሞቱ'ዮም።
ዕሸል ያጊዝ፡ ዘምውቕ መጠቕለሊ ኮቦርታ ተኸዲኑ ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ናብ ኣምቡላንስ እናኣተወ ዝተሳእሎ ስእልታት ተዘርግሑ'ሎ።
ወላዲቱ ድማ ኣብ ቃሬዛ ተሰኪሞማ እንከለዉ ትርአ። ኣብዚ እእዋን'ዚ ክልቲኦም ኣብ ምንታይ ኩነታት ጥዕና ከምዘለዉ ዛጊት ዝተፈልጠ የለን።
ከንቲባ ከተማ ኢስታንቡል ኢርከም ኢማምጎሉ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዕሸል ኣብ ከተማ ሳማንዳግ ከምዝተረኽበ ይጠቅስ። ካብ ከተማ ኢስታንቡል ዝኸደ ጉጅለ ካብቲ ፍርስራስ ከምዘውጽኦ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ሓደ ሰብኣይ'ውን ካብቲ ፍርስራስ ክወጽእ ይርአ'ዩ። እንተኾነ ግን ምስታ ሓራስ ኣደን ዕሸል ወዳን ምትእስሳር ዘለዎ እንተኾይኑ ኣይተረጋገጸን።
ብሰንኪ'ቲ ሓደጋ ዝተፈናቐሉን ካብ ሞት ዝደሓኑን ኣሽሓት ሰባት ኣብ ቁሪ፡ ብዘይመዕቆቢ ኣብ ቃልዕ ጎልጎል ብሕጽረት ማይ፡ ነዳዲን ኤለክትሪሲቲን ይሳቐዩ ምህላዎም የማርሩ ኣለዉ።
እቲ ዝሕቱል ግብረመልሲ ሂቡ ብዝብል ዝንቀፍ ዘሎ ፕረዚደንት ቱርኪ ራሰብ ጣይብ ኤርዶጋን እቲ ምንቅጥቃጥ "ናይ ክፍለዘመን ሐደጋ" ክብል ገሊጽዎ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ 1999 ዘጋጠመ ልዕሊ 17 ሽሕ ሰባት ዝቐዘፈ ተመሳሳሊ ሓደጋ፡ ንዝመጽእ ምንቅጥቃጥ ንምግጣም ግብሪ ክእከብ ከምዝጸንሐን፡ ኣስታት 4.6 ቢልዮን ዶላር ከምዝተዋህለለን ዝጠቕሱ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ እቲ ፕረዚደንት ብዝግባእ ከምዘይተዳለወ ይነቕፉ።
ዋላ'ኳ እቲ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕ ኣዝዩ ከቢድ እንተኾነ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ሓያለ ዛንታት ጅግንነትን ዓወትን ተሰሚዖም'ዮም።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሶርያ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ዝተወልደት ዕሸል ተረኺባ ነይራ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ነታ ዕትብታ ምስታ በቲ ሓደጋ ዝሞተት ኣዲኣ ተላጊቡ ዝጸንሐት "ኣያ" (ተኣምር) ዝብል ስም ተዋሂብዋ ዘሎ ህጻን ብሞግዚትነት ከዕብዩዋ ከምዝደልዩ ገሊጾም ኣለዉ።
እታ ብዘስካሕክሕ ኣቀባብላ ናብዛ ዓለም ዝተጸንበረትን፡ እቲ ዘይደረቐ ቆርበታ ብፍርስራስ ደምዩን ተሓናጢጡን ዝተረኽበትን ኣያ፡ ኣዲኣ፡ ኣቦኣን ኣርባዕተ ኣሕዋታን በቲ ሓደጋ ሞይቶም እዮም።