ቱቱ መልኣኩ ንኣረጋውያን ዘለዋ ፍሉይ ፍቕሪ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣቓልቦ ረኺቡ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዋና ሓደ ማሕበረሰባዊ ካፈ ዝዀነት ቱቱ መልኣኩ፡ ሰባት ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙ ተላብያ፤ እቲ ብፍሉይ ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዘለዋ ፍቕሪን፡ ባህሊ ሕብረተሰባ መሰረት ዝገበረ ናብዮትን ድማ ኣቓልቦ ተዋሂብዎ።

ኣብ ፓልመር ፓርክ፡ ሪዲን፡ ዝርከብ 'ቱቱ ኢትዮጵያዊ መኣዲ' [Tutu's Ethiopian Table] እተመሓድር ቱቱ፡ መብዛሕትኦም ዓማዊላ ኣረጋውያን ብምዃኖም ንሓደ ሰሙን እንተዘይርእያቶም ተሌፎን ብምድዋል ድሃዮም ከም እትገብር ትዛረብ።

ንሳ ምስ ቢቢሲ ራድዮ በርክሻየር ኣብ ዝገበረቶ ዕላል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣረጋውያን ወለዲ ምስ ኣባላት ስድራኦም ከም ዝነብሩ ብምግላጽ ሰባት ንኣረጋውያን "ክከናኸኑ"ተማሕጺና።

"ከም ሕብረተሰብ ኣብ ጐድኖም ክንከውን ኣለና። በጃዅም ማዕጾ ሓደ ሰብ ንኳሕኵሕ፡ ንደውለሎም፡ ምስኦም ከም ዘለና ንንገሮም" ትብል።

'ይኣምኑና'ዮም'

ቱቱ፡ ኣብ መስከረም ሽልማት ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ክትዕወት እንከላ፡ እዚ "ኵሉ" ንሰባት ብእተርእዮ ሓልዮት ዝረኸበቶ ምዃኑ ገሊጻ።

"ሰባት ብዙሕ ጸገማት ኣለዎም። ኣብ ኢትዮጵያ ክንዓቢ እንከለና ኣረጋውያን ኣባላት ስድራና ምርጫ የብሎም- ምሳና እዮም ዝነብሩ። ምኽንያቱ [ኣብታ ሃገር] ስርዓት መናበዪ ኣረጋውያን ስለ ዘይብልና... በዚ ምኽንያት ድማ ንኣረጋውያን ምሕብሓብ ብገለ መልክዑ ስርሐይ መሲሉ ይስምዓኒ" ትብል።

ወዲ 95 ዓመት ኮሊን ደኒስ ሓደ ካብ ዓማዊላ እዩ።

ንሱ፡ ጥዕናኡ ዝተማልአ፡ ሕጕስን "ኣመና ነብሱ ዝኽእልን" ምንባሩ ትገልጽ - እዚ ድማ ኣብ ጐኒ እንዳ ጓሉ ይነብር ብምንባሩ ከም ዝዀነ ትዛረብ።

"ክርእዮ እንከለኹ ጥራይ ባህ ይብለኒ . . . ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝዀነ ንፈልጥ ኢና" ትብል።

ኮሊን ደኒስ ብወገኑ፡ እቲ ዘለወሉ ኵነታት ዝሃቦ ናጽነት "ኣዝዩ ኣገዳሲ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ምስ ጓሉን በዓል ቤታን ኣብ መኣዲ ከም ዝቐርብን ሓሓሊፉ ድማ ምስኦም ተሌቪዥን ከም ዝርእን ተዛሪቡ።

"ብርግጽ ይከናኸኑኒ እዮም፤ በዚ ፍጹም ኣይጠራጠርን፤ ግን ንበይነይ ክኸውን እንተደልየ፡ ክኸውን ይኽእል እየ።"

ቱቱ፡ እቲ ካፈ ን18 ዓመታት ክትሰርሓሉ ጸኒሓ ኣላ።ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ድማ ንግዳ ክስስን ከም ዝሓገዘ ትዛረብ።

"ማሕበረሰበይ ካብ ኵሉ ቦታ ዝመጽእ'ዩ፡ ምኽንያቱ ንዅሉ ሰብ እየ ዘተኣናግድ -ዕድመ፡ ዓሌት ብዘየገድስ" ትብል።

"ስለዚ'ዩ እቲ ካፈ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዘሎ ዝመስለኒ፤ ዋና ዕላማይ ክኣ [ንማሕበረሰብ] ምግልጋል'ዩ። [ንማሕበረሰብ] ከተገልግል እንከለኻ እቲ ቢዝነስ ባዕሉ ክክእል'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ" ኢላ።

እዚ ድማ፡ ንኽልቲኡ ሸነኽ ከም ዝሕግዝ ገሊጻ።

"ንዓይ፡ ንነብሰይ፡ ንልበይ ጽቡቕ'ዩ፤ ናብ ገዛይ ክኸይድ እንከለኹ ጽቡቕ ነገር ከም ዝገበርኩ ይስምዓኒ። ህይወት ከምኡ እያ - ንሰባት ትከናኸኖም እቶም ሰባት ድማ ይከናኸኑኻ።"