ደቆም ናብ መውዓሊ ህጻናት ሰዲዶም መርድእ ዝተነግሮም ወለዲ

ደቆም ናብ መውዓሊ ህጻናት ሰዲዶም መርድእ ዝተነግሮም ወለዲ
Published

ኣብ ታይላንድ ሓደ ብምትካኽ እጸ ፋርስ ክኽሰስ ዝጸንሐ ፖሊስ ነበር፡ ኣብ መውዓሊ ህጻናት ብዝፈጸሞ ጃምላዊ ቅትለት ኣስታት 37 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ እቶም 24 ህጻናት’ዮም። ኣብታ ሃገር ኣስታት 10 ሚልዮን ሰባት ወነንቲ ብረት ከምዝኾኑ ዝተገለጸ ኮይኑ ድሕሪ እቲ ዘስካሕክሕ ቅትለት ግን ሰባት ኣብ ጉዳይ ዋንነት ብረት ሓድሽ ሕጊ ክወጽእ ከምዘለዎ ይጽውዑ ኣለዉ።