እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቍጽሪ 7፡ ‘ተጋሩን ኤርትራውያንን ንምፍላይ’ ዝሕለፍ 'ምክልባት ዝበዝሖ' መስርሕ ፓስፖርት
ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ፓስፖርት ንምርካብ ዘመልክቱ ዜጋታት እታ ሃገር፡ ‘ምክልባትን ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛን’ ከም ዘጋጥሞም’ዮም ዝገልጹ።
‘ሂዩማን ራይትስ ፈረስት ኢትዮጵያ’ ኣብ ዘካየዶ መርመራ፡ ፓስፖርት ዝሓቱ ተወለድቲ ትግራይ ግዳያት “ኣድልዎ ዝረኣዮም ኣሰራርሓታት” ይዀኑ ኣለው ክብል ከሲሱ። “ኣብቲ ትካል ተገልገልቲ ዘከላብቱ፡ ሞራላውን ስነ-ልቦናውን ጕድኣት ዘስዕቡ ‘ኢ-ፍትሓዊ’ ኣሰራርሓታት ተዓዚበ” ከም ዝበለ’ውን ይፍለጥ።
ኣብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ፖሊስ’ዩ፤ ካብ ሃገር ክወጽእ ህጹጽ መደብ የብሉን።
‘ክትገሸሉ እትኽእል ምኽንያት ግን ከጋጥመካ ይኽእል’ዩ’ ዝብል ሓሳብ ኣፍቃሪቱ ግን ፓስፖርት ክሓትት ከም ዝደረኾ ይዛረብ።
ይዅን’ምበር፡ ካብ መስከረም 2016 [ግ] ኣትሒዙ ዝጀመሮ መስርሕ ክሳብ ሕጂ ኣይሰለጦን።
ኣማረ ክፍላይ ዝተባህለ [ሽሙ ዝተቐየረ] መንእሰይ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰነ ኣትሒዙ ናብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ፈደራል ይመላለስ ኣሎ።
‘‘ካብ ትግራይ ዝመጽአ ሰብ ናብ ዝእንገደሉ ቍጽሪ ተመሪሕካ ክትከይድ እንከለኻ ግን፡ እቲ ምግልታዕ ይጅምር’’ ይብል።
ካልእ ጓል 19 ዓመት መንእሰይ ከም ዝዀነት ዝገለጸት ዜጋ ድማ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሓድሽ ፓስፖርት ንምርካብ ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ’ኳ እንተኸደት፡ ብሰንኪ ዝተሓተተቶም ሰነዳት ከም ዝተሰናኸለት ሓቢራ።
ኣብቲ ቤት ጽሕፈት እንታይ’ዩ ዘጋጥም ዘሎ?
ኣብዚ እዋን፡ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት እታ ሃገር ኣገልግሎት ምዝገባን ምሕዳስን ፓስፖርት ዝወሃቦም 12 ጨናፍር ከም ዘለውዎ ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ጨንፈር እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ብሰንኪ’ቲ ኲናት ክልተ ዓመት ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ተቛሪጹ እዩ።
በዚ ምኽንያት፡ ብዙሓት ካብ ክልል ትግራይ ሓድሽ ፓስፖርት ዝሓቱ ዜጋታት ብኢንተርነት ብምምዝጋብ፡ ቈጸራ ሒዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኸዱ ከም ዘለው ይግለጽ።
ኣማረ ክፍላይ* ነባሪ ከተማ መቐለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ናብ ኣመሪካ ዝኸደሉ ዕድል ዝገጠሞ ንእሽቶ ሓው ኣሰንዩ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸደ ይዛረብ።
ንሱ፡ እቲ ዝጠልቦ ኣገልግሎት ኣብቶም ቍጽሪ ሓደ፡ ክልተ . . . ተባሂሎም ዝተነጸሩ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝወሃበሎም ክፍሊታት እቲ ቤት ጽሕፈት ዘሎ መስርሕ ብጽቡቕ ኣገባብ ተኣናጊዱ ምስ ወድአ፡ ‘ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝወሃበሉ’ ክብል ናብ ዝገልጾ ክፍሊ ከም ዝተመርሐ ይገልጽ።
እዚ፡ ‘ቍጽሪ ሸውዓተ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፍሊ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ‘ካብ ትግራይ ዝመጽኡ ወይ ተጋሩ ዝዀኑ ጥራይ’ ዝተኣናገድሉ’ዩ ክብሉ ይገልጹ።
ኣብታ ሃገር፡ ብዜግነት ኢትዮጵያዊ ዝዀነ ዕድመኡ 18 ዓመትን ልዕሊኡን፡ ሓድሽ ፓስፖርት ኣብ ዝሓተሉ እዋን ናይ ነባርነት መረጋገጺ ዝዀነ ዝተሓደሰ መለለዪ መንነት፣ ዝተረጋገጸ ምስክር ወረቐት ልደት ከምኡ’ውን ብኦንላይን ምምዝጋብን ክፍሊት ምፍጻምን ጥራይ ከም ዘድልዮ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል የመልክት።
እንተዀነ፡ እቶም ካብ ትግራይ ዝመጽኡ’ውን ካብ ተጋሩ ስድራቤታት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ዝተወልዱ ውልቀሰባት፡ ካብዚኦም ወጻኢ ዝዀኑ ሰነዳት ከቕርቡ ይሕተቱ፤ ብሰንኩ ድማ ኣድላዪ ንዘይኰነ ወጻኢታት፡ ስነልቦናውን ሞራላውን ጸቕጢታት ይቓልዑ ከምዘለው ሓቢሮም።
እቶም ዝቐርቡሎም ሕቶታት፡ ኣበይ ተወሊድካ/ኪ? ኤርትራዊ ዲኺ/ኻ? ናይ ሻምናይ ክፍሊ ምስክር ወረቐት ትምህርቲ፡ መለለዪ መንነት ወለዲ ዝብሉ ከም ዝርከቡዎም ኣመልኪቶም።
“እዚ ዅሉ ሓሊፍካ፡ ናብ ቍጽሪ ሸውዓተ ምስ ኣተኻ፡ መለለዪ መንነት ኣቦኻ፡ ኣደኻ፡ ወይ ሓውኻ፡ ናይ ትምህርቲ መረዳእታ ኣምጽእ ዝብሉ ሕቶታት የልዕሉ” ኢሉ።
እዚ ድማ፡ ብመሰረት ኣሰራርሓ እቲ ትካል ኣብቲ ብኦንላይን ቈጸራ ንምርካብ ዝገብሩዎ መመልከቲ ዘይኰነ፡ ብመሰረት እቲ ዝተዋህቦም ቈጸራ ብኣካል ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝርከብሉ ዘለው እዋን ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ ወሃብቲ ርእይቶ ይጠቕሱ።
‘ቍጽሪ 7ን’ መዘዛታን
ሓደ ስሙ ክጥቀስ ፍቓደኛ ዘይኰነ ኣባል ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ መቐለ፡ ኣብ መጀመርታ መስከረም ክልተ ሽሕ ብር ከፊሉ [ብመሰረት ኣብቲ እዋን ዝነበረ ዋጋ] ብኦንላይን ክምዝገብ እንከሎ፡ ንጥሪ ተቘጺሩ ከም ዝነበረ ገሊጹ።
ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ቈጸራኡ ከይተረኽበ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ናብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፈደራል ምስ ከደ፡ ሓደ ሽሕ ብር ተቐጺዑ ናብ ‘ቍጽሪ ሸውዓተ’ ከምዘምርሐ ንቢቢሲ ገሊጹ።
“ንኻልኣይ ግዜ ተቘጺረ ምስ ከድኩ ግን ናይ ድጋፍ ወረቐት ኣምጽእ ተባሂለ። ካብኡ ካብ ዓድዋ እንዳ’ባጻሕማ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ናይ ድጋፍ ደብዳበ ኣጽሒፈ ኣምጺአ፤ ግዝያዊ መለለዪ መንነት’ውን ኣልኢኸ። ጸኒሑ፡ ናይ ወለድኻ መለለዪ መንነት ክኣ ተባሂለ” ብምባል ኵሉ ዝተሓተቶ ከም ዘማልአ ይዛረብ።
ኣብ ቍጽሪ ሸውዓተ ምስ ኣተወ ድማ፡ “‘ኣበይ ዓድኻ?’ ኢሉኒ፤ ዓድዋ ኢለዮ። ዓድዋ ኣበይ? እንዳ’ባጻሕማ፤ መነ መን የዋስንኣ? ኢሉ ሓቲቱኒ። ነታ ወረዳ ዘዋስንኣ ኵለን ነጊረዮ። ደሓር፡ ኣብቲ መለለዪ መንነት ዝሰፈረ ቍጽሪ ኣብቲ ካብ ክልል ዝተጻሕፈ ናይ ድጋፍ ወረቐት ኣይተኻተተን ኢሉ ነጺጕኒ። በዚኣ ጥራይ ከተተኣናገድኩ ተሪፈ” ኢሉ።
እቲ ፖሊስ፡ ክልተ ግዜ ብነፋሪት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተመላለሰን ከም ዝኸሰረን ብምጥቃስ፡ “እቲ ዝኣበየኒ ንርእሱ ትግርኛ’ዩ ዝዛረብ። ብዙሕ ወጻኢታት ኣውጺአ፡ ተንገላቲዐ እየ . . . በጃኻ እንዶ ኣተኣናግደኒ እንተበልኩዎ፡ ክሰምዓኒ ኣይክኣለን፣ ድሕሪኡ ተስፋ ቈሪጸ ገዲፈዮ” ክብል ገሊጹ።
ኣብቲ ዝተጠቕሰ ክፍሊ መብዛሕትኦም ካብ ትግራይ ዝዀኑ ካብ ከባቢታት ሽረ፡ ዓድዋ፡ እንትጮ፡ መቐለ ዝመጹ ብዙሓት ተገልገልቲ ከም ዝነበሩን እዚ ዳርጋ ንዅሎም ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገም ከም ዝዀነን ሓቢሩ።
“ምስ ከልኡኒ ብጣዕሚ ተሰሚዑኒ፤ ትግራዋይ ብምዃነይ ድዩ ኢለ ሓዚነ። ብሰንኪ እዞም መሰናኽላት ካልእ እናበኸየ ዝምለስ ሰብ ኢኻ ትርኢ።”
ኣብ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ዓንቀጽ ሽዱሽተ፡ ሓደ ውልቀሰብ ወለዱ/ዳ ወይ ካብ ክልቲኦም እቲ ሓደ ኢትዮጵያዊ/ት እንተዀይኖም ዜግነታ/ቱ ኢትዮጵያዊ/ት ከም ዝዀነ ይገልጽ።
ዓንቀጽ 33 እቲ ሕገ መንግስቲ ኣብ ዘስፈሮ መሰላት ዜግነት፡ ዝዀነ ኢትዮጵያዊ ካብ ፍቓዱ ወጻኢ ዜግነቱ ክሕደግ ከም ዘይክእል ብምጥቃስ፡ ብዘይ ዝዀነ ዓይነት ኣፈላላይ ዜግነት ኢትዮጵያ ብሕጊ ዘውህቦም መሰላት፡ ሓለዋን ጥቕምን ክረክብ መሰል ከም ዘለዎ ይድንግግ።
‘ሂዩማን ራይትስ ፈረስት ኢትዮጵያ’ ኣብ ጸብጻቡ፡ ካብ ዝሰፈሩ ጉዳያት፡ ካብ ከተማ ውቕሮ ዝመጽአት ጓል 19 ዓመት መንእሰይ ምዃና ዝተጠቕሰት ሰብ፡ ምስክር ልደትን መለለዪ መንነትን ሒዛ ናብቲ ቤት ጽሕፈት’ኳ እንተመጽአት፡ ናይ 8ይ ክፍሊ መረዳእታ ከምኡ’ውን መለለዪ መንነት ስድራኣ ከተምጽእ ከም ዝተነግራ ይሕብር።
“እቶም ሰነዳት ኣቕሪባ’ውን ኣገልግሎት ክትረክብ ኣይክኣለትን። ድሕሪኡ ናይ 3ይን 4ይን ክፍሊ ሰነዳት ከተምጽእ እያ ተሓቲታ” ኢሉ።
ኣብ ትግራይ፡ ድሕሪ ዝተፈረመ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ እቲ ዝነበረ መንግስቲ ፈሪሱ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ዝተመስረተ ይፍለጥ።
ነዚ ስዒቡ፡ ምምሕዳር ከተማታትን ወረዳታትን ዝህባኦ ዝነበራ ኣገልግሎት መለለዪ መንነት ደው ብምባሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣገልግሎት ፓስፖርት ደልዮም ዝኸዱ ዘለው ሰባት ጽልዋ ከሕድር ምኽንያት ኰይኑ። በቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝጽሓፉ ደብዳበታት ድጋፍ’ውን እንተዀኑ ድሩት ተቐባልነት ከም ዘለዎም ተገልገልቲ ይገልጹ።
ኣማረ፡ ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ግዝያዊ መለለዪ መንነት ደው ብምባሉ፡ ናብ ኢሚግሬሽን ዝጽሓፍ ናይ ድጋፍ ደብዳበ ሒዙ ከም ዝኸደ ኣልዒሉ።
እንተዀነ፡ እዚ ከም ዘይቅበሉዎ ተሓቢሩዎ።
በዚ፡ “ኣብ ካልእ ክፍሊ ጉዳይና ሰሚዖም፡ ብዝግባእ’ዮም ኣተኣናጊዶምና። ኣብ ቍጽሪ 7 ዘለው ግን ኰነ ኢሎም ሰብ ንከማርር፡ ንኽጕላእላእ ዝገብሩ፣ ብደገ ክትረኽቦም ዝደልዩ’ዮም ዝመስሉ። እቲ ዝሓቱዎ ኵሉ ኣቕሪብካሎም’ውን ከነጻርዮ ይብሉኻ። ብሓጺሩ ዜግነትኻ፡ ኣይግብአካን ኢሎም’ዮም ዝምሱልካ ዘለው ማለት’ዩ። ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ’ዩ ኣይኰነን እትብል ኣብ ቍጽሪ ሸውዓተ እያ ትውሰን ዝመስለኒ” ክብል መረረኡ ገሊጹ።
ብሰንኪ እዚ ኵነታት ክሳብ ሕጂ ኣስታት 100 ሽሕ ብር ወጻኢ ከም ዝገበረ ሓቢሩ።
እዚ ጸገም ካበይ ዝነቐለ’ዩ?
ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ፡ ንዜጋታት እታ ሃገርን ወጻእን ኣብ ዝህቦም ኣገልግሎታት ፓስፖርት፡ ቪዛ፡ መንበሪ ፍቓድን ካልኦት ተዛመድቲ ኣገልግሎታትን ክንቀፍ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ምኽትል ዳይሬክተር ተሓላቒ መሰላት ‘ሂዩማን ራይትስ ፈረስት’ በዓል ሞያ ሕጊ መብርሂ ብርሃነ፡ ትካሉ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብቲ ቤተ ጽሕፈት ብምኻድ ኣገልግሎት ፓስፖርት ደልዮም ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ዝመጽኡ ተወለድቲ ትግራይ ከም ዘዘራበን ናይ ገዛእ ርእሱ ትዕዝቢ ከም ዝገበረን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ብተወሳኺ እዚ ጸገም ካብ ክልል ሶማል ኣብ ልዕሊ ዝመጽኡ ዜጋታት’ውን ከጋጥም ክንርዳእ ክኢልና ኢና ክብል ሓቢሩ።
እዚኦም፡ “ከም መለለዪ መንነት ኣቦኻ፡ ኣደኻ፡ ኣሞኻ፡ ሓትነኻ፡ ሓው ኣቦኻ፡ ኣኮኻ፡ ሓሓሊፉ ድማ ናይ ርሑቕ ዘመድካ፡ ወይ ናይ 8ይ ክፍሊ ናይ ትምህርቲ መረዳእታ ዝብሉ ረቛሒታት የቐምጡ” ብምባል “መንነት መሰረት ዝገበረ ከቢድ ምግልታዕ’ዩ ዝበጽሕ ዘሎ” ክብል ከሲሱ።
ነዚኦም ከም ምኽንያት ዝቐርብ፡ ኤርትራውያን ፓስፖርት ኢትዮጵያ ዝወስዱሎም ኣጋጣሚታት ኣለው’ዮም ዝብል ከም ዝዀነ ካብቶም ወሃብቲ ርእይቶን ተሓላቒ መሰላት ‘ሂዩማን ራይትስ ፈረስት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
“እቲ ከባቢ [ትግራይ] ምስ ኤርትራ ዝዳወብ ስለ ዝዀነ ኤርትራውያን ፓስፖርት ክወስዱ ይኽእሉ እዮም ይብሉኻ። ከምዚ ዓይነት ክስተት እንተሃልዩ ኣሰራርሓ ኢኻ እተዐሪ እምበር ንህዝቢ ኣገልግሎት ኣይትኸልኦን” ክብል እቲ ክኢላ ሕጊ ይነቅፍ።
ኣብዚ እዋን፡ ትግራይ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፈደራል ከምኡ’ውን ኣብ ባይቶ ፈደሬሽን ወከልቲ ዘይብላ ክልል ብምዃና፡ ሰባት ከምዚኦም ንዝኣመሰሉ ጸገማት ይቃልዑ ከም ዘለው ጥርዓን ይቐርብ፣ ከምቲ ካልእ ዜጋ ማዕረ ኣገልግሎት ክረኽቡ ዝሕተተሉ ኣሰራርሓታት ንኸይህሉ ምኽንያት ከም ዝዀነ ኣቶ መብርሂ ገሊጹ።
“ሰብ ሕዚ ናይ ኣቦኡን ኣደኡን መረጋገጺ ይሕተት ኣሎ፤ እቲ ካልእ ዝኸበደ ነገር ግን ኵሉ ኣቦን ኣደን ኣለዎን ማለት ኣይኰነን። ስለዚ ዝንገላትዑ፡ ኰፍ ኢሎም ዝበኽዩ፡ ናይ ትምህርቲ ዕድም ገጢምዎም ብሰንኪ ፓስፖርት ክኸድሉ ዝኽእል ዕድል ዝኸሰሩ ኣለው። እቲ ዝኸፍአ ድማ፡ እዚ ንኻልእ ተወሳኺ ጸገማት ዘይሕጋዊ ስደት ዘቃልዕ ምዃኑ’ዩ።”
እቲ ብሰንኪ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ፓስፖርት ዝተጋህሰ ጉዳይ ሕጊን መሰላትን ኢሉ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ሓላፊ ጉጅለ ኣገልግሎት ፓስፖርት ዝኾነ ኣዳነ ደበበ ኣይቅበሎን።
ኣቶ ኣዳነ፡ "ካብ ከባቢ ዶባት" ኣገልግሎት ፓስፖርት ክወስዱ ኢሎም ኣብ ዝመጹ ዓማዊል፡ ዘጠራጥር ነገር እንተተራእዩ ተወሳኺ መርትዖ ክሕተት ግድን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ቅድሚ ሕጂ ከምዝነበረን ኣብ ተወለድቲ ትግራይ ጥራይ ዝፍጸም ከምዘይኰነን ይገልጽ።
ካብ "ክልል ሶማልያን ጋምቤላን፡ ከምኡ'ውን ካብ ክልላት ቦረናን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ኦሮሚያን" ዝመጹ ተገልገልቲ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ተመሳሳሊ "ቋንቋን ባህልን" ዘለዎም፡ "ኵሎም እኳ እንተዘይኰኑ"፡ ከምዚ ዓይነት ምርመራ ከምዝግበረሎም የረድእ።
እቲ ሓላፊ ኣገልግሎት ፓስፖርት፡ "ኣብ ቤት ጽሕፈት ቍጽሪ ሸውዓተ፡ ንተወለድቲ ትግራይ መንነቶም ዘለልዩ ኣለው፣ ንሶማል ዝለለዩ ኣለዉ፣ ምስ ከባቢ ኦሮሞን ሞያለን ዝለለዩ ኣለዉ፣ ካብ ጋምቤላ ንዝመጹ’ውን ዘለልዩ ኣለው። እዚ ክፍሊ’ዚ ተወለድቲ ትግራይ ጥራይ ዝልለየሉ ኣይኰነን" ክብል ነቲ ዝቐርብ ወቐሳ ይነጽግ።
ምስ ተወለድቲ ትግራይ ተተሓሒዙ ዝግበር መርመራ፡ "ኵነታትን ስግኣትን ኤርትራውያን ፓስፖርት ዝረኽቡሉ ኵነታትን ስግኣትን እዩ" ዝበለ ሓላፊ ኣገልግሎት ፓስፖርት፡ ናይ ሓሶት ወረቐት መንነት፣ ምስክር ወረቐት ልደትን ምህላዎም ድማ ንዝግበር ምጽራያት ተወሳኺ ምኽንያታት ምዃኖም ጠቒሱ።
ኣብ ኢትዮጵያ ስለዝተወለድካ ኢትዮጵያዊ ኣይገብረካን እዩ። ካብ ኣቦሓጐኡ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዱ፡ ኣብ እዋን ረፈረንደም ኤርትራ ክትንጸል ዝፈረመ ኤርትራዊ ካብ ኣቦሓጐኡ ኣትሒዙ ኣብዚ ዝጸንሐ ኣሎ። ንሱ ግን ዜግነት ይወሃበኒ ኢሉ ብሕጊ ከመልክት ከምዘለዎ ብምሕባር፡ እቲ ትካል ንዜጋታት ካልኦት ሃገራት ፓስፖርት ምሃብ ይኽልክል ከምዘሎ ኣቶ ኣዳነ ይምጉት።
ንሱ፡ "ኢሚግሬሽን ሃገራዊ ጉዳይ'ዩ፡ ፈጺሙ ወገናዊ ኣይኮነን፤ ናይ ፓርቲ ውግንና የብሉን። ስርሑ ኣጻሪኻ ዜግነት ምሃብን ጥራይ'ዩ" ክብል ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዝቐረበ ክሲ ይነጽግ። ይዅን'ምበር፡ ኣብ "መስርሕ ምጽራይ" ኣመልከትቲ ኣገልግሎት ፓስፖርት ገለ ጸገማት ከምዘሎ ኣይሓብአን።
"ምስ ህሉው ኵነታት ሃገርና ክእረሙ ዝግባኦም ገለ ነገራት ኣለዉ፤ ሓደ ሰብ መቐለ፡ ዓዲግራት ከይዱ ብቐሊሉ ክምለስ ኣይክእልን እዩ።ጸገም መጓዓዝያ ኣሎ፤ ሰባት በዚ ይሽገሩ ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ድማ ወረቐት መንነት ሒዙ ክምለስ ጸገማት ኣሎ ወይ ዘይምርድዳእ ኣሎ" ክብል ነቲ ጸገማት ይጠቅስ።
እንተዀነ ነቲ ጸገም "ይፈትሕዎ" ከምዘለዉ ገሊጹ። ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብዝምልከት ካብ ተወለድቲ ትግራይ ዝቐረቡ ጥርዓናት ንምፍታሕ "መምርሒ ሂብና ኣለና" ኢሉ።
“ንሰራሕተኛታት እውን ብዛዕባ እቲ ደንቢ ከም ዝፈልጡ ገይርናዮም ኢና። ሓደ ሰብ ስቕ ኢሉ ንተገልግለቲ ዘከላብት ካብቲ ቦታ ከምዝእለ ጌርና ኣለና፤ ሎሚ ይዅን ጽባሕን ዜጋታትና ክግፍዑ ኣይንደልን ኢና" ብምባል ለውጢ ይግበር ከምዘሎ ኣብሪሁ።
እቲ ሓላፊ ኣገልግሎት ፓስፖርት፡ ካብ ክልል ትግራይ ንዝመጹ ተገልገልቲ ሓደ ዓብይ መፍትሒ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ጨንፈር ምሉእ ብምሉእ ኣገልግሎት ፓስፖርት ክህብ ምግባር ምዃኑ ይገልጽ።
እቲ ካብ ሰነ ጀሚሩ ከፊላዊ ኣገልግሎት ምሃብ ዝጀመረ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር መቐለ ካብ ሎሚ ሰኑይ 13 ነሓሰ 2016 ጀሚሩ ብተወሳኺ ሓደሽቲ ፓስፖርት ምሃብ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።