ዓመጽ ከም ዝፈጸሙ ዝተጠርጠሩ ሽዱሽተ እስራኤላውያን ተኣሲሮም

Published

ኣብ ቆጵሮስ ንሓንቲ ብሪጣንያዊት በጻሒት ብምዕማጽ ዝተጠርጠሩ ሽዱሽተ እስራኤላውያን ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ሓቢሩ።

እቲ ብኤምባሲ እስራኤል ዝወጸ መግለጺ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ሓበሬታ ከም ዝረኸበን ቆንስሉ ምስ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ይዘራረቡ ከምዘለዎን ሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ቆጵሮስ ነታ እንግሊዛዊት ደገፍ ይገብር ከም ዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ኣዪያ ናፓ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ በጻሒት ዓመጽ ተፈጺሙ ዝበሃል መርመራ ክሳብ ዝግበር፡ ሓሙሽተ ወጻእተኛታት ንሸሞንተ መዓልታት ክእሰሩ ቤት ፍርዲ ከም ዝኣዘዘ ማዕከናት ዜና ቆጵሮስ ጸብጺበን።

ካብ ፖሊስ ቆጵሮስ ዝተወሃበ መረጋገጺ እኳ እንተዘየለ፡ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ግን ፍሉይ ምንጪ ፖሊስ ብምጥቃስ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ኣቃሊዑ ኣሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ እቲ ምንጪ፡ እታ በጻሒት ትማሊ ሰንበት ምሸት ኣብ ኣያ ናፓ ኣብ ዝርከብ ሆቴላ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸማ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ኣቕሪባ ነይራ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ድሒሮም ምስቲ ዝተባህለ ዓመጽ ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሓሙሽተ ጥርጡራት፡ 19ን 20ን ዓመት ዝዕድመኦም እስራኤላውያን ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም’ውን ሓቢሩ።

ንምንታይ ኣብ ቍጽሪ እቶም ዝተኣሰሩ ጥርጡራት ዘይምቅዳው ከም ዘጋጠመ ንጹር ኣይኰነን።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ፡ ኮመንወልዝን ልምዓትን ዓባይ ብሪጣንያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ንሓንቲ ኣብ ቆጵሮስ እትርከብ እንግሊዛዊት ጓል ኣንስተይቲ ንድግፍ ኣለና፡ ምስ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ድማ ርክብ ጀሚርና ኣለና" ኢሉ።

ብኻልእ ወገን ጋዜጣ ታይምስ ኦፍ እስራኤል፡ እስራኤላዊ ጠበቓ ኒር ያስሎቪትዝ ንተሌቪዥን ቻነል 12 "ብመሰረት ፖሊስ ቆጵሮስ ከቢድ ጥርጣረ ኣሎ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ኣብ ከምዚ ዓይነት ጉዳያት ተመኵሮ ኣለና። እቲ ሓቂ ክወጽእ ተስፋ እገብር" ዝብል ቃል ከም ዝሃበ ጠቒሱ።

ኣብ 2019 ሓንቲ እንግሊዛዊት ኣብ ቆጵሮስ ንፖሊስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣያ ናፓ ብ12 እስራኤላውያን ሰብኡትን ኣወዳትን ከም ዝተዓመጸት ገሊጻ ነይራ።

ደሓር ግን ብዘይ ጠበቓ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ክሲ ሰሪዛቶ፤ ነዚ ስዒቡ ህዝባዊ ዕግርግር ብምፍጣር ተኸሲሳ።

ይዅን’ምበር ፍርዳ ንተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ምስ ኣቘጠዐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቆጵሮስ ኣብ ዝርከብ ይግባይ ሰማዒ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተሰሪዙ’ዩ።