ኣዋጅ ክተት ዕቑር ሰራዊት ሩስያ ተፈሪሙ

ኣዋጅ ክተት ዕቑር ሰራዊት ሩስያ ተፈሪሙ
Published

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብታ ሃገር ዘለዉ ኣስታት 300 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት ክኸቱ ኣብቲ ብቴሌቭዥን ዘሕለፎ መልእኽቲ ኣዚዙ። ኣመሪካ ነቲ ሩስያ ኣብ ቁጽጽራ ኣእትያቶ ዘላ ግዝኣት ዩክረይን ብሪፈረንደም መዕለቢ ክረክብ'ዩ ንዝብል መርገጺ ሩስያ ኮኒናቶ'ላ።