እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈላመይቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ክትመርሕ ዝተሓጽየት ጓል ኣንስተይቲ
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ንሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ እትመርሕ ጓል ኣንስተይቲ ኣድሚራል ምምራጹ ተፈሊጡ።
በዚ ከኣ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ንፈለማ እዋን፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንጨንፈር ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ፔንታጎን ክትመርሕ ተሓጽያ’ላ።
ሊዛ ፍራንቸቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ሓላፊት ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ዝነበረት ኮይና፡ ኣዛዚት መራኽብ ጽዕነት ነፈርቲ ኮይና እውን ኣገልጊላ እያ።
እዛ ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ተሓጽያ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ሓላፍነታ ብሰኔት ኣመሪካ ክጸድቕ የድልዮ።
ሊዛ ፍራንቸቲ፡ ሓላፊት ስርሒታት ሓይሊ ባሕሪ እንተኾይና፡ ኣባል ናይቲ ሓባራዊ ሓለፍቲ ስታፍ ዘቖሙ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኣሜረካ ክትከውን እትኽእል ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ።
እዛ ጓል 38 ዓመት ገዲም ወተሃደራዊ ሓላፊት፡ ናይ ኣርባዕተ ኮኾብ ኣድሚራል መዓርግ ዝረኸበት ካልኣይቲ ጓል ኣንስተይቲ እያ።
ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ስርሒታውን ፖሊሲን ዘለዋ ሰፊሕ ክእለት" ብምድናቕ፡ እቲ መዝነታ ምስ ተረጋገጸ "ዳግማይ ታሪኽ ክትሰርሕ እያ" ኢሉ።
ብመሰረት ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ኣመሪካ፡ ኣድሚራል ፍራንቸቲ ቀዳማይቲ ምርጫ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ኣይነበረትን።
ፕረዚደንት ባይደን ንኣድም ፓፓሮ እውን ኣዛዚ ወተሃደራዊ ሓይልታት ኣሜሪካ ኣብ ባሕሪ ፓስፊክ ክኸውን ሓሪይዎ’ሎ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ሓለዋ ባሕሪ ኣመሪካ ብጓል ኣንስተይቲ ኣድሚራል ሊንዳ ፋጋን ዝምራሕ ኮይኑ፡ እቲ ወተሃደራዊ ጨንፈር ግን ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ድሕነት ውሽጢ ሃገር’ዩ።