ሱዳን፡ ገበናት ኲናት ተፈጺሞም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይግመት

ሱዳን፡ ገበናት ኲናት ተፈጺሞም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ይግመት
Published

ኣብ ሱዳን፡ ኣብ መፋርቕ ሚያዝያ ዝተባርዐ ውግእ ሓድሕድ ዛጊት ማዕልቦ ዘይተረኸቦ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ምናልባት ገበናት ኲናት ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ይዛይድ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላትን ሓካይምን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብርቱዕ ከምዝዀነ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ዝመርመሮ ሰነድ የመልክት።