ብርቱዕ ሙቐት ዘለዎ ናይ ስራሕ ካባቢ ምንጻል ጥንሲ ብዕጽፊ ክውስኽ ከምዝገበር መጽናዕቲ ሓቢሩ

ሓያል ሙቐት ዘለዎ ናይ ስራሕ ከባቢ፡ ዝሞቱ ቆልዑ ናይ ምውላድ ወይ ጥንሲ ናይ ምንጻል ተኽእሎ ብዕጽፊ ክውስኽ ከምዝገብር ሓደ መጽናዕቲ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ህንዲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ነፍሰ ጾራት ከጋጥመን ዝኽእል ሓደጋ ካብቲ ዝጸንሐ ግምት ዝለዓለ እዩ።
ሙቐት ዝበርተዓሎም ሓጋያት ኣብ ትሮፒካዊ (ውዑይ) ክሊማ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ከም ዓባይ ብሪጣንያ ዝበላ ሃገራት ንዝርከባ እውን ጸቕጢ ከምዝፈጥረለን ተመራመርቲ ይገልጹ።
ኣብቲ ካብ 2017 ጀሚሩ፡ ማእከል ምርምር ራማቻንድራ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብ ደቡባዊት ግዝኣት ታሚል ናዱ ዝነብራ 800 ደቂ ኣንስትዮ ተሳቲፈን።
ፍርቂ ካብተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ከም ስራሕቲ ሕርሻ፣ መጥበሲ ካይላ (ሸኽላ) መአከቢ ጨውን ዝኣመሰሉ ከቢድ ሙቐት ዘለዎም ናይ ስራሕ ከባቢታት ዝሰርሓ እየን።
እተን ዝተረፋ ድማ ኣብ ከም ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ዝኣመሰሉ ዝሕል ዝበለ ኩነታት ኣየር ዘለዎም ከባቢታት ዝሰርሓ ኮይነን ገሊአን ግና ዋላ ኣብዚ ከባቢ ንከቢድ ሙቐት ዝተቓላዓ እየን።
ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ፡ መጠን ምንጻል ጥንሲ ኣብተን ንሓያል ሙቐት ዝተቓላዓ 5 ምኢታዊት፡ ኣብተን ኣብ ዝሑል ከባቢ ዝሰርሓ ግና 2 ምኢታዊት ከምዝኾነ የረድእ።
መጠን ሞይቶም ዝተወለዱ ወይ ድማ ኣብ ዘይእዋኖም ዝተወለዱ፡ ኣብተን ንሙቐት ዝተቓላዓ 6.1 ምኢታዊት ኮይኑ፡ ኣብተን ኣብ ዝሑል ከባቢ ዝሰርሓ ግና 2.6 ምኢታዊት ኮይኑ ተመዝጊቡ።
ብተወሳኺ መጠን ትሑት ክብደት ሒዞም ዝተወለዱ ህጻናት፡ ካብተን ኣብ ሓያል ሙቐት ዘለዎ ከባቢ ዝሰርሓ ዝተወለዱ 8.4 ምኢታዊት፡ ካብተን ኣብ ዝሑል ከባቢ ዝሰርሓ ዝተወለዱ ድማ 4.5 ምኢታዊት ኮይኑ ተረኺቡ።
ንሰብነትና ልዑል እዩ ተባሂሉ ዝተኣመነሉ ዓለም ለኻዊ መጠን ሙቐት የለን።
“(ጸቕጢ ሙቐት) ብመንጽር ዝተላመድካዮን ሰብነትካ ዝለመዶን ዝግምገም እዩ” ትብል ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ ተመራመርቲ ሓንቲ ዝኾነት ፕሮፌሰር ጄን ሂስት።
ምስ ዘበነ ቅድመ ኢንዳስትሪ እንትነጻጸር፡ መጠን ዋዒ ዓለም ኣብ መወዳእታ እዚ ክፍለ ዘበን ብሰለስተ ዲግሪ ከምዝውስኽ ይግመት።
“ንኩላትና ናይ ህላወ ሓደጋ እዩ” ዝብል ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ ብፍላይ ጥኑሳት ደቂ ኣንስትዮ “ገለ ካብቶም ዝኸፍኡ ሳዕቤናት” ከጋጥመን እዩ ክብል የጠንቅቕ።
ቅድም ክብል ዝተኻየዱ መጽናዕቲታት ማዕበል ዋዒ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ህጻናት ኣብ ዘይእዋኖምን ሞይቶምን ዝውለዱሉ ሓደጋ ብ15 ሚኢታዊት ከምዝውስኽ የመልክቱ ነይሮም።
ብሓፈሻ እቶም መጽናዕቲታት ኣብ ከም ብሪጣንያን ኣወስትራልያን ዝኣመሰላ ሃብታም ሃገራት ዝተኻየዱ እውን እዮም።
ውጽኢት ናይቲ ኣብ ህንዲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ዘሻቕልን ሰፊሕ ትርጉም ዘለዎን ከምዝኾነ እያ ፕሮፌሰር ሂስት እትዛረብ።
ከቢድ ዋዒ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ነዞም ዝስዕቡ ተግባራት ብምፍጻም ርእሰን ክከላኸላ ከምዝኽእላ እቶም ተመራመርቲ ይሕብሩ።
- ዋዒ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ነዊሕ እዋን ዘይምጽናሕ
- ሙቐት ኣብ ዝሕይለሎም መዓልቲታት ኣብ ደገ ዝሰርሓ እንተኾይነን ናብ ጽላል እናኸዳ ተደጋጋሚ ዕረፍቲ ምውሳድ
- ሙቐት ኣብ ዝሕይለሎም ሰዓታት ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር ወይ ጸሓይ ዘይምውቃዕ
- ብቐጻሊ ማይ ብምስታይ ድርቀት ምክልኻል
ሙቐት ከመይን ንምንታይን ኣብ ጥኑሳት ደቂ ኣንስትዮን ዕሸላትን ጉድኣት ከምዘብጽሕ ብዙሕ ግልጺ ኣይኮነን።
ቅድም ክብል ኣብ ጋምብያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግና ልዑል ሙቐት ውቅዒት ልቢ ዕሸላት ክውስኽን ብመዳሕንቲ ኣቢሉ ዝኣቱ ደም ድኹም ፍሰት ክህልዎ ከምዝገብርን ሓቢሩ ነይሩ።
ሓደ ክልሰ ሓሳብ፡ እታ ኣዶ ኣዝዩ እንትሞቓ፡ ሰብነታ ንምዝሓል ካብቲ ዕሸል ደም ናብታ ኣዶ ይኸይድ ዝብል እዩ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

