ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነበር ኣቡነ በነዲክት ዓሪፎም

ኣቡነ በነዲክት ኣብ 2013 ብሰንኪ ሕማም ካብ ጵጵስና ወሪዶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣቡነ በነዲክት ኣብ 2013 ብሰንኪ ሕማም ካብ ጵጵስና ወሪዶም
Published

ንነዊሕ እዋን ሓሚሞም ዝጸንሑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነበር ኣቡነ በነዲክት 16ይ: ኣብ መበል 95 ዓመቶም ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ከም ዝዓረፉ ተገሊጹ።

ኣቡነ በነዲክት ሎሚ ሰዓት 9፡34 ካብዛ ዓለም ከም ዝተፈለዩ ካብ ቫቲካን ዝተወሃበ መግለጺ ይሕብር።

"ኣቡነ በነዲክት ኣብ ቫቲካን ገዳም ኣቅሌስያ እንከለዉ ካብዛ ዓለም ብሞት ከም ዝተፈለዩ ክንሕብር ከለና ብዓቢ ሓዘን እዩ" ክብል ወሃቢ ቃል ቫቲካን ማቴዮ ብሩኒ ሓዘኑ ገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ሓዘኖም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።

ኣቡነ በነዲክት፡ "ኣብነት እምነትን ምኽንያትን" ከም ዝነበሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ ገሊጻ። "ልብን ኣእምሮን" ሰባት ይርድኡ ከም ዝነበሩ’ውን ወሲኻ ተዛሪባ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 1

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ዝዘርግሖ ትዊተር፡ ነፍስሄር መራሒ ካቶሊክ "ዝያዳ ሕውነታዊት ዓለም" ንምፍጣር ዝሰርሕዎ ስራሕ ኣድኒቑ።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 2

ኣቡነ በነዲክት፡ ኣብ 2013 ብሰንኪ ሕማም ካብ ጵጵስና ከም ዝወረዱ ይፍለጥ።

ኣቡነ በነዲክት፡ ካብ 2005 ጀሚሩ ንሸሞንተ ዓመታት መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ኣገልጊሎም እዮም።

ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን፡ ጆርጅ 12ይ ኣብ 1415 ብፍቓዶም ካብ መንበረ ጵጵስና ዝወረዱ ክኾኑ ከለዉ፡ ድሕሪ ኣስታት 600 ዓመታት ኣቡነ በነዲክት ካብ ጵጵስና ዝወረዱ ፈለማይ ጳጳስ እዮም።

ኣቡነ በነዲክት ናይ መወዳእታ ዓመታቶም ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ገዳም ከም ዘሕለፉ ይፍለጥ።

እቶም ዝትክእዎም ጳጳስ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ብተደጋጋሚ ይሓትዎም ከም ዝነበሩ ይንገር።

ኣቡነ በነዲክት ንነዊሕ እዋን ጸገም ጥዕና እኳ እንተነበሮም፡ ብሰንኪ እርጋን ጥዕንኦም ኣብ ሕማቕ ደረጃ በጺሑ ምንባrኡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ከም ዝተገለጸ ይዝከር።

ዝሓለፈ ረቡዕ ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ኣብ ቫቲካን ናይ መወዳእታ ዓመት መደረ ኣብ ዘስምዑሉ እዋን፡ ኣቡነ በነዲክት ብኸቢድ ሓሚሞም ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ምእመናን "ፍሉይ ጸሎት" ክገብሩሎም ጸዊዖም ነይሮም።

ኣብ ጀርመን ዝተወልዱ ኣቡነ በነዲክት ናይ መጀመሪያ ስሞም ጆሴፍ ራትዚንገር እዩ።

ኣብ 2005 ኣብ መበል 78 ዓመቶም መራሒ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኮይኖም። በዚ ድማ ነቲ ሓላፍነት ዝሓዙ ዝዓበዩ ኣቡን ክኾኑ ክኢሎም።

ኣብ ዘመኖም፡ ክሲታት፡ ሕጋዊ ሕቶታትን ንዘመናት ብካህናት ዝፍጸም ግህሰት ህጻናት ዘቃልዑ ጸብጻባት ዕላዊ ተገይሮም እዮም።

ሬሳ ኣቡነ በነዲክት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝዓርፍ ተፈሊጡ ኣሎ።