ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ከምዛ ሎሚ ኣብ በዓል ኢሬቻ ቢሾፍቱ ዘጋጠመ ክስተት እንክዝከር

Published

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ከምዛ ሎሚ በዓል ኢሬቻ ኣብ ቢሾፍቱ ኣብ ዝጽምበለሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ ልዕሊ 50 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ከቢድን ቀሊልን መቑሰልቲ ኣጋጢምዎም። ካብ መንጎ እቶም ካብቲ ክስተት ብህይወት ዝወጹ ዝኾነት፡ ለሊሴ ኣብዲሳ ኣብቲ እዋን ንዝነበረ ኩነታትን ብድሕሪኡ ህይወታ እንታይ ከም ዝመስልን ነጊራትና ኣላ።